2014-11-22 19:14:22

ቤተ ክርስትያን መሰል ስደተይናታት ንምክልኻል ድምጻ ከተስምዕ አለዋ፣


RealAudioMP3 ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንተሳተፍቲ ናይቲ ብናይ ቅድስት መንበር ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ስደተይናታትን ሓዋርያዊ ጕስነቶምን ዘሰናደዎ ጉባኤ እንክኸውን “ስደተይናታት ናይተን መዓጹኤን ክፊተን ዝቀበላኦም ሃገራት ምዕብልና ሽርክነት አለዎም” እንክብሉ አዘኻኺሮም፣
ነዞም ስደተይናታት እዚኦም ቤት ንብረቶምን መረበቶምን ሓዲጎም ንክስደዱ ዘገደዶም ጭንቅን ዓጸቦን መከራን ውግእን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ክኸውን ይኽእል ኮይኑ ግን ስደተይና ወትሩ ምሳኡ ሒዝዎ ዝጐዓዝ አዎንታዊ ዝኾነ ነገር አለዎ፣ ነዙይ አበርክቶ እዚ ብዙኃት አየለልይዎን፣ እዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ግዝያዊ ጸገማት ናይቶም ስደተኛታትን ሕጹጽነት ኩነቶምን ኢዩ፣ ስለዚኸስ ተሳተፍቲ ናይቲ ጉባኤ ዝበለጸ መጻኢ ክህነጸሉ ዝከአለሉ ኩነታት ክፈጥሩ ከምዚ ክብሉ ተላብዮም፣
“ቅድሚ ዝአገረ አብተን ብስእነት ሥራሕ ብውልቂሰብ ይኹን ብስድራቤት ክብሪ ወዲሰብ ዝሕለወሉ ናብራ ክውን ክገብሩሉ አብ ዘይክእሉ አከባቢታት ዝሓሸ መጻኢ ንምርካብ ንስደት ከምርሑ ይግደዱ እዚ ጸገማት እዚ ምናዳ ናይ ቍጠባ ጸገም ንመላእ ዓለም ጸሊይዎ ከምዝርከብ ምዝካር የድሊ፣ ካብዚ ጉባኤ እዚ እንጽበዮ አንጻር ናይዚ ገጽታ እዚ ኮይኑ ዘሎ ዕድላትን ተስፋታትን ኩሉ ብምምልካት ነቶም መዓጹ ናይ ዝረኸብዎ ዝኵሕኩሑ ዘለው ስደተይናታት አበርክቶ ናቶም ከምዘለዎም ዘይምዝንጋዕ ከምዝድሊ ምዝካር ከምዝድሊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
ንስደተይናታት ዝቅበላ ሃገራት ካብቶም ዝቅበልዎም ንምህርቶምን ሠናይ ነገር ናይ ዓዶምን ዝኸውን ጥቅሚ ከምዝረኽቡ ነቲ ዘሎ ናይ ሕዝቢ ዋሕዲ ጸገም እውን እናሸፈነ ይሕግዝ፣ በቲ ካልእ ወገን ከአ እተን እዞም ስደተይናታት ጠንጢኖመን ዝገደፍወን ሃገራት ካብቶም እዞም ሰባት እዚኦም ንቤተሰቦምን አዝማዶምን ዝሰድዎ ናአሽቱ ሓገዛት ጥቅሚ ይረኽባ፣ በዚኸስ ስደተይናታት ንገዛእ ርእሶም ይኹን ነታ ትቅበሎም ሃገር ከማኡ እውን ነቶም አብ መበቆላዊ ዓዶም ዝገደፍዎም ሰባት ብሩህ መጻኢ ክሃንጹ ይኽእሉ እንክብሉ ንስደተይናታት ምቅባልን ምሕጋዞምን ንኩሉ ከምዝጠቅም አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.