2014-11-27 16:24:53

ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ጸረ ሓድስቲ ጊሊያነት


RealAudioMP3 ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዝፍጸም ሓድሽ ጊሊያነት ብምቅዋምን እቲ ኵሉ ሰብኣዊ መሰንል ክብርን ዝሓኽክ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብምቅዋም እትካይዶ ጻዕርታትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎትን እተቕርቦ ኩለ መዳያዊ ሕንጸት ብምቕጻል፣ እነሆ ዕለት 8 ለካቲት ናይታ ሱዳናዊት ኣደዳ ስርዓት ጊሊያነት ዝነበረትን ካብ ጊሊያነት ናጻ ወጺኣ ኣባል ማሕበር ካኖሲያናውያን ኰይና ሕይወት ምንኵስና ብምንባር ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዘገልገለት ኣብ ክልተ ሺሕ ዓ.ም. ቅድስና ዝተኣወጀላ ጁዘፒና ባኪታ ዝበዓለሉ ዕለት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ጸረ ሓድሽ ጊልያነት ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክኽበር ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራት ደናግልን ላዕለዎት ጠቕላሊ ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበርን ከምኡ እውን ምስ ጳጳሳዊ ናይ ፍታሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓለቲ ጸሎት ጸረ ሓድሽ ጊልያንት ቀንዲ ዕላማኡ በታ ናይ ጸሎት መዓልቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ፖለቲካን ማሕበራውን ሰብኣውን ሕሊና ንምንቅቓሕን እቲ ኣብ ዓለም ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ብፍላይ ድማ ብድኽነት ኣብ ልዕሊ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ዝፍጸም ጸረ ሰብኣዊ ተግባርን ዝረአይ ንግድ ሰብን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰብ ካብ ቦታ ቦታ ንጸያፍ ተግባራት መጋበሪያ ክኾኑ ዝፍጸም ናይ ምስግጋር ተግባር ኩሉ ክውገድን ዓለም ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ንምውጋድ ክተግህ ንምንቕቓሕ ዝብል ምዃኑ መግለጺ ናይቲ መዓልቲ ጸሎት ኣሰናዳእቲ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ በቢ ዓመቱ ልዕሊ 2.5 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት በቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ንዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሓኵ ጸያፍ ተግባራት መጋበሪያ ክኾኑ ካብ ቦታ ቦታ ከምዝንቀሳቐሱን ንሓድሽ ባርነት ከምዝቃልዑን ኣመልኪቱ፣ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት በዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ኣቢሎም ኣብ ዓመት ልዕሊ 32 ሚሊያርድ ዶላር እቶት ዝረኽቡን ምዃኖም ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.