2014-12-30 15:59:29

ደገፍ ንስድራ ቤት ንናይ ሓንቲ ሃገር ኵለ መዳያዊ ስጓመ ግድነትታዊ ተግባር እዩ


RealAudioMP3 ኣብቲ ዕለት 28 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. መደብ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ልዕሊ ሸውዓተ ሺሕ ዝግመቱ ብዙሕ ውላድ ዘለዎም ምእመናን ኣባይቲ ስድራ ዝተሳተፉ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣቦ መንበር ፍራንቸስኮ በለቲ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዝለገስዎ ምዕዳን ነቶም ብኣባላት ብዙሓት ዝዀኑ ኣባይቲ ስድራ ኣመስጊኖምን ነቲ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዝረአይ ንስድራ ቤት ዘይድግፍን ዜጋታት ንቅዋመ ስድራ ቤት ዘየተባብዕ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ነዚ በዲሆም ብኣባላቱን ብውላድን ብዙሓት ዝዀኑ ኣባይቲ ስድራ ብሓቂ ዝነኣዱ ምዃኖም እውን ገሊጸምዎ እዮም። እዚ ድማ ዓለምንና ሃገራትን ዝኽተልኦ ፖለቲካ ስድራ ቤት ዘማእከለ ክኸውን ዘተሓሳስብ ኵላዊ ለበዋን ጸዋዕታን እዩ ኢሎም።
ከምቲ ቅድም ክብል ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቂሶም ዝበልዎ ናይ ኢጣሊያን ናይ ብዙሓት ሃገራት ቅዋም ሃገር ስድራ ቤት ማሕበራዊ ጥቅሚ እንክብል ይገልጾ ኰይኑ ግን ናይ መንግስታት ፖለቲካ ቅዋም ከኽብር ትሑዝ ክነሱ ንስድር ቤት ከም ማሕበራዊ ጥቅሚ ዘየለልን ዘይፈልጥን ተግባር ዝኽተል ኰይኑ ክትረኽቦ ብሓቂ የሕዝን፣ ኢጣሊያ ኣብተን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ድኻታት ስድራ ቤት ዘለዉዋ ክትከውን እንከላ እዚ ድማ ካብ ድኻታት ስድራ ቤት ብዝውለዱ ሕጻናት ብዝሒ እትፍለጥ እውን እንተዀነ ብዝውለዱ ሕጻናት ዋሕዲ ዝተጠቕዔት እያ፣ ምውላድ ናብ ትሑት ናብራ ዝድርኽ ኰይኖ ምሕሳብ ኣብቲ ምዕቡል ዓለም ልሙድ እናዀነ ምውላድ ዘይተባብዕ ባህሊ ብኹለ መዳይ ክቃላሕ ይስማዕን ይረአን፣ እዚ ዅሉ ድማ ምስቲ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ቅዋም ሃገር ስድራ ቤት ዓንዲ ሃገርን ሕብረተሰብ ዝብል ተነቢሩ ዘሎ ሓሳን ዝጻረር እዩ። ኩለን ሃገራት ብእግረን ደው ክብላ ዝገብር ስድራ ቤት እዩ፣ ስድራ ቤትን ዝውለዱ ሕጻናት እንተዘይነብሩ ሃገር እውን ኣይምሃለወትን እዚ ተራ ሓቂ ክነሱ መላእ ሃገራት ዓለም ስድራ ቤት ማእከል ዘይገብር ፖሊቲካ ክኽተላ ከመይ ገይረን ከምዝደፍራ የደንጽው፣ ዝዀነ ይዅን ፖሊቲካ ተስፋ ከተባብዕ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ተስፋን መጻእን ዝዀነ ስድራ ቤት ዝድግፍ መገዲ እዩ ክኽተል ዘለዎ፣ ካብዚ ወጻኢ ተስፋ ምትብባዕ ማለት ሕልሚ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.