2014-11-15 15:38:30

መሃር ግብሪ ቅዱስ ኣቦና ዓለም ለኻዊ ዑደት ኣብ ስሪ ላንካን ፊሊፒንስን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 12 ጥሪ ክሳብ ዕለት 19 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ንሸሞንተ መዓልቲ ናይ ሸሞንተ ሰዓታዊ ምቅይያር ዘለዎ ጉዕዞ ናብ ርሑቕ ምብራቕ ዝርከባ ሃገረ ስሪ ላንካን ቀጺሎም ድማ ኣብ ፊሊፒስን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም። ቅዱስ ኣቦና ዕለት 13 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስሪ ላንካ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ንጐሆ ክበጽሑን ምስቶም ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ ላዕለዎት መራሕትን ምስ ናይ ሲሪ ላንካ ርእሰ ብሔር ክራኸቡ ከምዝኾኑን፣ ናይቲ ኣብ ስሪ ላንካ ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ማእከል መደብ ድማ ኣብ ስሪ ላንካ ኣብታ ናይ ቀደም ቸይሎን ኣብ 1700 ዓመታት በቲ ናይቲ ከባቢ ማለት ብቺንጋለዘን ታሚልን ቋንቋታት ቅዱስ መጽሓፍ ንዝተርጐመ ህንዳዊ ወንጌላዊ ልዑኽ ጁዘፐ ቫዝ ብፅዕና ንምእዋጅ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ሲሪ ላንካ ቀዳማይ ብፁዕና ዝእወጀሉ ወንጌላዊ ልኡኽ ከምዝኸውን እውን ሓቢሮም።
ዕለት 15 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ካብ ስሪ ላንካ ተሰናቢቶም፣ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ፊሊፒንስ ንምቅጻል ኣብ ማኒላ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቪላሞር ክበጽሑን ዕለት 16 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ንጐሆ ምስ ናይ ፊሊፒንስ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን ኣብ ካቴድራል ንጽሒቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይ ፊሊፒንስ ኣባይቲ ስድራ ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓበሩ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣስዒቦም፣ ዕለት 17 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ምስቶም ካብ ብርቱዕ ሃያን ዝብል መጸውዒ ብዝተዋህቦ ሓደገይናን ብርቱዕን ህቦብላ ነፋስ ዝተጠቕዑን ካብቲ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝተረፉን ዜጋታት ፊሊፒንስ ክራኸቡን ምስ ናይ ፊሊፒንስ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ኣብ ማኒላ ክራኸቡን ዕለት 18 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ናይ ማኒላ ሓዋርያዊ ዑደቶም ምስ መንእሰያት ተራኺቦምን ኣብ ኣብ ማኒላ ሪዛል ኣደባባይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ከምዝዛዝሙን ዕለት 19 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ሰዓት 10 ካብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ማኒላ ንመልሲ ክነቕሉ እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.