2014-12-26 11:58:28

መልእኽቲ ልደት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ!


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ረፍዲ ዕለት 25 ታሕሣሥ 2014 ዓምፈ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተአከቡ ልዕሊ ሰማንያ ሽሕ ዝኾኑ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ከተማ ሮማን ነጋድያንን ነዚ ዚስዕብ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን ዝተሰምየ ሓዋርያዊ ቡራኬ ዝሓዘለ መልእኽቲ ልደት አመሓላሊፎም፣
ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን! ቡሩኽ ልደት!
ወልደ እግዚአብሔር መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ተወሊዱልና፣ አብ ቤተ ልሔም ካብ ሓንቲ ድንግል ነቲ ጥንታዊ ትንቢት ክውን ብምግባር ተወልደ፣ እታ ድንግል ስማ ማርያም ኢዩ፤ ሕጹያ ከአ ዮሴፍ ኢዩ፣
እዞም ሰባት እዚኦም ብምሕረት እግዚአብሔር ብዝርከብ ተስፋ ዝመልኡ ትሑታት ነበሩ በዚ ከአ ንኢየሱስ ክቅበሉን ከለልይዎን ከአሉ፣ ብኸምዚ ዝበለ ኩነት ከአ ጓሶት ቤተ ልሔም መንፈስ ቅዱስ ብዘብረሃሎም ናብ በዓቲ ቤተልሔም ብጉያ ብምኻድ ነቲ ሕጻን ሰገዱሉ፣
ብድሕርዚ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ትሑታት ሽማግለታት ስምዖንን ሃናን ናብ ቤተ መቅደስ ኢየሩሳሌም መሪሑ ወሰዶም! ንሶም እውን ነቲ መሲሕ ኢየሱስ አለለይዎ! ስምዖን ከአ “- ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ርእየን” (ሉቃ 2፡30) በለ፣
እወ! አኅዋተይ! ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንኩሉ ሕዝብን ድሕነት ኢዩ! ሎሚ መድኃኒ ዓለም ንዝኾነ ኢየሱስ ናብቶም ብሰንኪ ግጭት ብዙሕ አደራዕ ዝወርዶም ዘሎ አኅዋትናን አኃትናን ደቂ ኢራቅን ሶርያን ምስቶም ምሳኦም ዝሳቐዩ ዘለው ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ዓሌትን ሃይማኖትን ዝኽተሉ እሞ አብ ትሕቲ መሪር ስደት ዘለው ቍሊሕ ክብል እልምኖ አሎኹ፣ ነዚኦምን ነቶም አብዚ ከባቢ ይኹን አብ ፈቀዶ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉን ስደተኛታትን ሕጻናትን ዓበይትን ሽማግለታትን ልደት መድኃኒና ተስፋ ከምጸአሎምን ነቲ አብ ዓለምና ዝረኤ ዘሎ ሸለልትነትን ጋሻ ዘይምቅባልን ለዊጡ እቶም ሕጂ አብ ከቢድ ፈተነ መነባብሮ ወዲቆም ዘለዎ አድላዪ ሰብ አዊ ሓገዝ ክረኽቡሉ ዚከአል መንገዲ ክርከብን ነዚ ከቢድ እዋን ናይ ክረምቲ ተጻዊሮም ምእንቲ ክኽእሉን እንክምሕጸን ብሰላም ነናብ ዓዶም ተመሊሶም ክብረት ዘለዎ ሕይወት ክነብሩ ዝገብር ልደት ክኾነሎም እምነ፣ ጐይታ ካብታ ብልደቱ ዝተባረኸት ቅድስት መሬት ጀሚሩ ንምሉእ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ሰላሙ ክህብን ነበርቶም ድማ ነንሕድሕዶም ንምትእምማን ልባቶም ክኸፍትን እልምን! በዚ ከአ ነቶም ብአካል አብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጠኤማውያንን ዘተ ዕርቂ ንምግባር ንዝቃለሱ ክድግፍዎም እምሕጸን፣
መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ! ናብቶም አብ ኡክራይና ዝሳቀዩ ዘለው ቍሊሕ በል! አብ ማእከሎም ዘሎ ምስሕሓብ ሰጊሮም ነቲ ዘሎ ጽልእን ዓመጽን ስዒሮም ሓዲስ ናይ ሕውነትን ዕርቅን ጐዳና ከምጐዓዙ ግበሮም፣
መድኃኒና ዝኾንካ ክርስቶስ! ነታ ብዙሕ ደም ዝፈሰላ ዘሎን ብዙኃት ዜጋታታ ከአ ብዘይፍትሒ ካብ ሰቦም ተጨውዮም ዝሳቀዩላን ዝቅተሉላን ዘላ ናይጀርያ ገጽካ ምለስ! ንካልኦት ክፍልታት አህጉር አፍሪቃ እውን ሰላም ክተውርድ እልምንካ አሎኹ፣ ብኅልፊ ሊብያ ደቡብ ሱዳን ናይ ማእከላይ አፍሪቃ ሪፓብሊክን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዘክር! ነቶም ፖሎቲካዊ ኃላፍነት ሕዝቦም ተሰኪሞም ዘለው መራሕተን ከአ ነቲ አብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልያት ብዘተ ክፈትሕዎን ነባሪ ሕውነታዊ ተሓባቢርካ ምንባር ክሃንጹን እምሕጸን፣
ዎ ኢየሱስ! ነቶም አደዳ ዓመጽ ዝኾኑ ከም ናይ ሸቀጥ አቅሓ ዝሽየጡን ዝልወጡን ዘለው ከማኡ እውን ንግዱድ ዕስክርና ዝውሰዱ ብዙኃት ሕጻናት አድኅን! እወ! ሕፃናት - እኳ ደአ ብዙኃት ዝተዓመጹ ሕጻናት!
ዎ እግዚአብሔር! ነቶም አብ ዝሓለፈ ሶሙን አብ ፓኪስታን ናይ ዝተቀትሉ ሕጻናት ስድራቤታት አጸናንዕ!
ኦ ጐይታ ብሕማም ንዝሳቀዩ ዘለው ምናዳ ኸአ አብ ላይበርያ ስየራ ልዮንን ጊንን ብሕማም ኢቦላ ንዝሳቀዩ ቀረባኦም ኩን! ነቶም ብትብዓት በዚ ሕማም እዚ ንዝተለኽፉን ቤተሰቦን ንዝአልዩ ብልቢ እናአመስገንኩ ንኩሎም ዘድሊ ሓገዝን ፍውሳን ክግበር አበርቲዔ እምሕጸን አሎኹ፣
ኢየሱስ ሕፃን! ክብል ከሎኹ ሃመይን ቀልበይን ናብቶም በዚ ዕለት’ዚ ዚቅተሉን ዚግፍዑን ሕጻናት ኢዩ ዘሎ! እዚኦም ሕጻናት እዚኦም ብርሃን ከይርእዩ ፍቅሪ ወለዶም ዝተነፍጎም! ብነአይ ይጥዓመኒ ዝብል ስስዔ ዘዖሮ! ሕይወት ዘየፍቅር ጸልማት ናብራ ካብ ማኅጸን አዲኦም ዝተቀብሩ እንክኾኑ እቶም ብውግእን ስደትን ዝመዛበሉን ዝስደዱን አብ ቅድሚ ዓይንና ክዕመጹን ክምዝመዙን እናረአና ከምዘይረኤና ነጽቅጥ አሎና! ብዝተፈላለየ ደብዳብ አብ ቅድሚ ዓይንና እንኪቅዘፉ ወላውን አብታ ብልደት ወልደ እግዚአብሔር ዝተባረኸት ዓዲ ሎሚ ብዙኃት ኃደስቲ ሄሮዱሳት ሰይፎም መዚዞም ይቅንጽልዎም አለው! ናይዞም ሕጻናት ዓቅመ አልቦ ናይ ጸጥታ ገዓሮም ይስማዕ አሎ፣ አብ ልዕሊ ንጹሕ ደሞም ገና ናይዞም ናይ ዘመንና ሓደስቲ ሄሮዱሳት ድነ የንጸላሉ አሎ፣ ብሓቂ ክብለኩም ሎሚ አብዚ በዓለ ልደትዚ ምስ ናይ ኢየሱስ ሕጻን ንብዓት ዝፈስስ ዘሎ ብዙሕ ኢዩ፣
ዝተፈቶኹም አኅዋትን አኃትን! ነቲ አብ በዓቲ ቤተልሔም ካብ ድንግል ማርያም ም እንቲ እቲ ንነፍሲወፍናን ንሕዝቢ መላእ ዓለምን እግዚአብሔር ዝሃበና ድኅነት አብ ኢየሱስ ሕጻን አለሊና ም እንቲ ክንክእል፣ መንፈስ ቅዱስ ልባትና የብርሃልና፣
ሓራ ምውጻእን አገልግሎትና ዝኾነ ሥልጣን ክርስቶስ አብ ልቢ እቶም ብውግእን ስደትን ባርነትን ዝሳቀዩ ዘሎ ይሰማዕ፣ ጐይታ በቲ ምእዙዝ ሥልጣኑ ገቢሩ ነቶም አብ ዓለማውነትን ሸለልትነትን ጥሒሎም ዘለው ሰባት ትረት ልቢ አልዩ ልቦም የለምልም፣ እቲ መድኃኒ ዝኾነ ኃይሉ ከአ ንጠመናጁ ናብ ማሕረሻታት ን ዕንወት ናብ ፈጠራ ንጽል ኢ ናብ ፍቅርን ርኅራኄን ይለውጥ፣ በዚ ከአ ብታሕጓስ “አ ዕይትና ድሕነትካ ርኢየን” ንምባል ክንበቅዕ ኢና፣ ቡሩኽ ልደት!








All the contents on this site are copyrighted ©.