2014-12-19 08:56:18

ዕለተ ልደት ቅዱስ ኣቦና፦ ኣብ ህዳሴ ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ታሕሳስ ዓመተ ትውልዶም ከምእተበዓለ እንክሕበር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምቕራቦም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴርጥሮስ ንዝተረኽቡ መእመናን እናሓለፉ ሰላም ኣብ ዝብልሉ እዋን ብካህናት ኣብ ዝቐረበሎም ምቑር ሕብስቲ ዝተነብረ ውሉዕ ሽምዓ ኣጥፊኦም ኩሉ ካብ ሓደ ሚልዮንን ክልተ ሚእቲ ሺሕ ዝግመቱ መላእ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ርሑስ ዕለተ ልደት ንቕዱስነቶም ከምዘዜሙ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን፣ ክልተ ሺሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሳዕሰዕቲ ታንጐ፣ መቦቆል ሳዕስዒት ታንጐ እታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዝተወለዱላ ሃገረ ኣርጀንቲና ብምዃና ንቕዱስነቶም ብናይ ታንጐ ቅንይት ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ዝተሰነየ ሳዕስዒት ታንጐ ከም ገጸ በረከት ከምዘቕረቡሎም ገሊጸን።
ታንጐ ሕቝፎ ፍቕሪ ዝገልጽ ብምዃኑ እቶም ናይ ታንጐ ሳዕሳዕቲ ንቕዱስ ኣቦና ዘለዎም ልዑል ፍቕሪ ብናይ ሃገሮም ኣርጀንቲና ናይ ታንጐ ባህሊ ከምዝገለጹሎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ታማሮ እንከመልክታ፣ በዚ ኣጋጣሚ ናይቲ ናይ ታንጐ ሳዕስዒት ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና ዘዳለዋ ክርስቲና ካማራኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት፦ ታንጐ ምልክት ሰላም እዩ፣ ታንጐ ከቢድ ብዙሕ ልምምድ ዝሓትት ትልሂት እዩ። መልእኽቱ ድማ ሑቕፎ ዝብል እዩ። እንታይነት ታንጐ ሕቕፎ እዩ። ስለዚህ በዚ እንታይነት ታንጐ’ዚ እቲ ዘሎና ምዉቕ ፍቕሪ ንቕዱስ ኣቦና ንምግላጽ ብዝብል ድላይ ዝተዳልዎ ምርኢት ከምዝነበረ ገሊጸን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 17 ነሓሴ 2014 ዓ.ም. መበል 78 ዓመተ ልደቶም ምኽንያት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ርሑስ ዓመተ ልደት መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈሎም እንክሕበር፣ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ዝፈልጥዎም ናይ ቀረባ ዓርኮም ናይ ኣማዞን ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ሊቀ መንበር ብራዚሊያዊ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁይመስ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዕለት 17 ነሓሴ መበል 78 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ዘብዓሉላ ዕለት ኣብ ጥቓኦም ተረኺቦም ሕውነታውን ምሕዝነታዊ ፍቕሮም ንኽገልጸሎም ዓቢይ ሃረርታ ከምዝነበሮምን ብሃቂ ባህ መበለኒ ኔሩ፣ ምእንታኦም ወትሩ ከምዝጽልዩን ብፍላይ ድማ ዕለተ ልደቶም ኣብ ዘብዓሉላ መዓልቲ ኣብ ቅዳሴ ከምዝዘከርዎምን ስለኤም ከምዝጸለዩን ሓቢሮም፣ በዛ ዓባይ መዓልቲ ምኽንያት ድማ ኩላትና ኣብ ብራዚል እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ኣብቲ ዘበገስዎ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ህዳሴ መደቦም ንቕድሚት ክብሉን ብሓቂ ኩላትና ከምእንፈልጦ ድማ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን እቲ ሕጹጽን ወሳንን መደብ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ዘለዎ ልዑል ተደላይነት መሰረት ድማ ንቕድሚት ከብልዎን ባዕሎም ዘንቀልዎ መደብ ሕዳሴ እውን እንተዀነ ብሓቂ ብኣኦም ኣቢሉ መንፈስ ቅዱስ ዘስተንፈሶ መደብ ኣምላኽ እዩ። ስለዚህ ነዚ ሕዳሴ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ክኽእሉ መታን እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ይዓቅበልና፣ ጸጋን ጥዕና ንኽዕድሎም ድማ ስሌኦም ንጽሊ፣ ብፍላይ ኣብቲ ኵሉ መደባቶም እግዚኣብሔር ሕሹኽ ክብሎምን ክመኽሮምን ብሓቂ ጸሎት ኩላትና የድልዮም ምስ በሉ ኣብዚ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ከቢድ ሃዋርያዊ ሓላፍነቶም ከምቲ ንሶም ዝብልዎ ብወንጌላዊ ሃሴት ክጐዓዙ ስሌኦም ንጸልይ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.