2014-11-18 16:01:40

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ስድራ ቤት ካብቲ ንሕደጋ ዘቃልዖ ቅቡል እናኾነ ዝኸይድ ልምዲ ምክልኻል


RealAudioMP3 ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደብ መሰረት ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 17 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት ዛምቢያ ብዛዕባ እቲ ናይ ሕብረተሰብ ሕመረት ዝኾነ ስድራ ቤትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ሕይወት ባህልን ኣሞርኵይዞም ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ስድራ ቤት ንሓደጋ ዘቃልዕ ቁቡል እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ምርግጋእ ካብ ማሕበረሰብን ቤተ ክርስቲያንን ብፍላይ ድማ ካብ ስድራ ቤት ዘርሕቕ ኵነት ንገዛእ ርእሱ እምነት ንምንባር እውን ሓደጋን ሃይማኖት ንሓደጋ ዘቃልዕ እውን እዩ። ስለዚህ ካብዚ ስግኣት ስድራ ቤት ንምኽልኻል ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኖ ኣገንዚቦም፣ ኣትሓሒዞም እውን ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠቒሶም እቶም ድኻታት ብናይ ሓሶት ተስፋ ከይዕንገሉ ኵሉ ቀረባኦም ክኸውን ከምዝተሓሳሰቡ ጂሶቲ ገሊጾም።
ስድራ ቤት ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኾነ ዘገንዘቡ ቅዱስ ኣቦና ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ዛምቢያ ናይ እምነት ሓቂ ብዕምቀት ዘፍቅሩን ዝከናኸኑን ጽኑዓት ምእመናን ብቓልን ሕይወትን ክሓንጹን ህያው ምስክርነት ክርስትና ኣባይቲ ስድራ ካብቲ ምስ ጊዜ ምኻድ ካብ ዝብል ጸረ ስድራ ቤት ክነሱ ቅቡል እናዀነ ዝኸይድ ካብ ዘሎ ጎዳኢ ልምድታት ንኸቃወሙን ከርሕቑ ከምዝድግፎ ገሊጾም ካቶሊካውያን ሰብ ሓዳር ኣብ ምስጢረ ተክሊል እሙናት ኰይኖም ንዘፍርይዎም ዜጋታት ሓነጽቲ ጽኑዕ መንፈሳዊ ቤት ኰይኖም ክርከቡ መታን ክድገፉን ክሕነጹን ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን መጋብያን ኩላቶም ንመንእሰይ ወለዶ ቀረባ ክኾኑን ሕይወቶምን መንነቶምን ከጽንዑን ርቱዕ ክገብሩን ኣብ ጸዋዕታ ዘሎ ሓጎስ ክምስክሩን ኣብቲ ብምስጢረ ተክሊክ ዝጸንዕ ሓዳር ዘሎን ኣብ ምውላድ ምሉእ ኰይኑ ዝንበር ኣብ እምነት ዝጸንዔ ሓጎስ ክምስክሩን ብሓፈሻኡ ኣብ ጸዋዕታ ዘሎን ናይ ጸዋዕታን ሓጎስ ክምስክሩን ኣተሓሳሲቦም ኣብ መወዳእታ ብፁዓን ጳጳሳት ንካህናቶምን ነቶም ካብ ሕብረተሰብ ዝተነጸሉ ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድኻታትን ዝተረስዑን ብፍላይ ድማ ንህሙማን ኤይድስ ቀረባ ክዀኑን ሓደራ ቢሎም፣ ሃገሮም በቢ ዕለቲ ብዘጓንፋ ጸገም ብፁዓን ጳጳሳትን ከይተሰናበዱን ተስፋ ከይቆረጹን ብብቕዓት ክገጥሙን ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ግኡዛውነት ብምቅዋም ናይ ሕዝቦም መሰረታዊ ኣድላይነት ብቐረባ ከለልዩ ሓደራ ከምዝበሉ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.