2014-12-11 19:09:26

ሓውጾተ ኖልዎ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ናብ ኢትዮጵያ፤


RealAudioMP3 አብ ዝሓለፈ መደባትና ብሰፊሑ ከምዝገለጽናዮ ንምሥራቃውያን ናይ እትኃሊ ማኅበር ኃላፊ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ብዛዕባ አብ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዘለው ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብሓፈሻ ብፍላይ ከአ አብ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ዓዲግራት አሠር ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ንምርአይ ዝገበርዎ ጕዕዞ ብዝርኢ ጥቀ ክቡር አባ በየነ ኃይሉ ብተለፎን ዘመሓላለፉና ዜና አቅርብናልኩም ከምዝነበርና ዝዝከር ኢዩ፣ ጥቀ ክቡር አባ በየነ ዘሕለፉልና ዜና ክሳብ ንባህርዳር ምንቃል ናይ ብፁዕነቶም እንክኾን ካል አይ ክፋሉ ሎሚ ክነቅርበልኩም ምዃና እናሓበርና ናይ ቅድሚ ትማልን ናይ ትማልን ውዕሎኦም ሓጺር ጸብጻብ ነቅርበልኩም፣
ዕለት 9 ታሕሣስ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ምስ ዓጀብቶም ካብ ዓዲግራት ነቂሎም ንመዓርፎ ነፈርቲ ከተማ መቀለ እንክጐዓዙ ካብተን ዘደንቃ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ አብያተ ክርስትያን በጺኦም ምስቶም አባኡ ዘገልግሉ መነኮሳት እውን ሰላምታ ተለዋዊጦም፣ ከተማ መቀለ ምስ በጽሑ ምስ ደናግል እናቴ ብፅዕት ማዘር ተረዛ ኃቢሮም ብምጽላይን ነቲ ንሰን ንዘኽታማትን አካለ ስንኩላንን ዝተፈላለየ ጸገማት ዘለዎም ሽማግለታትን ዝገብሮኦ አገለግሎ ተዓዚቦም አብቲ ማኅበር ዘገልግላ ደቂ ማኅበርን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለማት ዝመጹ ወለንተኛታት ከም ካብ በዓል ሪፓብሊክ ቸክን ካብ እስፓኛን ምስ ዝመጹ እውን ተመያዪጦምን አተባቢዖምን ንባህር ዳር ገጾም ንምኻድ ነፋሪት ወሲዶም በዲስ አበባ አቢሎም፣ ባህር ዳር ናይ አዲስ አበባ መንበረ ሊቀ ጵጵስና አገልግሎት ትቅበል ኮይና ብሓጋዚ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ልሣነ ክርስቶስ ማቴዎስን ካህናትን ማኅበራትን እናተአልየት ሓዲስ ጕስነታዊ መደባት ዝስረሓላ ዘሎ ኢያ፣ ብፁዕነቶም አማስያኡ አብ ባህርዳር አብ ዝበጽሑሉ ጊዜ እውን ከምቲ ዝቀደመ ድሙቅ አቀባብላ ተገሩሎም አብቲ ብማኅበረ ል ኡካን ወይ ላዛሪስት ዝ እለ ቤተ ክርስትያን አተወ፣ አባኡ ምስ ኩሎም ቤተ ክህነትን ም እመናንን መን እሰያትን ብኅብረት ምስ ጸለዩ ቡራኬ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምሃብን ምስጋንን አፋነውዎም፣
ንጽባሒቱ አብቲ ዓዲ ምስ እትርከብ ናይ ሓንቲ ካል አይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮን መማህራንን ጸሎተ ነግህ ምስ አብጽሑ ምስ ናይ አዲስ አበባ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ብርሃነኢየሱስ ሱራፌልን ሓግዚኦም ብፁዕ አቡነ ልሣነ ክርስቶስ ማቴዎስን ብኁባሬ መስዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም፣ ስብከት እውን አቅሪቦም፣ ድሕሪ ቅዳሴ ኩሎም ብኃባር መኽፈልቲ መግደፍ ምስ ተሳተፉ ንብፁዕነቶም ዝተፈላለየ ህያባት ዓዲሎም፤ ብድሕሪዚ ብፁዕነቶም አብቲ ከባቢ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝካየዱ ብመንበረ ሊቀ ጵጵስና ናይ አዲስ አበባ እትካየድ ቤት ትምህርትን ብማኅበረ ልኡካን ላዛሪስት እትካየድ ካል አይቲ ቤት ትምህርትን ተዓዚቦም፣ እዚ አብያተ ትምህርቲ እዚ ብረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያንን ሓደ ማኅበር ግብረ ሠናይን ከምዝሕገዝ እውን ተገሊጹሎም፣
አማስያኡ ነዲስ አበባ ተመሊሶም እንደገና ሓዋርያዊ እንደራሴ ር.ሊ.ጳ ብፁዕ አቡነ ልዊጂ ብያንኮ ተቀቢሎሞም፣
ሎሚ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን አቡነ ማትያስ ከማኡ እውን ምስ ናይ ሪፓብሊክ ፈደራል ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ክራኸቡ አብ አጋ ምሸት ከአ ነቲ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝሕነጽ ዘሎ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ቅዱስ ቶማስ ዘአኵኖ ክበጽሑ ምዃኖም ምስዚ ኃቢሩ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.