2014-11-06 16:40:03

ናይ ቅድስቲ መንበር ብፁዓን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ናብ ልሂቅነት ዘብጽሕ ሕጊ ሓድሽ ኣሰራርዓ


RealAudioMP3 ቅዱሱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተቐብሊሎም ኣብ ዘዘራረብሉ ዕለት እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ናብ ልሂቅነት ዘብጽሕን ተከእቶም ኰይኖም ንዝስየሙ ሓደሽቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ሕጊ ዘሰንይን ሓድሽ ኣሰራርዓ ዘልብስ ኣዋጅ ከምዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊ ኣባ ቺሮ በነደቲኒ ዕለት 5 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።
እቲ ሓድሽ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣዋጅ ነቲ ዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ናብ ልሂቅነት ዘብጽሕን ተከእቶም ኰይኖም ንዝስየሙ ሓደሽቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝእዝዝ ሓድሽ ኣሰራርዓ ሕጊ ዘልብስ ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ በነደቲኒ፣ እዚ ብናይ ላቲን ሕገ ቀኖናን ከምኡ እውን ብናይ ምስራቓዊ ሕገ ቀኖና ዝመሓደራ መላእ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝምልከት ኰይኑ ናይ ሰበኻ ጳጳሳትን ካርዲናላትን ኤጳርቃትን ምስለኔ ብፁዓን ጳጳሳትን ምኽትላት ብፁዓን ጳጳሳትን ልክዕ 75 ዓመት ዕድመ ምስ ዘብዕሉ ናብ ልሂቅነት ክመሓላለፉ ብፍቓዶም ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብፁሑፍ ክሓቱ ዘተሓሳስብ ናይ ውሳኔ ኣዋጅ ምዃኑ ገሊጾም፣ ዘቕርብዎ ናይ ልሂቅነት ሕቶ ተቐባልነቱ ምስ ዝጸድቕ ካብቲ ወግዓዊ ቤተ ክርስቲያናዊ ዘበለ ኵሉ ናይ ተልእኾ ሓላፍነቶም ከምዝሰናበቱን ብኣኣቶም ዝተመርሑ ምእመናን ብፍቕርን ፍትሕን ከይቦኸሩ ነቶም ዝጓሰይዎም መጋብያን ክተሓባበርዎምን ከከም ኣድላየንቱ ኣብ ደገፎም ክነቕሑ ሓደራ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ኩነት ድማ እቲ ዝምልከቶ ኣካል ቅድስቲ መንበር ንጳጳሳትን ብፁዓን ካርዲናላትን ኤጳርቃትን ምስለኔ ብፁዓን ጳጳሳትን ምኽትላት ብፁዓን ጳጳሳትን ናብ ልሂቅነት ዘሰጋግሮም ፍቓድ ዝሓትት ሕቶ ከቕርቡ ክሓቶም ዝከኣል እዩ። እዚ ድማ ናይቲ ዝምልከቶ ኣካል ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ዘጠቓልሎ ግቡእ እዩ፣ ዝብል ሓሳብ እውን ዘጠቓለለ ኣዋጅ ሰራዒ ሕጊ ምዃኑ ኣባ በነደቲኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፣ እቶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባብርቶም ናይ ዝተፈላለያ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መናብርትን ናይ ቅዱሳት ማሕበራትን ህየንተን ብፁዓን ጳጳሳትን ብፁዓን ካርዲናላትን ዝምልከት ኣዋጅ ሰራዒ ