2014-11-13 16:14:51

ብፁዕ ኣቡነ ንይኬል፦ ዕቃቤ ምስጢራውነት ምስጢረ ንስሓ ወትሩ ዘይግሃስ እዩ


RealAudioMP3 ኣብ ሕንጻ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 12 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ “ፈጺሙ ዘይግሃስ ዕቃቤ ምስጢራውነት ምስጢረ ንስሓን ምስጢረ ንስሓ ኣገልግሎት ግላዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ከምእተጀመረ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።
ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ቤተ ኑዛዜ ምስሌነ ብፁዕ አቡነ ክርዝይስዝቶፍ ንይኪየል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዋና ኣርእስቲ ስቱርነት ምስጢረ ንስሓ ዝብልን እዚ ድማ ምስቲ ናይ ዘመንና እዋናዊ ተመክሮ ተመስሎኡን ብርግጽ ስቱርነት ምስጢረ ንስሓ ሓድሽ ኣይኰነን ዝነበረ እዩ። ኰይኑ ግን እቲ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ስቱርነት ዘለዎ ክቡር ዋጋ ንሓደጋ ዘቃልዕ ባህሊ ዝነብር ብምዃኑ እዚ እናተለምደ ዝኸይድ ዘሎ ኩሉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ዝገብር ባህሊ ብመራኸቡ ብዙሃን እውን ከይተረፈ ዝተባባዕ እዩ። ናይ ቤትን ግላውን ብምስጢር ክዕቀብ ዝግብኦ ተመክሮ ኣብ ኣደባባይ ዘውጽእ ልማድ ኣዚዩ ይሰፍሕ ብምህላዉ ንምስጢረ ንስሓ እዚዩ ዝትንፍክ እናዀነን ብዙሓት ኑዛዜ ትርጉሙ ክስሕቱ ይድርኽ ኣሎ። ሕልናኻ ምኽፋት ስቱርነትን ዕቃቤን ክብርታት ይሓትት፣ ምስጢረ ንስሓ ናይ ስቱርነትን ዕቅቤን ቅዱስ ዋሕስ እዩ። ሱታፌ ኣብ ምስጢረ ንስሓ እቲ ደረት ኣልቦ ዘይኩነታዊ ቀጻልን ነባርን ምሕረት እግዚኣብሔር ንምስምቓር ዘብቅዕ እዩ። ሰለዚህ ሕልናኻ ምኽፋት ነቲ ኣብ ሕልናኻ ዘሎ ድምጺ እግዚኣብሔር ጽን ንምባል ዝመርሕ እዩ። ስቱርነት ምስጢረ ንስሓ ወትሩን ድሕሪ ሞት እውን ኣብ ስቱርነት ዝተርፍ ምዃኑ ሓቢሮም እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ኹሉ ምስ እዋናዊ ባህልን ምስ ከይዲ ዓለምን እዋናዊ ኣነባብራ ክርስትናን ብምንጽጻር ስቱርነትን ምስጢር ንስሓ ዘቃልሕ ምዃኑ ሓቢሮም።
ሱታፌ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ብፍላይ ድማ ሱታፌ መንእሰይ ወለዶ እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎን፣ እዚ ድማ ትርጉም ናይ ሓጢኣት ካብ ምጥፋእ ዝነቅል ዘሎ ልማድ እዩ። ካብ ኣድማስ ባህልን ሕይወትን እግዚኣብሔር ምንጻል ዘተኣታትው ድርኾት እዩ። እዋናዊ ባህሊ ኩሉ ፍቑድ እዩ ኩሉ ሕጋዊ እዩ ዝብል ከይዲ ዘሰፍሓሉ ኣብ ዘሎ ዓለምና ግላዊ ርእይቶይ እዩ እቲ ሓቂ ዝብል ኣመለኻኽታን እቲ ፍጹም ሓቂ ዘጥፍእን ናይ ነፍሲ ወከፍ ርእይቶ ሓቂ እዩ ዝብል ጽንሲ ሓሳብ የስፍሕ ኣሎ። ስለዚህ ነዚ ኽሉ ግምት ብምሃብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ባህሊ’ዚ ምስጢረ ንስሓ ትርጉሙ ምስትንታትንን ኣብዚ መዳይ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን ብቕዓት ብዘለዎ መገዲ ምቕራብን ምትሕልላፍን ኣብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣባይቲ ዘርአ ክህነትን በዚ መሰረት ሕንጸት ምስፋሕ ዘተባብዕ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ናይ ምሕረትን ጸጋን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ንክርስቲያናዊ ግብረ ንስሓ መጋበያ ዕርቂ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምሕረት እግዚኣብሔር ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዝዓበየን ልዑልን ምዃኑ የነጽሩ፣ ኣብዚ መዳይ ድማ ስልጣናዊ ትምህርቲ ይህቡ እዚ ድማ ብእማኔ ኣብ ሱታፌ ምስጢረ ንስሓ ዝዕድምን ዘተባብዕን እዩ ኢሎም።
