2014-12-21 12:47:44

ሰንበት ዘስብከት 2007 ዓ.ም. ታኅሣሥ 12 2007 (12/22/2014)


ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስብከት ዘመነ ምጽአት እናተኸታተሉ እተርኢ ስእሊ፣ RealAudioMP3
መዝሙር፡ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ . . . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 1፡39፥ 1ዮሓ 2፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፥ ማር 13፡3337
ስብከት፡ “ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ”፥ መዝ. 144፡7።
ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 27 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓድ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ። ናይ ሎሚ ነብያት ሰበኽትን ተሰበኽትን ንሕና ኢና፥ ንልደት ክርስቶስ ብምሉእ ልብና ተቐሪብና ክነብዕሎ እንሰናደወሉ እዋን እዩ። መብራህቲ ሰላም፥ መልእኽቲ ዕርቂ፥ ፍቕሪ፥ ሕድገት፥ ምሕረት አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ክነግስ ብምሉእ እንቀራረቡል እዋን እዩ፥ ስለዚ ነፍስወከፍ ክበራበር ክሓስብ ምስ ርእሱ ክዛረብን ክርእን ዝሕተተሉ እዋን ስለ ዝኾነ አብ ሓደ ጉዕዞ ክንህሉ እሞ ብዓልና ብግቡእ ክነብዕሎ ኩልና ንሰናዶ።
ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ንምስንዳው ክሕግዘና ኢሉ ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሰያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ መድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’ እናበልና ንዝምር።
ዘስብከት ዘምጽአት እንብሎ ንምጽአት ክርስቶስ ምሉእ አፍልጦ ሃልዩና ብትግሃት ነቒሕና ክንጽበ ንማለት እዩ። ሰበኽቲ ሎሚ ንሕና ኢና ብዛዕባ ርእስና ዘይኮነ ብዛዕባ መድኃኒና ክርስቶስ ብሕይወትና ብርክባትና ከምኡ ብመንፈሳዊ ሕይወትና እንሰብኮ እዋን እዩ። ሰብ ምስ ክርስቶስ ምሉእ ሓድነት ክህልዎ ክንሰብኽ ክንምስክር ከምዘድሊ ናይ ሎሚ መዝሙር ይነግረና።
ሓደ እዋን ሓደ ካህን ንሓደ በዅሩ ዝኾነ ሕፃን ዘጠምቕ ዝነበረ ከም እተቀራረበ ወይ ከም እተሰናደወ ክፈልጥ ኢሉ፡ ጥምቀት ዓቢ ምስጢር እዩ ነዚ ተሰናዲኻ ዘሎኻ እናበለ ሓቲትዎ፥ እቲ ጎበዝ ወላዲ እወ ብዓልቲ በተይ ዘድሊ መግብን ስዋን ቀሪባ ኣላ ከምኡ ነጋይሽና ዘሓጉስ ዝበልናዮ ኩሉ ቀሪብና አሎና እናበለ መሊሱ። ካህን ከምኡ ማለተይ አይኮነን ማለት ብመንፈሳውነት ከምኡ እትለብስዎ ሓላፍነት ተቐሪብኩም ዘሎኹም ማለተይ እዩ። እቲ ጎበዝ እወ ብርግጽ፥ አነ ቢራን ከምኡ ዊስኪ ዘድሊ ኩሉ ቀሪበ አሎኹ” ኢሉ መሊሱ ይብሃል።
እዚ ምናልባት ንብዙሓት የስሕቐና ይኸውን እንተ ኾነ ብዙሓት ካባና ንልደት ክርስቶስ ክነብዕል አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ካብዚ ሰብአይ ዘይፍለ ምስንዳው ክህልወና ይክአል እዩ። ብዙሓት አትኩሮና አብቲ ቀንዲ ነገር ዘይኮነ አብ ግዳማውን ምስ ልደት ክርስቶስ ሓንቲ ርክብ ዘይብሉ ኢና እነተኩር።
