2014-12-04 16:23:24

ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ስርካ፦ ሓድሽ ጊሊያነት ክዕገት


RealAudioMP3 ዕለት 2 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን 11 ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን እምነትን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም መንግስታት እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ንግድ ሰብ እዚ ድማ ሓደስቲ ጊሊያነት ተባሂሎም ዝግለጹ ተግባራት ክውገድን ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ጸረ ሰብኣዊ ገበን ተባሂሉ ነዚ ገበን ፈጸምቲ ገበነይናታት ግቡእን ኣብነታዊ መቕጻዕቲ ዘበይን ናይ ሕግን ፍትሕን ኣሰራርሓ ውሑስ ክኸውን ዝጽውዕ ናይ ሓባር ሰነድ ብኽታትሞም ከምዘጽደቑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም።
ብዛዕባ እቲ ዝተኽየደ ርክብን ምፍርራም ሰነድን ኣመልኪቶም ኣብ ኣርጀንቲና ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ናይ ኣይሁድ እምነት መምህራን መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ኣይሁድ እምነት መምህር ኣብራሃም ስኮርካ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ እዚ እዋናዊ ተባሂሉ ዝግለጽ ስልጡን ዓለም እቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣቢሉ ዝፍጸም ዝነበረ ኣብቲ ድሑር ኩነት ዓለም ዝተራእየ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ዳግም ዝፍጸመሉን ነዚ ጸያፍ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ድማ ሸለል ምባል ዝልመድ ዝገብሮ ተግባር ዝቃወምን ናይ መንግስታትን ናይ ሕዝብታትን ህሊና ንምንቅቓሕን ዝኣመተ ብምዃኑ እቲ ብሓባር ክታም ዝተነብሮ ሰነድ ብሓቂ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ኣገዳስ እዩ ኢሎም።
ብእደ ጥብብን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ነቲ ኣብ ዓለም ናይ ርሑቕ ታሪኽ ተዘክሮ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጊልያነት ኣብዚ እንነብረሉ ዓለም ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ዳግም ክፍጸም ንዝብል ተግባር መጋበርያ ኰይኑ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ። ምዕባለ እደ ጥበብ ምስ ሰብኣዊ ምዕባለ ክሳነይ ኣለዎ። እንተዘይኰይኑ እቲ ሰብ ክቡር ክነሱ ነቲ ብኣኡ ዝተሰርሔ ምዕባለ እደ ጥበብ መጋበርያ እዩ ዝኸውን፣ ንግድ ሰብ ሎሚ ብዝተራቐ መገድታት ክፍጸም ምርአይ ክንደይ የሕዝን፣ እዚ ተግባር’ዚ ብሱቕታ ምርኣይ ልመድ ከይከውን እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተፈረመ ናይ ሓባር ሰነድ ዘተሓሳስብን ኣብዚ መዳይ ኵሎም መንግስታትን ሕዝብታትን ማሕበራትን ብሓባር ክዓዩን እቲ ጸያፍ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ድማ ብትኽክል ግቡእ መቕጻዕቲ ዘብይን ኣብ ናይ ሃገራት ናይ ገበነይና ምቕጽዒ ሕጊ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ክሰፍር ዝጽውዕ ሰነድ ምዃኑ ገሊጾም።
ሓደስቲ ባርነትን ምዝመዛን ዝኣመሰሉ ናይ ወዲ ሰብ ሰብኣዊ ልዑል ክብሩ ዝግህስ ገበን መቕጻዕቲ ዝግብኦ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ፣ ኣብ ብሉጽ ዓለም ክንነብር እንተድኣ ንደልይ ኰይናን እቲ እግዚኣብሔር ዝዓደለና ናይ ቀልብን ብልሓትን ብቕዓት ብግቡእ ክንጥቀም ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣማራጺ ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእስና ሰብኣዊ ክብርናን ነጻነትን መሰልን ዘረጋግጽ ጸጋ እዩ። ስለዚህ እዚ ሰብኣዊ ብቕዓት ብስነ ምግባርን ግብረ ገብን ዝተሰነየ ኰይኑ ክንበርን ክግለጽን ከምዝለዎ ብሃይማኖታት ዝንገር ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ርድኡ ዝዀነ ንብጻይካ ኣኽብር ዝብል ስነ ምግባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ክቡር ዋጋ ዘተሓሳስቦ እውን እዩ ኢሎም።
ሃይማኖታት ኣብ ዓለም ተሰማዕነት እናረኸበ ይኸዱ ኣለዉ፣ ስለዚህ ካብዚ ጭቡጥ ኵነት’ዚ ተበጊስካ እቲ ተሰማዕነት ዝረክብ ዘሎ ድምጺ ሃይማኖታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰናይን ሰላምን ምክብባርን ምትሕብባርን ከነቓቕሕን ብፍላይ ድማ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ዘተሓሳስብ ክኸውን መታን ናይ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጻዕሪ ወሳኒ እዩ። እቲ ናይ ሓባር ሰነድ ድማ ካብዚ ሓሳብ’ዚ ዝተበገሰ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀደም ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ካህንን ድሓር ድማ ናይ ቦነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስን እንከለዉ ዝነብርዎን ዝኽተልዎን ዝነበረ ናይ ግልጽነት ኣሰራርሓን ብቓልን ተግባርን ዘርእይዎ ዝነበሩ ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ግዳሴ ሎሚ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነብርዎን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክትግበር ዘስተምህሩን ንመላእ ዓለም እውን ኣብዚ መዳይ ብዝተፈላለየ መገዲ ይሓንጹ ኣለዉ። ኵለን ሃይማኖታት ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረትን መንግስታትን ኩለን ናይ ስግደትን ኣምልኾን ማሕበራትን ኣብ ምኽባር ናይ ሕይወት ባህሊ እንተድኣ ተጊሄን ብሓቂ እንነብረሉ ዓለም ብሉጹ ከምዝኸውን ኣየጠራጥርን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.