2014-11-22 16:28:56

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምዕባለ ዝፈጥር ገንዘብ ዘይኰነስ ሰብ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨሮና “ክንየዎ ስፍራ ኣብ ውሳጠ ጊዜ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓነቀጸ እምነት ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ በዓልን ዓውደ ጉባኤን መኽፈቲ ዕለት 20 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድሚ እቲ ተኽሲቱ ዘሎ ኅብረ ቅልውላው ተስፋ ምቑራጽ ዘይኰነስ እቲ ሰብኣዊ ውሳጣዊ ሓይሊ ናጻ ኣውጺእካ ኤኮኖምን ሥራሕን ዳግም ብዝተሓደሰ ስነ ሓሳብ ምሕሳብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ቀንዲ ሽግር ገንዘብ ዘይኰነስ ሰብ እዩ። ሰብ ማለት ሽግር ኣይኰነን፣ እቲ ዓቢይ ሽግር ኣብ ምጥቃም ሃብቲ ገንዘብ ዝኽተሎ መገዲ ካብኡ ካብቲ ሰብ ዝምንጭው ከይዲ ምዃኑ ተንቲኖም ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ብዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣዚዩ ዝተጠቕዔ መንእሰይ ወለዶ ምዃኑ ዘኪሮም ዝተሓደሰ ሓድሽ ሓሳብን ተግባርን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ እውን ናብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓነቀጸ እምነት ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ በዓልን ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ገሊጹ።
እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምስጋር ብሓቂ ሓደ’ኳ ክግብር ዘይከኣል ኣምሲልካ ምግላጽን ምሓሳብ ካብቲ ዝተኸስተ ቅልውላው ኣዚዩ ዝገደደ ምንቁልቋል ከምዝኸውንን እቲ ዓቢይ ፈተና ደማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቁስሊ ጥራሕ ንምሕዋይ ገዛእ ርእስኻ ነቲ ናይ ድኻታትን ሕዙናትን ስኡናትን ኣውያት ምዕጻው ዝብል እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ናይ ካልእ ምግቢ ናይ ምርካብን ስራሕን ናይ ምርካብ መሰሉ ዝተነፍጎ ኣውያትን ስቓይን ጸማም እዝኒ ንምሃብ ዝቐርብ ድኹም ምኽንያት ከምዝኾነ እንከመልክቱ፦ “ናይ ገዛእ ርእስኻ ቁስሊ ጥራሕ ንምሕዋይ ዝግበር ጻዕሪ ብሓቂ ምሉእ ሕውየት ዘይኰነስ ጊዚያዊ ጽገና እዩ ዝኸውን፣ እዚ እዩ እቲ ዓቢ መጻወዲያ። ገዛእ ርእስኻ ምሕዋይ ጥራሕ መፍትሒ ኣይኰነን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምሕዋይ ንናይ ካልእ ምሕዋይ ግብረ ሰናይ ክፉት ዝገብር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዓቢ ስግኣት ድማ እቲ ዑረትን ጽመትን ልኹትነትን ኣብ ገዛእ ርእስና ህላዌ ምዕጻውን ዘተኣታትው ሸለል ናይ ምባል ተግባር ምንባር እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው ሰብ ድማ ናብ ክቱር ርእሰ ኣምልዀን ክቱር ርእሰ ተገዳስነትን ይወድቕ። እዚ ዓይነት መግዲ ኣይፋል ኣይንስዓብ” ምስ በሉ ክርስቲያን ካብቲ ተኽሲቱ ዘሎ ቅልውላው ጥራሕ ዘይኰነስ ካብቲ ጭቡጥ ናይ ወዲ ሰብ መሰረታዊ ኣድላይትን ሰገር ብምሕሳብ መልሲ ከቕርብ ዘብቕዕን ነቲ ኣብ ውሻጠኡ ዘሎ እወታዊ ዑቑር ሓይሊ ክሕርር መታን ነቲ ምንም ዓይነት ርግጸይናነት ዘይብሉ ልሙድ ኣዘራባን ኣገላልጻን ከወግድ ከምዘለዎ ድማ እንከተሓሳስቡ፦ “ክርስቲያናዊ ስነ ምግባር ሓደ ናይ ብዙሕነት ልምድታት ማለት ሰናይ ዝግለጸሉን ንኻልእ ሓልዮት እተርእየሉ ዝመርሕ ናይ ኣገላልጻ መቆጻጸርን እኽብካብ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ሰገር ከተብል ኣብ ገዛእ ርእስኻ ከይተዓጸካ ሓድሽ ስፍራ ንምፍጣር ዘብቕዕ እዩ። ሎሚ እውን ኣብ መዳይ ኤኮኖሚ ሓድሽቲ ተበግሶታት ምንቕቓሕን ምተብጋርን ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ እቲ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ሜላ ኩሉ ባህረ ሓደ ዝገብርን ገንዘብ መላኺ ዝገበረ ብምዃኑ እዩ። እቲ ባህረ ሓደ ዝገብር ሜላ ድማ እቲ ዝንበር ዓውሎማነት ባህረ ሓደኣዊ ዝረጋግጽ ክኸውን እዩ ዝግበር። ናይዚ ኩሉ ባህረ ሓደ ዘረጋግጽ ተግባር ተሓታቲ መን እዩ? ገንዘብ። ሓደሽቲ ተበግሶታት ምንቕቓሕ ማለት ናይ ገንዘብ ግዙእ ምዃኑ ካብ ዘስዕቦ ንርሑቕ ዘይሓስብ ጊላ ዝገበር መፍትሒ ምቑሕ ዘይምዃን ማለት እዩ። እዚ ድማ ብርታዔ ይሓትት። ሓደስቲ ተበግሶታት ንምርግጋጽ ተባዓት ንዅን” ብቁዕ ሃብቲ ገንዘብ የለን እምበር ብዙሕ ንገር ምስተፈጸመ ኔሩ ይበሃል፣ ብሓቂ ዋሕዲ ሃብቲ ገንዘብ ኣሎ? ወይ ከኣ ሃብቲ ገንዘብ ነቲ ዘይመሰረታዊ ነገር መዓላ ስለ እንጥቀመሉ እዩ ዋሕዲ ገንዘቢ ኣሎ እንብል? “ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ዘብቕዕ ሃብቲ ገንዘብ፣ ንሕንጸተ ሕልናን ንብቕዓት ምህዞ ንዝድግፍ ሕንጸት፣ ንድሕነት ዝወሃብ ክፍሊት ክህሉ ንዝድግፍ ንናይ ስነ ምሕዳር ክንክን መደብ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ የሎን፣ ይበሃል፣ እቲ ዓቢይ ሽግር ግን ገንዘብ ኣይኰነን፣ እቲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ሰብ እዩ። ኣቲ ሰብ ክፈጥሮን ክፍጽሞን ዝከኣሎ ንገዘብ ኣይንሕተት። ሰልዲ ንበይኑ ምዕባለ ኣይረጋግጽን እዩ። ስለዚህ ምዕባለ መታን ክረጋገጽ ልዑል ተብግሶታት ዝሕንጽጹ ተባዓት ዜጋታት የድልዩ” ምዕባለ ናይ ዕደ ጥባበዊ ጉዳይ ዘይኰነስ ህዳሴ ማለት ምዃኑ እንከመልክቱ፦ “ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዘ ሓድሽ ዛዕባ ስራሕ ብቑዕ ናይ ስራሕተይና ተሳታፍነት ሓላፍነት ዘለዎ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ኣብ መንጐ ወሃቢ ስራሕን ሰራሕተይናን ኣብ መንጐ ፋብሪካታትን እተን ፋብሪካታት ዝረከባሉ ሃገራት ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣብ ዝብል ክቡር ዋጋ ዝተመስረተ ናይ ስራሕ መምርሒ ኣድላዪ እዩ። ስለዚህ ተበግሶታት ምንቕቓሕ ክበሃል እንከሎ ተመጽዋትነትን ብሓገዝ ምንባር ዝድርኽ ዓይነት ኣሰራርሓ ዘወግድ ማለት እዩ። ዛዕባ ናይ ምህዞ ብቕዓት ክበሃል እንከሎ ብርግጽ ብዝለዓለ ደረጃ ማለት ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ምንእሰይ ምዝራብ ማለት እዩ። ንመንእሰይ ናይ ሎምን ናይ መጻእን መነባብሮኡ ውሕስ ኣብ ዝገበር ጉዳይ ኣብ መንእሰይ እምነት ኣንቢርካ ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር። ኣብዚ እዋን’ዚ ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዔ ብዝሒ መንእሰይ ክንደይ እዩ? ስለዚህ እዚ ኩሉ ጸገም ንምስጋር ኩሉ ብምትሕብባር ብሓባር ክጓዓዝ ኣለዎ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.