እዚ እዋን ምጽአት እንብሎ ንልደት ክርስቶስ ግቡእ ምስንዳው እንገብረሉ ንዳግማይ ምጽአት ጎይታ ብፍሉይ ሓሲብና እንቕረበሉ ጊዜ እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ሰለስተ ምጽአት ጎይታ ኢና እንዝክር፡
፩ያ አብ ዝሓለፈ ዘመናት አብ ዓለም ቅድሚ 2000 ዓመት ዝኾነ ልደት መስሕ ንዝክር።
፪ይ አብ መጻኢ ክኸውን ዘለዎ ዳግማይ ምምጻእ ክርስቶስ ንሕያዋንን ንሙታንን ክፈርድ ከመጽእ ምዃኑ አሚና ንሰናዶ።
፫ይ አብዚ ሕጂ ዝኸውን ማለት አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና አምላኽ ብዝተፈላለየ ጸጋታቱ አብ ግላዊ ሕይወትናን ከም ማሕበር ክርስቶስን ከም ሰባት ይመጽአና ነዚ ፈሊጥና ንሰናዶ።
አብ ዓለምና እንርእዮ ናይ እዋን ምቅርራብ እንተ ረአና አብ ዓለማዊ ነገራት ማለት ብደገ አብ ዘብለጭልጭ ከምኡ አብ ግዙፍ ነገራት ዘተኮረ ምቅርራብ ክዝውተር ኢና ንርኢ ዘሎና። እዋን ልደት ዝዓበየ ሸቐጥ ዝግበሮ ሰባት ነገራት ክገዝኡ ዝቃረቡሉ እዩ ኾይኑ ዘሎ። ንደቅና ንሰብና ንእንፈትዎ ህያብ ክህብ ላዕልን ታሕትን ክብሃል ንርኢ፥ ቆልዑት እንታይ ህያብ ከምዝውሃቡ ክርእዩ ሃረር ይብሉ፥ ጥዑም መግቢ መስተ ዝተፈላለይ ንሸውሃት ዘዕግብ ንገብር። እዚ ኹሉ አብ ግዙፍን ሓላፍን ነገር ዘተኮረ እዩ። እዚ ንትርጉምን ምስጢርን ዘመነ ምጽአት በኪልዎ ይርከብ።
ምቅርራብና ካልእ እዩ ነቲ ቅድሚ 2000 ዓመት ምእንታና ዝተወልደ መድኅን ሎሚ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና አብ ርክባትና አብ ሓዳርና አብ ቅድስናና አብ ኩሉ ክውለድ ቦታ ንአኡ ዝኸውን ክንቅረብ እሞ ክንሕደስ አብኡ ዘሎና እምነት ሕያውን ጽኑዕን ክኸውን እንቀራረበሉ እዋን እዩ።
አብ ምጽአት ክርስቶስ እንከሎና ሓንቲ ከም ዘይጎድለና ክነግር ኢሉ ቅ. ጳውሎስ ምቅርራብና ምስቲ ናይ ቀዳሞት ክርስትያን ምቅርራብ ክሰማማዕ ከምዚ ይብለና “ስለዚ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽ አብ እትጸብዩሉ ዚጎድለኩም ውህበት ጸጋ የልቦን” (1ቆሮ 1፡7) ይብለና። ጳውሎስ አብ ግዙፍን ዓለማውን ነገርት ክንቀራረብ አብ እንጓየየሉ ዘሎና ከምዚ ዝናበለ ይመኽረና “አብ መንፈሳዊ ውህበታት ክነድህብ”። አብ 1ቆሮ 12 ዘሎ ብምልኡ ከም ዝገልጾ “ቃል ጥበብ፥ ፍልጠት፥ እምነት፥ ናይ ምፍዋስ ውህበት፥ ተአምራት ምግባር፥ ትንቢት ምዝራብ፥ መናፍስቲ ምልላይ፥ ቋንቋታት ምዝራብ፥ ቋንቋታት ምትርጓም (1ቆሮ 12፡811) እዚ ኹሉ ክንቅበል ሃራር ክንብል ይግባእ። እዚ ኩሉ ውህበታት ንሓደ ሰብ ዝተዋህበ አይኮነን ንነፍስወከፍና ነናትና ውህበት አሎና። ጳውሎስ ብምቕጻል ነተን ዝዓበያ ውህበታት ክንቅበል ይምዕደና “ነተን ዝዓበያ ውህበታት ጽዓቱ ይብሎም ንሰን ከአ እምነት ተስፋ ፍቕሪ እየን። አብዚ እዋን ምጽአት ነዘን ሰለስት ዓበይቲ ውህበታት አምላኽ ክንቅበል ምሉእ ምቅርራብ የድልየና።
ግዙፍ ህያባትና ነቲ ዝዓበየ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ከምእንሓስብ ክሕግዘና አለዎ። ንደቅና ቅድሚ ግዙፍ ህያባት ምሃብና መንፈሳዊ ውህበት ዝዓበየ ከም ዝኾነ ክንምህሮም አሎና። እቲ ዝዓበየ ህያብና ብርእሱ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ብምሉእ ክንቅበሎ ምቅርራብ የድሊ። ግላዊ ንስሓ የድልየና
