2014-12-11 17:54:13

ቅድስቲ መንበር ወርሒ የካቲት ዕለት 8 ዕለት ጸረ ባርነት ክትከውን ወሲና ፡


ሾሞንተ የካቲት ቅድስቲ ባኺታ ዝዓረተፈትሉ ዕለት ከም ዝኾነ ይዝከር እሞ መን”ያ ቅድስቲ ጁሰፒና ባኺታ አብ ሰዳን ኦግላሳ ዝተባህለ ቦታ አብ ዳርፉር ብ1869 ዝተወልደት ጓል ሐሙሽተ ዓመት ከላ ባራዩ ዝነግዱ ዝነበሩ አዕራብ ዝተጨውየት ኢያ።
ምስተጨውየት ሕጻን ስለ ዝነበረት ስማን ስም ስድርአን ረሲዓቶ ስለ ዝነበረት እቶም ዝጨውይዋ አዓራብ ባኺታ ማለት ዕድለኛ ማለት ኢሎም ስም ከም ዝሀብዎ መዋዕለ ታሪካ ይምስክር ። ባኺታ ማለት ብዓረብኛ ቋንቃ ዕድለኛ ኢኺ ማለት ከም ዝኾነ ተመልክተዋል። እቶም ዝጨውያዊ ንኤል አዕራብ ንካርቱም ከም ዝሸጥዋን ብዙሕ ስቃይን መከራን ማህረምትን ከም ዝወረዳ ባርያ ከም ዝኾነት ዘመልክት አብ አካላታ ከም ዝተወቀጠት ክምልከት እንከሎ ፡ አብ ካሩም ንሐደ ካሊስቶ ለኛኒ ዝተባህሉ አብ ካርቱም ዝንበረ ቆንስል መንግስቲ ጣልያን ትሽየጥ፡ ቆንስል ጣልያን ካሊስቶ ለኛኒ ብዙሐት ሕጻናት ገዚኦም መሊሶም ንስድራ ቤቶም ዘረክቡ ዝነበሩ ሩሕሩህ ሰብ ከም ዝነበሩ ይምልከት ። ንባኺታ ምስ ገዝእዋ ናብ ስድርአ ክመልስዋ ይደልዩ”ሞ ንባኺታ ዝትወልደትሉ ቦታን ስም ስድርአን ይሐትዋ ሕጻን ስለ ዝነበረት ክትዝክሮ ብዘይ ምኽአላ ብዙሕ ከም ዝሐዘኑ መዋዕለ ሕይወትይ ባኺታ የረድእ ። ብ1884 ማህዳውያን አብ ካርቱም ናዕቢ ይፈጥሩ እሞ እቶም ቆንስል ጣልያን ካሊስቶ ለኛኒ ካብ ካርቱም ከወጹ ምስተቀረቡ ንባኺታ ከይገድፍዋ ትምሕጸኖም ሕራይ ኢሎም ንባኺታን ስድርኦምን ፈተውቶምን ህIዞም ንሳውኪን ይከዱ ።አብ ስዋኪን ከለዉ ማህዳውያን ስልጣን ከም ዝሐዙ ምስተረድኡ ብመርከብ ንሀገሮም ንጣልያን ንወደብ ከተማ ጀነቫ ይነቅሉ ብድሐነ ሰላም ጀነቫ ይአትዉ ፡ ባኺታ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ ትአቱ እሞ አብቲ ማሕበር ተማሂራ ቅዱሳን ሚስጢራት ትቅበል ጁሰፒና ማርገሪታ ፎርቱናታ ተባሂላ ትጽዋዕ ።አብ ከባቢ ከተማ ቨነጽያ ስለ ዝነበረት ጸሊም ሰብ ርእዩ ዘይፈልጥ ህዝቢ ንክርእያ ናብቲ ዝነበረትሉ ገዳም ይውሕዝ ከም ዝነበረን ታሪኻ ዝተረድኤ ሰብ ዘደነቅ ታሪክ ከም ዝኾነ ይዛረብብ ከም ዝነበረን ታሪኽ ሕይወታ የመልክት ። ነዚ ታሪክ ንምሕጻር አዝያ ፍትውቲን ንፍዕቲን ድንግል ትኸውን እሞ ብ1939 ትሐምም ብዙሕ ክአ ትሳቀ ብ8 የካቲት ብ1947 ዓሪፋ ። ትሩፋታ አብ ሰሜን ጣልያን አብ ሺዮ ዝተባህለ ቤተ መቅደስ ቅድስቲ ስድራ ብኽብሪ ሰፊሩ ይርከብ ። ብቅዱስ ዮሐስ ጳውሎስ ካልአይ ብ12 ግንቦት 1992 መዓርገ ብፅዕና ብ2000 ቅድስቲ ባኺታ ከም ዝተሰየመት ይዝከር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.