2014-11-26 15:53:51

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት


RealAudioMP3 ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ቡፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ንጐሆ ካብ ሰዓት ትሸዓትን ፈረቓን ክሳብ ዓሰርተ ክልተን ፈረቓን ኣብቲ ናይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣካላትን ቤት ምሕደራ (ናይ ቅዱሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሊቀ መናብርትን ናይ ቅዱሳት ማኅበራት ኅየንተ) ንምሕዳስ ኣብ ዝብል እቲ ብትሽዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ዝቖመ ጉባኤ ድሮ ዝመያየጠሉ ዘሎ ናይ ሕዳሴ መርሃ ግብሪ መሰረት ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ዝተኻየደ ርክብ ክፍሊ ናይቲ ብትሽዓተ ካርዲናላት ዝቖመ ጉባኤ መንፈቓዊ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረድዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስቶም ናይታ ምእንቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ እትዓዪ ብቕዱስ ኣባና ር.ሊ.ጳ. ፍራናቸስኮ ዝተመዘት ብትሸዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ዝቖመት ጉጅለ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ብሓባር ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ከምዘመልከቱን ቀጻሊ ኣኼባ ካብ ዕለት ትሽዓተ ክሳብ ዕለት 11 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.