ቤተ ክርስቲያን ካብ መሰረታ ኣትሒዛ ስቱርነት ምስጢረ ንስሓ ዝተነብራ እያ፣ ማለት ናይ ምስጢረ ንስሓ ሰራዕን ምእመንን ርክብ ዝብል እዩ። እዚ ስቱርነት ምስጢረ ንስሓ ዝነበረ እዩ ደሓር ግን ኣብ ሕገ ቀኖና ሰፊሩ ሕጋዊ መልክዕ ለቢሱ ሕጋውን ግብረ ገባውን ሓላፍነት ተባህሉ ድማ ኣብ 1215 ዓ.ም. ጉባኤ ላተራነንሰ ተኣወጀ። ዕቃቤ ምስጢረ ንስሓ ዘፍርስ ካህን ዘቕፅዕ ምዃኑ እውን ኣብቲ ኣዋጅ ተነቢሩ ኣሎ፣ ሕገ ቀኖና ዓንቀጽ 989፦ ስቱርነት ምስጢረ ንስሓ….ምስጢራውነት ምስጢረ ንስሓ ዘይገሃስ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣናዛዚ ካህን ነዚ ውሳኔ እዚ ፈጺሙ ክኽሕድ የብሉን” ዝብል ውሳኔ ተነቢሩ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም፣ ፈጺሙ ዘይገሃስ ብዝኾነ ይዅን ምኽንያት ዘይገሃስ ውሳኔ ድማ እዩ። ዘይገሃስ እዩ ዝብል ውሳኔ ድማ ናይ ምስጢረ ንስሓ ቅድስ ምስጢርነቱ ዝዕቅብን ዝከናኸንን እዩ። ስለዚህ እዩ ድማ ምእመን ብግሊ ተናዛዚ ናብ ኣናዛዚ ቐሪቡ ብሕሹኽታ ድምጺ ማለት ብትሑት ድምጺ ሓጢኣቱ ዝናዘንን ምሕረት ዝልምንን ዝሕትት።
ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ንስሓ ንቅዱስ ምስጢራውነቱ ቀናእተይና እያ። ድሕሪ ሞት እቲ ተናዛዚ እውን እቲ ዝተናዘዞ ስቱር ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። እቲ ተናዛዚ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ነቲ ኣናዛዚ እቲ ተናዛዚ ቅድሚ ብሞት ምፍላዩ ዝተናዘዞ ኩሉ ጋህዲ ናይ ምውጻእ መሰል ኣየውህቦን እዩ። እቲ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ዅሉ ብቲዮሎጊያውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ትውፊትን ስነ ሕገ ቀኖናን ታሪኽ ስነ ክርስትናን ኣደጊፉ እዋናዊ መብርሂ ዘቕርብ እዩ ኢሎም።
ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ክርስቲያን ምሕረት እግዚኣብሔር ብምስጢረ ንስሓ ኣቢሉ ጥራሕ ዝበጽሖ ምዃኑ ርግጸይናነት ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሕገ ቀኖና ካብ ዓንቀጽ 959 ክሳብ 960 ዘሎ ምርኣይ ይከኣል። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዕለት 19 ለካቲት 2014 ዓ.ም. እዚ ናይ ምስጢረ ንስሓ ፍሉይን ዓሚዩቕን ትርጉሙ፦ “ብሕልናኻን ብልብኻን ንእግዚኣብሔር ሓጢኣተይና እየ ቢልካ ብውልቒ ምንዛዝ እዅል ኣይኰነን፣ ብትሕትናን ብተኣማንነት በቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተጸገወቶ ቅዱሳት ምስጢራት ኣቢልካ ምሕረት እግዚኣብሔር ምቕባልን ምስ እግዚኣብሔርን ብጻይካን ምስ ገዛእ ርእስኻን ምትዕራቕ ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ኣቃሊሖሞ እዮም፣ ተናዛዚ ንኽናዘዝ ኣብ መናዘዚ ተንበርኪኹ ሓጢኣቱ ብካህን ኣቢሉ ናብቲ ናይ ኣቦ ፍቕሪ ይቐርብን ናብቲ መሓሪ ልቢ እግዚኣብሔር ይኣትው። እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ናይ ቁስሊ ነፍሲ ዝፍውስ፣ ሓጢኣት ዝሓድግ ምስኡ ዘሎካ ጽልእ ዝበትኽ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.