2014-12-04 18:28:31

ሐዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. አብ ቱርኪ ንዘተ ሰላምን ሐድነት ክርስትያንን ዝጠመተ ከም ዝነበረ ተገሊጹ;


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከም ወትሩ ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዝሃብሉ ግዜ ጠባይ አየር ጽቡቅ ከም ዘይነበረን ማይ ይሃርም ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ፡ ድሐንዶ ውዒልኩም ዝተፈተኹም ምእመናን ጠባይ አየር ጽቡቅ አይኮነን ዘሎ ግን ማይ እናሀረመ ከሎ ምምጻእኩም የመስግነኩም ዝበሉ ቅዱስነቶም፤ ብዛዕባ እቲ አብቲ ዝሐለፈ ሰሙን አብ ቱርኪ ዘካየድዎ ናይ ሰለሰተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ዘተኮረ ሰፊሕ ትምህቲ ሂቦም፣
መጀመርያ እቲ ሐዋርያዊ ዑደት ቱርኪ ብጽቡቅ ተጀሚሩ ብጽቡቅ ምእንቲ ክዛዘም ንዝጸለዩ ምእመናን አመስጊኖም፣ እቲ አብ ቱርኪ ዘካየውድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ብጽቡቅ ከም ዝተፈጸመ ንምእመናን ገሊጾምሎም፣ ቅድሚ ሎሚ ቅድሚኦም አብ ቱርኪ ሐዋርያዊ ዑደት ዘካየዱ አርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ጳውሎስ ሻዱሻይ፤ ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ከምኡእውን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክት መበል 16 እንክኾኑ ቅዱስ ዮሐስን መበል 23 ከአ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ልኡኽ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዘበርከትዎ አገልግሎት ዘኪሮም ቱርኪ ንኹሉ ክርስትያን ዝተባረኽት ምድሪ ምዃና ጠቂሶም፣ ኤፈሶን ጥንታዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ዝተኻየደላ ከም ዝኾነት ንምአመናን አዘኻኺሮም፣ ቱርኪ ዝበዝሔ ህዝባ አብ ሃይማኖት ምስልምና ዝአምን እኳ እንተኾነ ዓለማዊ ሕገ መንግስቲ ከም ትውንን አመልኪቶም፣ እቲ አብ ቱርኪ ንሰለሰተ መዓልቲ ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ንምድላይ ሰላምን ኤኩመኒካዊ ማለት ሐድነት ክርስትያንን ማእከል ዝገበረ ከም ዝነበረ ክአ ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተአከበ ህዝበ ክርስትያን ገሊጾምሉ፣ አተሐሒዞም ክአ ክርስትያንን አስላምን ብሐባር ንሰላም ንፍትሕን ርትዕን ክሰርሑ መንግስቲ ቱርኪ ኩሎም ሃይማኖታት ነፃነት እምነቶም ከረጋግጽ ከም ዝሐተቱ አገንዚቦም፣
አብቲ ወርሒ ሕዳር ዕለት 30 አብ ኢስጣምቡል ተኸቢሩ ዝውዓለ ዓውደ ዓመት ቅዱስ እንድርያስ ምስ ናይ ቁስጢንጢንያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርተለመየዎስ ቀዳማይ ሐቢሮም ከም ዘብዓሉን ኤኩመኒዝም ሐደነት ክርስትያን ክዉን ክኸውን ሐቢሮም ከም ዝጸለዩን ከምዝተማህለሉን ክአ አፍሊጦም፣ ክልቲኤን አብያተ ክርስትያናት ሮማን ቍስጥንጥንያን ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጊዘን ንሐድነት ክርስትያን ዝክአለን ኩሉ ክገብራ አብ ማእካለይ ምብራቅ ሰላም ክሰፍን ምስ ፓትርያርክ ባርቶሎሞዮ ናይ ሐባር መግለጺ ከም ዝሀቡ ክአ አዘኻኺሮም፣ ቀጺሎም ምስቶም አብ ቱርኪ ዝርከቡ መንእሰያት ስደተኛትት ሶርያን ዒራቅን ከም ዝተራኸቡን ኩነታቶም ብዙሕ ከም ዘሕዘኖምን ዘተሐሳሰቦምን ንምእመናን ነጊሮም፣ አህዛብ ሶርያን ዒራቅን አብ ሕማቅ ኩነታት ከም ዝርከብን ምእንቲ ሰላም ክርከብ ኩልም ሃይማኖታት ክጽልዩን ንሰላም አስተዋጽኦ ክግበሩን ክአ ተማሕጺኖም፣ አብ መወዳእታ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ማይ እናሀረመ ብትብዓት አብቲ ቅርዓት ዝተረኽቡ አመስጊኖም ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮምዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.