2014-12-30 15:54:30

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፦ ስድራ ቤት ናይ ፖሊቲካ ተግባር ማእከል ይኹን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 11.30 ልዕሊ ሸውዓተ ሺሕ ዝግመቱ ብዙሕ ውላድ ንዘለዎም ምእመናን ኣባይቲ ስድራ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ስድራ ቤት ሕብረተሰብ ናይ ምሕዳስን ምልዋጥን ዝብል ብኑባሬ ዝለበሶ ሓላፍነቱ ከኽብር ኣለዎ ዝብል ሓላፍነት ስድራ ቤተ ኣብ ሕብረተሰብ እንታይነቱ ዘነጽር ዓሚዩቕ ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ነቶም ብብዝሒ ቁጽሪ ኣባላቱ ዓቢይ ዝኾነ ምእመናን ኣባይቲ ስድራ ዘሰነዩ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ፖለቲካ ዛዕባ ስድራ ቤት ናይ ተግባሩ ማእከል ክግበር ይግባእ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ከይደኸሙ ዳርጋ ንዅሎም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ወለዶም ዝተረኽቡ ሕጻናት ሓደ ብሓደ እናሓለፉ ሰላም ቢሎም ዘርአይዎ ግዳሴ ናይ ኣባይቲ ስድራ ሓጎስን ተስፋን ዘበራበረ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ ናይ ኢጣሊያን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ብዙሓት ሃገራት ሃገራዊ ቅዋም ክበሃል ይከኣል ስድራ ቤት ናይ ሓንቲ ሃገር ህሉውን መጻእን ጊዜ ከምዝኾነን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ፍልይ ብዝብለ መገዲ ማለት ስድራ ቤት ኣብቲ ኣርሒቑ ዝሓስብ ቅዋም ህልውን መጻእን ጊዜ ከምዝኾነን ናይ ሓንቲ ሃገር ኵለ መዳያዊ ምዕባለ መምዘኒ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዮም፣ ኰይኑ ግና ንኣብነት ኣብ ኢጣሊያ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ብዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ስእነት ስራሕን ቅልውላው ሓዳርን ኣደ ዓባይን ኣቦሓጎን እንተዘይህልዉ ኔሮም ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ኣብ ናይ ህልውና ከቢድ ኩነት ምወደቑ ኔሮም፣ መንእሰይ ስእነት ስራሕ ምስ ኣጋጠሞ ዝሕግዞ ስድራ ቤት ኣንተዘይህልዎን ዝተፈላለየ ሽግር ዘጋጠሞም ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ስድራ ቤት እንተዝይህልዎም ኔሩ እንታይ ከምዘጓንፎም ምግማቱ ኣየጸግምን፣ ስለዚህ ስድራ ቤት ብሓቂ ንገዛእ ርእሱ ናይ ዝተፈላለዩ ሽግራት ባይታ መፍትሕ እዩ። ስድራ ቤት ዘይብሎም ዜጋታት ንሕሰብ፣ ስለዚህ ካብዚ ተራ ዝመስል ኩነት፣ ስድራ ቤት ኣብ ሃገርን ሕብረሰብን ዘለዎ ልዑል ክብሪ ጋህዲ እዩ ምስ በሉ ፖሊቲካ ንጉዳይ ስድራ ቤት ናይ ተግባሩ ማእከል ክግበር ይግባእ፣ እዚ ድማ እቲ ፖለቲካ ንገዛእ ርእሱ ዘርብሖ ምዃኑ ገሊጾም።
