2014-11-14 15:36:54

፩ ሰንበት ዘአስተምህሮ 2007 ዓ.ም. ኅዳር7 2007 ዓ.ም.(11/16/2014)


በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ዝያዳ ክነፍሪ ዝተፈጠርና ኢና!
መዝሙር ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማስን . . . . . ።
ንባባት ፩ተሰሎ 51-6፥ ፩ዮሓ 513-ፍ፥ ግ.ሓ. 1338-43፥ ማቴ 2514-30
ምስባክ“እትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ”። “ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና”። መዝ 79፡8 ( ቅዳሴ ዘእግዚእነ፤ ነአኩተከ)።
ካብ ኅዳር 7 ክሳብ 7 ታሕሣሥ ወይ 13 ዘሎ ጊዜ ዘአስተምህሮ ይብሃል፥ አብ ቀዳማይ ሶምን ናይ አምላኽ ሕያውነት፥ ትዕግስቲ፥ ክብርን ምስጋናን ነቕርብ። ሎሚ ቀዳማይ ሰንበት ዘአስተምህሮ ዘኪርና አሎና። ዘአስተምህሮ ሓምሽተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። አብዚ ሓምሽተ ሰናብቲ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ዝገበሮ ናይ ምሕረት ሥራሕን ክነስተንትን የዘኻኽረና። “አበሳና አይዘከረን (ዘኽታማት ክንከውን አይሓደገናን) ክንጠፍእ አይሓደገናን፥ ሕያዋይ እግዚአብሔር፥ ሙሴ ንህዝቢ ሰንበት ብሓቂ ከኽብሩ አዘዞም” እናበለ መዝሙር ናይ ሎሚ ናይ አምላኽ ቅሩቡነት ንደቂ ሰባት ይነግረና። ኢየሱስ ንደቂ ሰባት ቃል ሃይማኖት የስምዖም ነበረ፥ ኩሉ መገዲ ድሕነት ነገሮም፥ ኮይኑ ግን ሰባት ልቦም አይከፈቱሉን ርሓቕዎ፥ እኳ ድአ አብ መጭረሽታ ቀተልዎ። ሎሚ ነፍስ ወከፍና ተቐበልቲ ቃል አምላኽ ክንከውን ዕዱማት ኢና። ንመገዲ አምላኽ ክንፈልጥ እሞ አብ ጉዕዞ ድሕነት ክንጸንዕ።
ናይ ሎሚ ወንጌል ክንርዳእ ነቲ ምዕራፍ ብምልኡ ክነንብብ ይግባእ። ኢየሱስ አብዚ ምዕራፍ ዝገልጾ ብዛዕባ ምስንዳው እዩ ዝዛረብ። እቲ ምሳሌታት ዝተፈላለየ ይኹን እምበር አብ ሓደ ሓሳብ ዘተኮረ እዩ። ኩሎም ንሓደ አብ መወዳእታ አብ ፍጻሜ ዘብጽሕ ይጽበዩ። ምምጻእ ናይ እቲ ዝጽበይዎ ይደናጕ ዝመጸሉ ዕለት ከአ አይፍለጥን እዩ። ገለ ካብቶም ዝጸበዩ ግምት ይገብሩ እሞ ይቀራረቡ ካልኦት ግን ሓንቲ ከይተጸበዩ ይጸንሑ። እቲ ዝጽበይዎ ብዘይተሓስበ ይመጽእ እሞ ጸብጻብ ይሓትት። እዚ ምሳሌታት እዚ ነቲ ዳግማይ ምምጻእ ዝሕብር እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌል ካብቲ ካልእ ፍልይ ዘብሎ አትኩሮ ዝግበረሉ አብቲ ጊዜ ምጽባይ ንጎይትኦም ክሳብ ዝምለስ ንግዚኦም ከመይ ከምተጠቕሙሉ ዝነግር እዩ።
