2014-12-04 16:26:14

ብፁዕ ካርዲናል ኮኮፓልመሪዮ፦ ሕገ ቀኖና ኣብ መርበብ ሓበሬታ


RealAudioMP3 ጳጳሳዊ ናይ ሕገ ሰነዳት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ወግዓዊ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ዛዕባ ሕገ ቀኖና ዝምልከት ሓድሽ ገጽ ማለት ታሪኻዊ ሰረቱን ሕዳሴታቱን ዝተፈላለዩ ሰነዳቱ ዝተነብሮ "www.delegumtextibus.va" ሓድሽ ገጽ ከምዝደረሰ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ኮኮፓልመሪዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ሓደ ካብቲ ናይቲ ጳጳሳዊ ናይ ሕገ ሰነዳት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ፍጻሜታት ኣፍልጦ ሕገ ቀኖናን ትግባሬኡን ንምስፋሕ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ስለዚህ ናይ ላቲን ኰነ ናይ ምስራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ዘላልን ታሪኻዊ ኣመጻጽኡን ሰነዳቱን ንገዛእ ርእሱ ባህሊ ሕገ ቀኖናን ዝተፈላለዩ ናይ ሕገ ቀኖና ሓልዮ ማሕበራትን ተቛማትን መናብርተ ጥበብን ብዝምልከት እውን ሓበሬታ ዘቕርብ እዩ። ነዚ ዅሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምንባር ዓለማውያን ምእመናንን ካልኦት ኣውን ምስ ሕገ ቀኖና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምልላይ ዝድግፍ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ሕገ ቀኖና ዘማእከሉ ብመደብ ዝካየዱ ውግዓውያን ዓውደ ጉባኤታት ዓውደ መጽናዕትታትን ብዝምልከት እውን ሓበሬት ዝንበሮ ምዃኑ ገሊጾም።
ብናይ ሕገ ሰነዳት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝሕተም ሽዱሽተ ወርሓዊ Communicationes እተሰምየ መጽሔት ታሪካዊ ኣመጻጽኣን ምዕባሌታትን ሕዳሴን ሕገ ቀኖናን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕግታትን ዝምልከት ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ከምዝቐርብን እዚ ዅሉ ሓበሬታ ንተፈላጥነትን ትግባሬን ሕገ ቀኖናን ናይ ቅድስቲ መንበር ሕግታትን ዝድግፍ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብኽልተ ሳንቡእ እተተንፍስ እያ፣ ካብቲ መረጋገጺ ሓደ ድማ እቲ ናይ ላቲንን ናይ ምስራቕ ስርዓት ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ቀኖና እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.