2014-11-27 16:18:49

እስራኤል ኣይሁዳዊት ሃገር እያ ዝብል ውሳኔ ሳዕቤኑ


RealAudioMP3 ኣብ ቀረባ ኣዋን እስራኤል ሃገረ ኣይሁድ ዝብል መንግስቲ ብ15 እወታዊ ብ 7 ናይ ተቓውሞ ድምጺ መሰረት ዘጽደቖ ሓድሽ ንድፈ ሕጊ ኣብታ ሃገር ንውሁዳን ሃይማኖታትን ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ንሓደጋ ከቃልዕ ይኽልእ ዝብል ስግኣት ኣብታ ሃገር ብዝርከባ ዝተፈላለያ ንኡሳን ሃይማኖታት ይቃልሓ ምህላዉ እንክምልክት፣ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ሥፍራን ንብረትን ኣመሓዳሪ ኣባ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ይብሉ እስራኤል ሃገረ ኣይሁድ ምዃና ሓድሽ ኣይኰነን ፍሉጥ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ዝጸደቐ ሕጊ ብዙሕ ለውጢ የምጽእ ቢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል እዩ። ይጽደቕ ኣይጽደቕ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግለጽን ዝንበርን ሓሳብ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ናይቲ ሕጊ ግብረኣዊ ኣገላልጻኡ ዝነበረን ዘሎን እዩ። እቲ ሽግር ናይ ሃገረ እስራኤል መግጺ ምዃኑን እቶም ናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብቲ ዜጋታት እስራኤል እቲ ሕጊ ብኸመይ ይምልከቶም፣ ኣብ መንጐ ኣይሁድን እስላምን ክርስቲያንን ዘሎ ምቕርራብ ዝሃስን ዘረሓሕቕን ካልኦት ውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ሃገረ እስራኤል እማኔ ከይህልዎም ዝድርኽ እዩ ኢሎም፣ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሊ የዕራብ ዜጋታት እስራኤል ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣጋይሽ ኰይኖም ክነርቡን እዚ ስምዒት እዚ ከሕደረሎም ከምዝኽእልን ኣብታ ሃገር ማዕርነት ናይ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘመዛብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ብርግጽ እቲ ሕጊ ብናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ጸዲቑ ገቢራዊ ቅድሚ ምዃኑ ዓው ዓው እናበልካ ርእይቶ ምሃብ ኣይድልን እዩ። ኰይኑ ግና እቲ ናይ ሕጊ ንድፊ ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ብዓንተውኡ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.