አብ መጀመርያ እንርእዮ እቲ ዝገይሽ ሰብ አብቶም ሰለስተ አገልገልቱ ምልኡ እምነት ገሩ ንነፍስወከፎም ብዙሕን እኹልን ከፍርዩሉ ዝኽእሉ ገንዘብ ይህቦም። ሓደ ምክሊት 6000 ዲናር ሓደ ዲናርዩስ ከአ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ እዩ፥ ስለዚ ወላ እቲ ብዓል ሓንቲ ምክሊት እውን እንተ ኾነ ዝአክል እዩ ተዋሂብዎ። ገንዘቡ ክህቦም እንከሎ ከፍርዩሉ እምበር እንተ አፍረኹም ጽቡቕ እንተ ዘየፍረኹም ድኃን ኢሉ አይሃቦምን። ዓቕሞም ጽቡቕ ገሩ ስለ ዝፈልጥ ንነፍስወከፎም ፈሊጡ አስተውዒሉ ምስ ምሉእ ሓላፍነት ገንዘቡ ሂብዎም። እቲ ዝደልዮ ስለ ዘምሓደረ ንመገሻ ከይዱ።
አብዚ ክነስተንትኖ ዘሎና አምላኽ ንነፍስወከፍና ካብ ነጻ ዝኾነ ፍቓዱ ተላዒሉ ጸጋታቱ ምስ ዓቕምናን ክእለትና ርእዩ ዝተፈላለየ ህያባቱ ክነፍሪ ይዕድለና። እንወሃቦ ጸጋ ክነፍሪ እዩ። ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ አብ መዓላ ክነውዕሎ እሞ ንርእስናን ንወሃቢ አምላኽ ክነመስግን እዩ። አብ ቅድሚ አምላኽ ፍልልይ የለን ስለምንታይ ነዚ ከምዚ ሂብዎ ነዚ ከምዚ ሂብዎ ኢልና እንሓቶ አይኮነን። አምላኽ ፈጣርን ንኹሉ ዝፈልጥ ስለ ዝኾነ አብኡ ፍልልይ የለን ምናልባት ንሕና ብናይ ሰብአዊ አጠማምታ እንርእዮ ክርድአና አይክአልን እዩ፥ እቲ ቍምነገር ነቲ አምላኽ ዝሃበካ ርኢኻ ምኽአል የድሊ። አብ መንጎ ሰባት ናይ ክእልተታ ፍልልይ አሎ ግን አብ እነርእዮ ጻዕሪ ኩልና ማዕረ ኢና ማለት አምላኽ ካባና ዝደልዮ እቲ ዝክአለና ዝገበርናዮ እምበር ክንደይ ከምዘፍረና አይኮነን ስለዚ ተዋሂበ አሎኹ ዝተወሃብክዎ ኸአ አብ ድላይ አምላኽ ከውዕሎ እዩ ተዋሂቡኒ ዘሎ ክንብል እሞ በቲ ዘሎና ክነፍሪ እዩ ዝደልየና። ከምቲ እቲ ጎይታ ነቶም አገልገልቱ አፍርዮም ክጸንሕዎ ዝደለ ንአና እውን አፍሪና ክንጸንሕ እዩ ድላይ አምላኽ። ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ህያባት እናአመስገና አብ ዝለዓለ ጥቕሚ ክነውዕል አሎና።
እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ምልዮናት ብአአ ሓሊፎም እዮም ኩሎም ነናቶም ህያባት ተዋሂቦም እዮም እንተ ኾነ ውሑዳት ጥራሕ እዮም ከምቲ ዝተዋህቦም ዝገበሩ ታሪኽ ዝሓደጉ። ብዙሓት ሓሊሞም እንተ ኾነ ውሑዳት እዮም ንሕልሞም አብ ግብሪ ዘውዓሉ። አነ ከም ሰብ ምሰየኖት እየ ዝስራዕ። ታሪኽ ብሰባት እዩ ዝፍጸም ታሪኽና ንወለዶ ክሰግር ነፍስወከፍና ነቲ አምላኽ ዝሃበና ህያባት አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክነውዕሎ ይግባእ። እሞ ሎሚ ሓወይ ሓፍተይ ህያብካ/ኪ አብንታይ ተውዕሎ አሎኻ ኢልና ክንሓትት እዋኑ እዩ። ገለ ሰይጣን ዝተዓወተሉ ሰብ አብ ህውከት አብ ፍልልይ አብ ምዕግርጋር ጥራሕ ዘውዕሉ አለዉ ገለ ኸአ አብ ህንጸት አብ ሰላም አብ ምዕባሌ ዘውዕሉ አለዉ ስለዚ አነ ምሰኖት እስራዕ ክንብል ንሕልናን ክንሓትት እሞ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንምለስ እዋኑ እዩ።
