2014-11-15 15:46:13

ዓውደ ጉባኤ መላእ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳት ንብሱል ቤተ ክርሲትያናውነት መንፈስ


RealAudioMP3 ዕለት 18 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ቤት ምኽሪ “ናይ ወንጌል ሓሴት፣ ሃሴት ንልኡካነ ወንጌላውነት” ብዝብል መርሕ ቃል ዘዳለዎ ሳልሳይ ናይ መላእ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ሓደስቲ ማሕበረሰብ ምንቅስቓሳት ከምዝጅመር ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፣ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደልይዎን ናይቲ ሓደሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ቀንደይና ተዋሳእቲ ብምዃን ነቲ ሱታፌ ድማ በቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕጉስ ወንጌላዊ ልኡክነት ጸዋዕታ ዝነጽር ክኸውን ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ እዩ ከምዝበሉ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን፣ ናይቶም ካቶኪካውያን ምንቅስቓሳት ኣብቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ዘንበርዎ ትጽቢታት ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣኢ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት ኣደ መንበር ማሪያ ቮቸን ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ አማኑኤል ናይ ዓለም ለኻዊ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ዣን ሉክ ሞኤንስ ክምዝገለጹ ኣመልኪተን።
ነቶም ብብዙሕ ኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕብረሰብ ካቶሊካውያን ዝውክሉ ልዕሊ 300 ተጋባእያን ክሳተፉ ከምዝኾኑን ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ኣብ 1998 ዓ.ም. ካልኣይ ድማ ኣብ 2006 ዓ.ም. ዝተኻየደ ከምዝነበረ ልእኽቲ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ቃል ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ጠቒሰን ምስ ሓበራ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ካቲሊካውያን ማህበረሰብ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነቐለን ብትሕዝቶን ኣብ ትሕዝቶን እቲ ቕዱስ ጉባኤን ዝንበርን ዝነብርን ክኸውን እንከሎ፦ “ብዙሓት” ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ኣብዚ ኢእግዚኣብሔርነታዊ ባህልን ብዘይ እግዚኣብሔር ምንባር ብዝብል ባህሊ ዘዕለቕልቕ ዘሎ ዓለም በሸሓት ዝቑጸሩ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ዓበይትን መንሰያትን ናይ እምነት ውህበቱን ወበቱን ብምስትምቓርን ምስ ኢየሱስ መድሕን ምርኻብን ወንጌሉ ድማ ናይ ህልውናኦም ቡሶላ ገይሮም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነብርዎ ሓቅን ፍቕርን እምነትን ዝደረኾም ምእመናን ዝሓቝፉ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ክውለዱ ምርኣይ ናይ እምነት ምስክርነት እዩ። ነቲ ኣብ ዓለምና ዝኽሰስትን ዝረአየን ዝተፈላለዩ ዝነበሩን ዘለዉን መሰረታውያን ህልውናን ሰብኣውን ሕቶታት ናይ መንፈስ ቅዱስ ሃብትታት መግለጺ ቅዱስ መንፈስ ዘስተንፍሶም ማሕበራት ድማ ከም መልሲ ነእንነብረሉ ዓለም ክዛረቡን እምነትን ሓቅን ፍቕርን ክምስክሩ ዝውለዱ እያቶም። እቲ እንነብረሉ ዓለምን ሕብረተሰብን ክበራበር ዝድርኹ ብዝተፈላለየ ወንጌላዊ መንፈሳዊ ዕላማ ብመንፈስ ቅዱስ ተነቓቒሖምን ብቤተ ክርስቲያን ተፈላጥነት ረኺቦም ክርስትና ዘላልዩን ዘስፍሑን ብቲ ዝነብርዎ ወንጌላዊ ሃሴት ኣቢሎም ሕጉስ ወንጌላዊ ልኡክነት እንነበሩ ነቲ ሓደሽ ዓለም ሓድሽ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ዝነብሩ እያቶም” እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ መንነትን ዕላማን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበረሰብ ካቶሊካውያንን ከምዘረድኡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቸራዞ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክፍትን ካብ ግዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን እዮም ዘነቓቕሑ ዘለዉ፣ ቤተ ክርስቲያን ናብ ግዳማዊ ክፍሊ ከተማታትናን ደጋዊ ህልውናታትናን ከተብል የተባብዑ ከምዘለዉ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ኣዘኻኺሮም፦ “ቤተ ክርስቲያን ነቶም ናይቲ ተጠቂምካ ምጒሓፍ ዝብል ባህሊ ዘስዕቦ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ንዝወልዶም ድኽነትን ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረሰብ ቀረባ ኰይና እትነብር እያ። ቀንዲ ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ድማ እዚ ምዃኑ ከይተሓለሉ ቅዱስ ኣቦና ዘዘኽርዎ ከምዝኾነን፣ ነቶም ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበርሰብ ድማ ብድሆ እዩ። እቲ ሳልሳይ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ብዑምቀት ከመያየጠሉን ከስተንትኖም እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ፣ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ክለመንስ ብወገኖም፦ “ወንጌላዊ ልኡክነት ብዝተፈላለየ ጐድንታቱ ማለት በቲ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበረሰብን ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልዎ መንፈሳዊ ዕላማ መሰረት ዝምልከት ዓውደ ጉባኤ እዩ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዓለማውያን ምእመናን ገዳማውያንን ካህናትን መምሃራን መናብርተ ጥበብ ኣስተምህሮ ከምዘቕርቡን ናይ ሕቶን መልስን መደብ እውን ዘጠቓልል እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹን እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ኩለን ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበረሰብን ኣብ ምንባር ተልእኾ ዝነብርዎ ተመክሮ ዘቃልሕ ከምዝኾነን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ኣደ መንበር ማሪያ ቮቸ እንከመልክታ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበርሰብ ኣማኑኤል ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ፕሮፈሰር ጃን ሉክ ሞኤንስ፦ “መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ካልኦት እውን ከመይ ከምዝዓዪ ምርዳእን፣ ብሕድ ሕዳዊ ጽንታን ብቑዕ ልልያን ተሓባቢርካ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምውሳእን ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምርዳእ ዘለዎ ኣድላይነት ዝቃልሓሉ ዓውደ ጉባኤ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.