2014-12-20 16:21:05

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ቤተ ክርስቲያን ኣደ እምበር ወናኒት ትካልን በዓልቲ ትካልን ኣይኰነትን፣ ስልጣን መኻን ይገብር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ወትሩ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል፣ ዕለት 19 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞርኲይዞም፦ “ቤተ ክርስቲያን ኣደ እምበር ሰብ ትካልን ወናኒት ትካላትን ኣይኰነትን” ዝብል ሓሳብ ዝተሰምረሉ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለቱ ምንባብ እተን ክልተ መኻናትን ካብ መኻንነት ተፈዊሰን እታ ሓንቲ ሳምሶን እታ ሓንቲ ድማ ዮሓንስ መጥመቅ ከምዝወለደት ዝሕብር ጠቒሶም፣ ኣብ ሕዝበ እስራኤል ኣብቲ እዋን ውላድ ዘይምህላው ከም መርገም እዩ ዝሕሰብ ዝነበረ፣ ዝተረግመ ጥራሕ እዩ ውላድ ዘይረክብ፣ ዝተረግመት ሰበይቲ ጥራሕ እያ መኻን ትኸውን፣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብተኣምራት ጸጋ እግዚኣብሔር ካብ መኻንነት ዝተፈወሳ ንዘክር፦ “ጐይታ ተኣምር ይሰርሕ፣ እወ ንመንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ልባትና ንኽፈት ንበይንና ኵሉ ከበድ እዩ፣ ንበይንና ኣይከኣለናን እዩ፣ ንሱ እዩ ኩሉ ነገር ፈጻሚ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅድሚ ምውላድ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን መኻን እያ ኔራ፣ እወ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ብቕዓት እትተኣማመን እዚ ድማ ሕብረተሰብ ዝውክል ምዃኑን መኻን ሕብረተሰብ ዝውክል ከምዝኾነን ጐይታ ነቲ መኻንነት ፈዊሱ ዘርኢ ትውልዲ የስፍሕ ማሕበረሰብ ንቕድሚት ምባል ምስ ተስኣኖ መኻን ምስ ኰነ ድማ እነሆ ምንጋወ መለኰት፣ ወልደ እግዚኣብሔር ይመጽእ ድሕነት ይመጽእ እንክብሉ ቅድሱ ኣቦና ተንቲኖም፦ “ሓድሽ ሰብን ሓደሽ ፍጥረትን፣ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ዝገብር ኢና ንጽበይ ዘሎና። እዚ ድማ ልደት እዩ፣ ልደት ሕዳሴ እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ሕዳሴ ማለት እዩ። ንፍጥረት ዝሕድስ ብግርማ ዝዅልዕ ዳግም ዝፈጥር እግዚኣብሔር፣ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ምንባብ መጽሓፈ መሳፍንቲ እታ መኻን ዝነበረት ሰበይቲ ማኒሄ ሳምሶን ዝወለደትን ከምኡ ድማ ወንጌል ሉቃስ ኤሊዛቤጥ እታ መኻን ዝነበረት ዮሓንስ መጥምቕ ዝወልደት ክውን ታሪኽ ንረክብ፣ እወ እዚ ምንጋወ ቅዱስ መንፈስ ኣብ ሕይወት ሰብ፣ ሓድሽ ዝገብር ጸጋ፣ ካብ መኻንነት ክንሓውን ንመንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስና ንኽፈት፣ ነቲ ኩሉ ነገር ሓድሽ ዝገበር ሓይሊ ኣምላኽ ገዛእ ርእስና ንኽፈት” ምስ በሉ ቀጺሎም፦ “እዚ ብዛዕባ እተን መኻናት ዝነበራ እሞ ደሓር ኣዴታት ንኽኾና ዝበቕዓ ብእግዚኣብሔር ጸጋ ውላድ ዝረኸባ ክሓስብ እንከለኹ ቤተ ክርስቲያን ክሓስብ ይድርኸኒ። እታ ኣዴና ቤተ ክርስቲያን፣ ተስፋና ኣብ ትእዛዛትን ስርዓትን ሕግን ዘቝሙን ወይ ድማ ናይ ድሕነትን ኩነኔን ወሰንቲ ኣነ እየ ዝብል ኣተሓቁፍ መልኰታዊ ምንጋወ ኣየድልየንን ኣዩ ዝብሉ እትሓቁፍ ኰይና ንረኽባ፣ እዚ መኻናት ይገብረና። የምክን፣ ቤተ ክርስትያን ኣደ እትኸውን ነቲ ካብ እግዚኣብሔርን መንፈስ ቅዱስን ዝምንጭው ሕዳሴ ክፍቲ ምስ እትኸውን ጥራሕ እዩ፣ ኩሉ ባዕለይ ክግበር እየ፣ ምስ እንብል ኩሉ ይጽንቐቕሞ ንቕድሚት ኣብ ዘይምባል ደረጃ ምስ በጻሕና ኣብዚ እዋን ምንጋወ መንፈስ ቅዱስ ደበኽ ይብል” ከምዝበሉ ሓቢሩ።
“መኻንነት ቤተ ክርስቲያንን ክውገድን ኣብ እምነት ወላድ ክትኸውን መታን ምእንቲ ንቤተ ክርስትያን ንጸሊ፣ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝረአይ መኻንነት ክፍወስ ንጸልይ፣ ንኣይነትን ሕሉፍ ቀጥዒ ኣልቦ ርእሰ ፍታውነት ኣነነትን ስልጣንን፣ ቤተ ክርስትያን ከሃሌ ኵሉ ኮይና ክትቐርብ ናይ ፍጥረት ሰብ ሕሊና ክትውንን ምስ እትደልን፣ ብናይቶም ፈሪስውያን ምስሉያትን መገዲ ክትጓዓዝ ምስ እትብገስ መኻን ትኸውን፣ ስሌኣ ንጸልይ፣ ኣብ ገለ ገለ ስፍራ ኣደ ዘይኰነት በዓልቲ ትካል ዝዀነት ቤተ ክርስትያን የጓንፈኒ፣ ብእምነት ውላድ ንእተፍርይ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ንጸልይ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያን መኻን ዝገበሩ ክስተታት ንረክብ፣ እምበእር ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ነቲ ጐይታና ዝተወልደሉ መብልዒ ማል እናጠመትና ወላድ ቤተ ክርስቲያን ክትህልወና ንጐይታ ንለምኖ፣ ቅድም ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ከም ማርያም ኣደ ክትኸውን ይግባእ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.