2014-11-27 16:13:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃይቲ ድሕሪ ሓምሻይ ዓመት ርዕደ መሬት ዝዝትይ ጉባኤ ጠሊቦም


RealAudioMP3 ጳጳሳዊ ናይ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ክሳብ ዕለት 29 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ዝቅጽል ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሓይቲ ንኸካይዱ ዕለት 26 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ከምዝነቐሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካዲናል ሳራሕ ድሕሪ እቲ ኣስታት 230 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ሓይቲ ንሞት ዝዳረገን ብዙሓት በሸሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣልቦ ቤትን ንብረትን ዘትረፈ ሓሙሽተ ዓመት ክስተት ርዕደ መሬት ኩነታት ሕዝብን ሃገረ ሓይቲን ክዕዘቡን ናይ ቅዱስ ኣብና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጭቡጥ ቅርበትን ጸሎትን ንምርግጋጽን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ለኦጋነ ኣብ ሃይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ብምትሕብባር ዝተሓንጸ ቤት ትምህርቲ ኖትረ ዳመ ደስ ኣንጀስ ንኽምርቑን ዝብል መደብ እውን ዘጠቓለለ ሓዋርያዊ ዑደት ምዃኑ ናይ ቅድስቲ ምንበር መግለጺ የመልክት።
ብፁዑነቶም ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ኣብ ሓይቲ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኤሪክ ቱይሳንትን ናይቲ ጨንፈር ኣመሓዳር ኣባ ሀርቨ ፍራንሱዋን ከምኡ እውን ኣብታ ደሴት ምስ ዝርከቡ ናይ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ጨናፍር ሓለፍትን ምስ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ኣባላትን ከምእተራኸቡን ዕለት 28 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ምስ ናይ ሓይቲ ርእሰ ብሔርን ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ኣካላትን ከምእተርኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ብፁዕነቶም ምስ ናይ ሓይቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡን ኣባላት መንፈስዊ ማሕበራትን ገዳማትን ውሉደ ክህነት ዓለማውያን ምእመናን ክራኸቡ ምዃኖምን በዚ ኣጋጣሚ ድማ ናይቲ ውሁድ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ መገልጺ ጠቑሱ ዛዕባ ሓይቲ ዝዝትይ ቅዱስ ኣቦና ዝጠለብዎ ፍሉዩ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.