2014-11-22 16:34:03

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ማርያም ናብቲ ፍጹምን ኢታእላውን ጽባኤ ዝኾነ እግዚኣብሔር እትመርሕ መገዲ እያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ “ማርያም ቅዱስ ምስሊ ናይ ኢታእላው ጽባቔ እግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናብቲ ዕለት 21 ሕዳር 2014 ኦኣ.ም. ኣብ ሮማ ናብ ዝተኻየደ መበል 19 ናይ መላእ ናይ ስነ ማርያም ጳጳሳዊ ተቓማት ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ማርያም እታ ናብቲ ፍጹምን ኢታእላውን ጽባቔ ዝኾነ እግዚኣብሔር እትመርሕ ቅዱስ ምስሊን መገድን እያ እሞ ብኣአ ክምንራሕ ገዛእ ርእስና ንፍቀድ፣ ንሳ እቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንኣና ዝተገለጸ ናይቲ ኣናስርን ምልኣትን እውነተይና ኢታእላው ጽባቔ ዝኾነ እግዚኣብሔር እትመርሕ ቅዱስ መገዲ እያ ከምዝበሉ ታማሮ ገሊጸን።
ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ማርያም ካብ ዘፍጥረት እትሒዛ እታ እግዚኣብሔር ንምድሓን መደቡ ብንጽሕና ዝዓቀባ ንጽሕቲ ፍጥረት እያ፣ ናይ ኢየስስ ክርስቶስ ኢታእላው ጽባቄ ኣብ ውሽጣ ዘንበረት ኣደ ወልደ እግዚኣብሔር እያ። ንሳ ናይቲ ፍጹም ሰብን ኣምላኽን ምስሊ እተንጸባርቕ ብምዃና ድማ ናይቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝውሕዝ ጽባቄ ምስሊ እያ። ማለት ናይቲ ኣበር ዘይብሉ ንጹሕ ምሉእ ጽባቔ ምስሊ እያ እንክብሉ፣ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ብወገኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ማርያም ብሓደ መዳይ እቲ ደረት ሰገር ዝኾነ ኣድማስ መግለጺትን እንኰነት ማርያም ድማ ኣደ እግዚኣብሔር ምዃና እዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብ እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ባህልን ማለት ብካቶሊካዊ እምነት ናይ ጓል ኣንስተይቲ ባህርይ እተንጸባርቕ እያ። ማርያም ኣዚያ ነቲ ደረት ሰገር እግዚኣብሔር ቀረባን ንዓዑ ኣዚያ ቀረባ ብምዃና ድማ ንዓና ኣዚያ ቀረባና እያ” ኢሎም።
ሊጡርጊያዊ ዝኽረ በዓለ ማርያም ነቲ መደብ እግዚኣብሔር ንናይ ክርስቶስ ምስጢር ግምት ዝሃበ ኰይኑ ክበዓል ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባትን ጸሎታትን ዜማታትን ዝግለጽ ማርያማዊ ኣምልዀ ከምዝኾነ ንምስትውዓል ዘብቕዕ መፍትሕ ዝሃቡ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምዝኾኑን እዚ ድማ እቲ ንሶም ዝደረስዎ ማርያማዊ ኣምልኾ ዘርእስቱ ሰነድ ከምዝምስክሮ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጳጳስዊ ናይ ስነ ማርያም ተቛም መምህር ኣባ ኮራዶ ማጆኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣ ማርያም መን እያ? ንዝብል ሕቶ ድማ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሊጡርጊያ ብዛዕባ ማርያም ዝገልጹ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተነብሩ ጽሑፋትን ኣቢሉ ብቑዕ መልሲ ይህብ፣ ስለዚህ ጳውሎስ ሻድሻይ ጸሎት ቤተ ክርስቲያን ማርያም መን ኣያ ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝህብ ምዃኑን ሊጡርጊያ ዛዕባ ስለምታይ ኣምልዀ ማሪያም ብቑዕ መልሲ ዘለዎ መዃኑ ዘስተምሃሩን ዝሓበሩን እዮም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.