2014-11-27 17:36:05

አብ መወዳእታ ዓለም ደቂ አዳምን ዓለሙን አይክጠፍኡን ኢዮም እንታይ ደአ ፍጹማን ክኾኑ ኢዮም፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “አብ መወዳእታ ዓለም እዚ ዘሎናዮ ዓለምን ዘመደ አዳምን አይክጠፍኡን ኢዮም እንታይ ደአ ብመደብ ድሕነት እግዚአብሔር ወዲሰብ ጥራይ ዘይኮነ ዓለምና እውን ቦታ ሓቅን ፍትሕን ጽባቀን ብምዃን ክልወጡ ኢዮም” እንክብሉ ነቲ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ኮይኑ መወዳእታናስ እንታይ ኮን ይኸውን እናበለ ዘሻቅል ሕቶ መሊሶም፣
እዚ ሕቶ ቀደም ዝነበረን ወትሩ ዘሰንየናን ኮይኑ ቀንዲ ዝዋዕዋዓሉ ግን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ሒዙ ምስ መጸ ንኩሉ ከሕድስ ከምዝመጸን አብ ኅልቀተ ዓለም ኩሉ ከምዝልወጥን ንሓዋርያት ምስ ነገሮም ሓዋርያት ከአ ብ ዓቢ ሃንቀውታ እዝስ መአስ ኮን ይኸውን ቢሎም ካብ ዝሓትዎ ጀሚሩ አብተን አብ ትሕቲ ቅብጸት ዘብጽሕ ስደት ኮይኖም ማራን አታ ኦ ጐይታ ቀልጢፍካ ንዓ እናበሉ ዳግማይ ምጽ አት ጐይታ ሽ ዑ ክኾኖሎም ዝምነዩ ዝነበሩ ቀዳሞት ክርስትያን ክሳብ ለይቲ ሎሚ “እታ ናይ መወዳእታ ሰዓትስ መአስ ኮን ይኸውን? እዛ አብዚ ምድርዚ ትጐዓዝ ዘላ ቤተ ክርስትያንን እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም እንብላ ሓዳስ ቤተ ክርስትያን መንግሥተ ሰማይን ብከመይ ኮን ይዛመዳ ይኾና? መወዳእታ ወዲሰብን እዚ ከቢብዎ ዘሎ ተፈጥሮንከ ከመይ ኮን ይኸውን? እናበልና ንሓትት አሎና፣ ነዚ ሕቶታት እዝን ንዝመስሎን ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብ ፍሥሓን ተስፋን ዝብል ሰነዱ ቍ 39 ብዛዕባ ሓዳስ ምድርን ሓዳስ ሰማይን አብ ዝብል ዓንቀጽ ከምዚ ዚስ ዕብ አስፊርዎ አሎ፣
“ንሕና መወዳእታ ናይ ዓለም ኮነ ናይ ደቂ አዳም መአስ ምዃኑ አይንፈልጥን ኢና፡ ጠፈርውን ከመይ ቢሉ ከምዝልወጥ አይንፈልጥን፣ ብርግጽ ቅርጺ ናይዛ ብኃጢአት ተበላሽያ ዘላ ዓለም ኪሓልፍ ኢዩ፣ ግዳስ እግዚአብሔር ካብቲ ዝተዋህበና ግልጸት ከምንርድኦ፤ ፍትሒ ዝነግሠሉ ሓዳስ ቤትን ሓዳስ ምድርን አዳሊዉልና አሎ፣ አብኡ ዝርከብ ሓጎስ ነቲ ካብ ልቢ ኵሎም ደቂ አዳም ዝነቅል ሃረርታ ሰላም ከአ ከርውዮ ኢዩ፣ ሽዑ ሞት ድሕሪ ተሳዒሩ፤ ደቂ እግዚአብሔር ብክርስቶስ ክትንሥኡ፤ እቲ ብድኻምነት ኮነ ብዝብስብስ ኵነት ዝተዘርአ፤ ዘይበርስ ኮይኑ ክትንሥእ ኢዩ፣” ብማለት ኵሉ ብከመይ ከምዝሕደስ ይገልጾ፣ እዚ ግን ከምዚ ንሕና ንሓስቦ ዝጭበጥ ቦታን ምድርን ዘይኮነስ ኵነት ናብራ ኢዩ፣
“መንግሥተ ሰማይ ማለትከስ ከም ቦታ ዘይኮነስ ናይ ነፍስና ዓሚቍ ሃረርታ ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ክውን ዝኾነሉ ከም ደቂ እግዚአብሔር ናይ ምንባር ተስፋና አብ ምሉእ ብስለት ዝበጽሓሉ ናይ ናብራ ኵነት ኢዩ፣ አብዚ ኵነተ ናብራ እዚ ብሓጐስን ሰላምን ፍቅሪ እግዚአብሔርን ብምልአት ተሸፊና ብዘይ ምንም ገደብ ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ እንረአአየሉ ኵነት ኢዩ፣ ብዛዕባ መንግሥተ ነዙይ ምሕሳብ ክንደይ ኮን ደስ ይብል፣ እዚ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኢዩ ንነፍስና ከአ ኃይሊ ይህባ፣
“በዚ አመለኻኽታ እዚ አብ መንጎ እታ ሰማያዊት ቤተ ክርስትያንን እዛ አብዚ ምድርዚ አብ ጕዕዞ እትርከብ ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ቀጻልነትን ዓሚቍ ውህደትን ምስትምቃርን ምርዳእን ክንደይ ሠናይ ኢዩ፣ በመለኻኽታ ክርስትና እቲ ፍልልይ አብ መንጎ ዝሞተን ዘይሞተን ዘይኮነ አብ መንጎ ምስ ክርስቶስ ዘሎን ምሳኡ ዘይኮነን ኢዩ፣ እዚ ከአ ንድኅነትናን ሓጐስናን ወሳኒ ኢዩ፣ ስለዚ እቶም አብ ሕቍፊ እግዚአብሔር ዘለው ዝኃለፉ ም እንታና ከማልዱን ክጽልዩን ንሕና ም እንቲ እተን ገና ምሉእ ብምሉእ ዘተዓወታ ነፋሳት ማለት አብ ንስሓ ቦታ ምእንቲ ዘለዋ ነፍሳት ሠናይ ግብሪ ክንገብር ክንጽሊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክነወፊ ግቡእና ኢዩ፣ እቲ ለውጢ ብክርስቶስ ኢዩ ጀሚሩ ንሱ ንኩሉ ብሞቱን ብትንሣኤኡን አሓዲስዎ፣ አይደምሰሶን አሓዲስዎ፣ ደቂ አዳም እውን አሰሩ ብምስዓብ አብ ናይ ተሓድሶ ጕዕዞ ይርከቡ፣ ዘመድ አዳም ጥራይ ዘይኮነ ከአ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ተፈጥሮን ከባቢናን እውን “እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።
ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር ኣሎና።” (ሮሜ 8፡21-23) እዚ ከአ እቲ ቅድስት ሥላሴ አብን ወልድን መፈስ ቅዱስን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ክኸውን ዝመደብዎ ቀስ ብቀስ ከአ ይኸውን አሎ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ካብ ዕለት 28 ኅዳር ክሳብ 30 2014 ዓምፈ ናብ ቱርኪ ዝገርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ምእንቲ ሓድነት አብያተ ክርስትያን ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ዝገብርዎ ዘተን ፍረ ክርከቦ ኩሎም ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.