ክርስቶስ ብምሉእ ባህርና ለቢሱ መጺኡና “ከማና ሥጋ ለቢሱ አብ መንጎና ኃዲሩ” (ዮሓ 1፡14)። ነዚ ብፍሉይ ክንሓስብ እንከሎና አምላኽ ብአምሳሉ ዝፈጠረና ሥጋና ምስ ለበሰ ብፍሉይ አብ ክብ ዝበለ ርክብን ጸጋን አደይቡና። ተሳተፍቲ ባህሪ አምላኽ ሕሩያት ፍጥረት ኮና። አብ ኩሉ ሕይወትና ብዘይካ ኃጢአት ንአና ስለ ዝመሰለ ብወገና ነዚ ክብሪ ሎሚ ክንሕድሶ አብ መንጎና ዘሎ ርክብ መንፈስ ክርስቶስ ዝለበሰ ክንገብሮ፥ ከምኡ እንነብሮ ሕይወት ደቂ አምላኽ ብምዃና ብርሃን ክንኩልዕ ንጸልማት ጎልቢብዎም ሰይጣን ተዓዊትሎም ንዘለዉ አብ ብርሃን ክርስቶስ ክምለሱ ክንሕግዝ ንሕተት አሎና። ሰላም ፍቕሪ አብ ኩሉ ክንዘርእ እሞ ኩሉ አብ ሓደ ደምበ አምላኽ ክንጥርነፍ ናታትና ተሳትፎን ጻዕርን ይሓትት። ነዚ አብ ግብሪ ክነውዕሎ አምላኽ አብ መንጎና ክሓድር እሞ ጸግኡ ክንቅበል እንተ ኾና፡

እምብአር ሰለስተ ምጽአት ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ አብ ነነድሕዱ ዝተራኸበ እዩ። እቲ ናይ ኢየሱስ አብ ቤተልሔም ምውላድ መሰረት ናይ እዚ ዘሎናዮን ዝመጽእ ሕይወትን እዩ። ነፍስወከፍና ካብዚ ዓለም ክንሓልፍ ኢና ስለዚ ምስንዳው የድልየና። ንሓንቲ ምኽንያት ኢና ተፈጢርና ንሳ ኸአ ምስ አምላኽ ንዘለዓልም ክነብር ምእንቲ እዩ። ምሉእ ጻዕርና ሕይወትና ነዚአ ክንሰርሕ አሎና። አብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ በደል ነዚ መጸዋዕታ አምላኽ ዋጋ ከይሃብካ ምንባር እዩ።
ናይ ሎሚ ወንጌል “እቲ ጊዜኡ ምአስ ምዃኑ አይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ ንቕሑን ጸልዩን” ይብለና። ነዚ አብነት ክኾነና ኢሉ ናይ ሓደ ንመገሻ ዝኸደ ሰብ እሞ ነቶም አገልገልቱ ንነፍስወከፎም መመዞም ሂቡ ዝኸደ እሞ ብዘይተሓስበ መዓልቲ መጺኡ ጸብጻብ ዝሓተተ ይነግረና። ዋና ምአስ ከምዝመጽእ ስለ ዘይትፈልጡ ኩሉ ጊዜ ነቒሕኩም ጽንሑ ይብለና። አብዚ ብዝያዳ ክንሓስበሉ ዝድለ ዘሎ ናይ ነፍስወከፍና መወዳእታ ሕይወት እዩ። ከመሎኹ ሕይወተይ ቅድስና ዝለበሰ ድዩ? ርክበይ ምስ አምላኽን ሰባትን ከመሎ፥ እቲ ዝኸበደ ኃጢአተይ ክፍአተይ እንታይ እዩ? ኢልና ንርእስና ክንሓትት እሞ ክነጽሕ ክንሳሕ እዩ እቲ ዝድለ።
አምላኽ “አብ አፍደገ ደው ኢለ ማዕጾ ዃሕኳሕ አብል አሎኹ፥ ሓደ እኳ ድምፀይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ናብኡ ኽአቱ ምስኡ አብ መአዲ ኽቕመጥ እየ፥ ንሱእውን ምሳይ ኪቕመጥ እዩ” (ራእ 3፡20) እናበለ ይጽበየና አሎ። ኢየሱስ አብ ልብና ቦታ ክረክብ ፍቓድና ይሓትት አሎ፥ አብኡ ክቕይረና አምሳሉ ክንከውን፥ አምሳል አምላኽ ክንከውን፥ ምሉእ ሰብ ሓቂ ፍቕርን ሓልዮትን ከምኡ ነጻነትን ሰላምን እነኽብር ክገብረና ይሓተና አሎ። መልሹለይ ስምዑኒ ተነስሑ አብ ወንጌል እመኑ እናበለ ልቢ ነፍስወከፍና ይኵሕኵሕ እሎ።
ጉዕዞ ምቅርራብ ንበይንና አይ ኮናን፥ መላእ ቤተ ክርስትያን ምስና አላ፥ ልዕሊ ኹሉ አምላኽ ምሳና አሎ። እሞ ሎሚ ዓወት ክንለብስ ጉዕዞና ብቕድስና ዝተማእከለ ገርና ንመድሓኒና ክንቅበል ስንድዋት ንኹን። ንኹሉ ዝሓሊ አምላኽ ሎሚ እውን አብዚ ጉዕዞ ምጽአት አብ ዘሎናሉ እዋን ብጸግኡን በረኸቱን ክመርሓና እናለምና ብተስፋ ንመዓልቲ ጎይታ ንጸበ።
ቅዱስ ምቅርራብ ንብዓለ ልደት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.