2014-11-14 18:43:27

ረኪበ ካህናት አብ አገልግሎት ኤውሮጳ ዝርከቡ ሓበሻ፣


ዕለት 5ን 6ን ኅዳር 2014 ዓምፈ አብ ኤውሮጳ አብ ስደት ንዝርከቡ ም እመናን ዘሥር ዓተ ግ ዕዝ ዘገልግሉ ካህናት ምስ ሰለስተ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራን ንምሥራቃውያን አብያተ ክርስትያን ናይ እትኃሊ ማኅበር ጸሓፊ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ስሪልን ተራኺቦም ብዛዕባ ጕስነታዊ አገልግሎቶም ዘትዮም፣
አብዚ ናይ መጀመርያ ሓፈሻዊ ረኪበ እዚ ብዛዕባ ህልዊ ሓዋርያውን ማኅበራውን ኩነታት ናይ ሥርዓተ ግዕዝ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ም እመናን ከምዝዘተዩን፤ ንሠለስተ ዓመት ከአ አብ "ስብከተ ወንጌል ዘብሔረ ኣግዓዚት" ዘበስዊስ ወኣድያምሃ ቤተ ክርስትያን ዘቅዱስ ፍረሚናጦስ (ኣቡነ ሰላማ) ዘገልግሉ ንዘለው ጥቀ ክቡር አባ ሙሴ ዘርአይ ንከተሓባብርዎም ከምዝመረጹ ተመልኪቱ፣ጥቀ ክቡር አባ ሙሴ ዘርአይ ብዛዕባ እቲ ጉባኤን ተሳተፍትን ንረድዮ ቫቲካን ዝ ሃብዎ መግለጺ እነሆ፤ RealAudioMP3







All the contents on this site are copyrighted ©.