እንታይ እዩ ክእለተይ ክንብል አሎና፥ ምዝማር ምምሃር ምጽሓፍ ምምካር፥ ጽቡቕ ገርካ ምስማዕ፥ ምግልጋል፥ ምምሕዳር፥ ንፍሉይ ክእለትካ አለሊኻ ምኽአል አብ አገልግሎት ካልኦት ክትወፍር ይሕግዘካ። ነቲ ዘሎና ፍሉይ ህያባት አለሊና አብ አገልግሎት አሕዋትን ማሕበርን ክነውዕሎም እንከሎና አምላኽ ዝብለና “ሕያዋይንን እሙንን አገልጋሊ ብውሑድ ተአሚንካ ኢኻ እሞ አብ ልእሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ” ክብለና እዩ።
እቲ ሰብአይ “ድኅሪ ነውኅ እዋን” ካብ መገሽኡ ብዘይ ተሓስበ እዋን ተመሊሱ ንወዮም ብምሉእ እምነት ገንዘቡ ዝሃቦም አገልገልቲ ጸብጻብ ከቕርቡ ጸዊዕዎም። እቶም ክልተ ቀዳሞት ነቲ ዝተዋህቦም ዕጽፊ አፍርዮም ስለ ዝቐረቡ ብአኦም ተሓጒሱ። በቲ ዝተዋህቦም ከይተወላወሉ ብእምነት ነቲ ዝተዋህቦም ከፍርዩ ዝክአሎም ስለ ዝገበሩ “አብ ሓጎስ ጎይትኦም ክአትዉ ተዓዲሞም።
እቲ ብዓል ሓደ ግን ሓንቲ ከይተሰናደወ እንከሎ ከየፍረየ እንከሎ መዓልቲ አትያቶ። ዘቕርቦ ምኽንያት ከአ እቲ ጎይትኡ ጨካን ሓያል ሰብ ምዃኑ ከምዝፈርሐ እሞ ነቲ ዝተዋህቦ ከምዘየፍረየ ይገልጽ። እቲ ጎይታ በቲ ዘቕረቦ መሰረት ጨካን ምዃነይ ትፈልጥ ነርካ እንተ ኾንካ ስለምንታይ ገንዘበይ አብ ባንክ ዘየእቶኻዮ ምስ ወለዱ ኸአ ሎሚ ምወሰድክዎ እንተ ኾነ ንስኻ ሃካይን ክፉእን ኢኻ እናበለ አብ ቦታ መቕጻዕቲ ክወስድዎ ይእዝዝ። አብዚ ከምቲ አብ ሓደ ኦም ዘየፍሪ ጨንፈር ከምዝቑረጽ ከምኡ አብቲ አምላኽ ዝዓደሎ ዘየፍሪ ሰብ ከአ ዕጭኡ ከምኡ እዩ። ገለ ክርስትያን ብዘይመጠን አብ እምነቶም ንፉዓት እንተ ኾነ ሓንቲ አበርክቶ አብ ስፍሓተ ወንጌል ወይ አብ ሕይወት ማሕበር ክርስቶስ ወይ እውን አብ ምምስካር ወንጌል እጃሞም ዘየበርክቱ በዚ ብዓል ሓደ ክምሰሉ ይክአል።
ትሕዝቶ እዚ ወንጌል ናይ ሓደ ክርስትያን ከመይ ኢሉ ተሰናድዩ ክጸንሕ ከም ዘለዎ እዩ ዝነግረና ኩሉ ጊዜ አብ ቅድሚ አምላኽ ስንድው ኮንካ ምጽናሕ።
አብቲ ብግሪኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ብዛዕባ እዞም ክልተ ቀዳሞት “ከሲቡ ወይ ገሩ” ዝብል ቃል ናይ እምነት ትርጉም ዝሓዘ እዩ ማለት ንሰባት አብ እምነት ክትመልስ እንከሎኻ እተርእዮ መኽሰብ እዩ ዘስምዕ። ስለዚ እዚ ምሳሌ እዚ ብዛዕባ ገንዘብ ዘይ ኮነ ብዛዕባ ሓደ ክርስትያን ክንደይ አብ መገዲ አምላኽ ከምዝመለሰ እዩ። እቲ ብዓል ሓንቲ ምክልት ካብቲ ዝተዋህቦ ንሓደ ክጠቅም ክመልስ ስለ ዘይከአለ አየፍረየን።