ደንጒኻ ምምርዓው ዝብል ስድራ ቤት ዘየማእክል ባህሊ፣ ንብዙሓት መንእሰያት እናማረኸ ኣብቲ ኣቦ ሓጐን ኣደ ዓባይን ኣብ ዝዀኑሉ እዋን ሓደ ውላድ እናረኸቡ እንኰ ውላድ ናይ ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ ክፍሊ ሕብረሰብ የስፍሕ ኣሎ፣ ስለዚህ እዚ ዓይነት ባህሊ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ወለድን ውላድን ናይ ርክብ ስነ ልቦናዊ ቅልውላው የስዕብን ወለድን ውላድን ዘረሓሕቕን እናዀነ ድማ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ብዘይ ወለዲ ይተርፉ ኣለዉ። ብሓቂ ሓፍተይን ሓወይን ዝብል ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ንመግለጺ ኣባላት እንጥቀመሎም ቃላት እውን ኣብ ቅልውላው የእትው ኣሎ፣ እንኰ ውላድ ሓፍተይን ሓወይን ዝብሉ ቃላት ዘይጥቀም ይኸውን፣ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ እንኰ ውላድ ስድራ ቤታዊ ባህሊ ሳዕቤኑ በቲ ተራ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ስነ ብዝሒ ሕዝቢ መምዘንታት ክርአይ እንከሎ ዓቢይ ሽግር እዩ ዘኸትል፣ ስለዚህ ሓደ ኣርሒቑ ዝጥምት መደብ ፖለቲካ ኣብ ተግባሩ ስድራ ቤት እዩ ዘማእክል፣ ስድራ ቤት ናይ ህልውን መጻእን ሕብረሰብን ሃገርን እዩ። እዚ ድማ መባእታዊ ጉዳይ እዩ፣ ብዙሕ ምርምርን መጽናዕትን ዝሓትት ኣይኰነን፣ ንጹርን ግልጽን እዩ ኢሎም።
እቲ ኣዚዩ ኣገዳስን ሕመረት ሓገር ዝዀነ ንሱ ድማ ስድራ ቤት ዕሽሽ ዝብል ፖለቲካ ሎሚ ምናልባት ናይ ግኡዝ ሃብቲ መሰረት ኰይኑ ክስመዓና ይኽእል ኣብ ቀረባን ርሑቕን መጻኢ ግን ዝጠልቦ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገም ኣዚዩ ከቢድ እዩ፣ እዚ ርዱእ ክነሱ መንግስታትን ፖለቲካን ስድራ ቤት ዘየማእክል ፖለቲካ እናተግበሩ ብሓቂ ንማሕበረሰብ ንሃገርን ንሓስብ ኢና ክብሉ ንገዛእ ርእሶምን ንሕዝቦምን ንሃገሮምን እዮም ዝሕስዉ። ሓሶት ድማ እንታይ ምዃኑ ንፍለጦ ኢና። ስለዚ መጻኢና ኣነ ዘይኰነስ ንሕና እዩ፣ ስድራ ቤት ንሕና እንተዘይኰነት ሃገር ንሕና ክኸውን ኣይክእልን ንሕና እንተዘይኰነ ኣነ ይኸውን እሞ ናይ ንኣይነትን ፍልልይን ምርሕሓቕን ኣልቦ ምትሕልላይን ባህሊ ድማ የስፍሕ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ሃገራት ቅዋምን ከምኡ እውን ስርዓት ሕግታት ናይ ውልቃዊ መሰልን ክብርን ዘማእከሉ ሕግታት መስፈርን ናይ ውልቃውነት ባህሊ ዘንጸባርቕ እናዀኑ ሕብረሰብ የድክምን ንድሕሪት ይጐት። ስለዚህ ናይ ሕብረሰብ ናይ ንሕና መሰልን ክብርን ዘማእከሉ እንተዘይኰይኖም ቀጥዒ ኣልቦ ውልቃውነት እናስፍሐ ባህሊ ተባላዕ እዩ ዘተኣታትው፣ ናይ ካልእ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ኣመለኻኽታ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ እቲ ምእንቲ ካልእ ዘይምሕላይን ዘይምግዳስን ዓውሎማ ይኸውን፣ ሳዕቤኑ ድማ ንርእዮ ኣሎና። ውልቃውነትን ኣነነትን ዝንእድ ባህሊ እንተድኣ ነጣቕዕ ኰይና ሰብኣውነት ኢና እነጥፍእ እንብክል፣ ምእንቲ’ዚ መጻኢ ካብ ንሕና እምበር ኣብ ኣነ ዘማእከለ ባህሊ ከይምስረት ብሓቂ ናይ ኣተሓሳስባን ፖለቲካን ሰውራ ወሳኒ እዩ። እቲ እንኽተሎ ፖለቲካ እንተድኣ ስድራ ቤት ዘየማእክል ኰይኑ ሃገርን ህዝብን ሕብረትሰብ ኢና እንብክል ምስ በሉ፣ ስድራ ቤት ናይ ገዛእ ራእሱ ጽሕፎት መጻኢ ኣብ ኢዱ ክዓትር ኣለዎ፣ እዚ ማለት ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ዝበልዎ ኣቲ ስድራ ቤታዊ መርበባት ክራኸብን ኣብ መንጐ ኣባይቲ ስድራ ምቅርራብም ምትሕብባርን ምትሕልላይን ዝብል ባህሊ ክሰፍሕ ዝድርኽ እዩ። እቲ ስድራ ቤት በቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ኣነ ዘማእከል ባህሊ ከይተጸልዎ ንሕና ዘማእከለ ባህሊ ኣብ ምስፋሕ ክተግህ ኣተሓሳሲቦም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.