ነዚ ወንጌል ክነስተንትን እንከሎና ብፍሉይ እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ክንርኢ ንኽእል፡

ክትቅይር ዘይ ምድላይ፡
ነዚ አብ ግምት አእቲና ካልእ ትርጉም ነዚ ምሳሌ ክንረኽበሉ ንኽእል። አብ ዝኾነ እምነታት እቲ ዘይ ቅየር ነገር እንተሎ ኩሉ ጊዜ ምጉርምራም አብ ዝተገብረ ምሕማይ ወረ ምብዛሕ ክትቅይር ዘይምድላይ እዩ። አብ ኩሉ እምነታት ዘሎ ሓባራዊ ሕማም እዩ። ብዙሓት አይሁድ አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ብዓቢ ቅንኢ ተላዒሎም ንሕጎምን ባህሎምን ይዕቅቡ ነሮም። ንዝኾነ ምዕባሌ ወይ ንዝኾነ ለውጢ ይአብዩ ነሮም። አብቲ ተቓውምኦም ነቲ ቀንዲ መንፈስ ወይ ትርጉም ሕጊ ረሲዖም ንኢየሱስ ብምቕባል አብዮሞ። አብ ቤተ ክርስትያና አብዚ እዋን አለዉ ዝኾነ ለውጢ ወይ ምዕባሌ ክርእዩ ዘይደልዩ ባህልና ስርዓትና ጥራሕ ብምባል ንዝኾነ ምስ ዘመኑ ክኸይድ ዝኽእል ነገራት ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝንአሰ ዝነጽጉ አለዉ። እኳ ድአ አብቲ ቀደም ዝነበረ አረጊት ባህሊ ክንምለስ አሎና ዝብል መገዲ ይሕዙ። ነቲ መንፈስ አምላኽ ዘብርሆ ጨሪሾም ክሰምዑ አይደልዩን። እንተ ኾነ እዚ አይኮነን ስርዓት ሕይወት። ዘመና ርኢና ክንክእል እሞ ንትምህርቲ ወንጌል ምስ ዘመና አወዳዲርና ክንርኢ ይግባእ።
አብ መወዳእታ ክንርእዮ ዘሎና እንታይ ፍሉይ ህያብ አምላኽ ከምዘሎና እዩ። ገለና ብንጹር ፍሉይ ህያብ አሎና እንተ ኾነ ወላ ሓደ ካባና ሓንቲ ዝተወሃብክዎ የብለይን ክብል ዝኽእል የብልናን። እቲ ሕቶ ነቲ ዘሎኒ ህያብ ከመይ ገረ እየ አብ አገልግሎት ቤተ ክርስትያነይን አብ ህዝበይን አውዕሎ አሎኹ ዝብል እዩ። አብ ካልእ መዓል ዘውዕሎ እንተ ኾይነ ከምቲ ብዓል ሓንቲ መክሊት ቀቢረዮ አየፍርን አሎኹ ማለት እዩ። ሎሚ እንተ ንመውት እሞ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ደው እንተ ንብል እሞ “ነቲ ዝሃብኩኻ ህያባትን ክእለትን ኩሉ ከመይ ተጠቒምካሉ/ተጠቒምክሉ? መን ተጠቒሙ ከመይከ ካብቶም ህያባት ተጠቒሙ? እንታይ ኢልና ምመለስና?
እቲ ጎይታ ክምለስ እዩ፥ “ብዘይተሓስበ ሰዓት ከምሰራቒ ብለይቲ ክመጽእ እዩ” ተሰናዲና ክንጸንሕ አሎና። ነታ መክሊትካ/ኪ ቀቢርካይ ወይ ከአ አብ ካልእ መዓላ አውዒልካያ እንተሎኻ ቀልጢፍካ አውጽአያ ካብቲ ዘላቶ እሞ አብ መዓላ መንግስቲ አምላኽ ክተውዕል ጀምር።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.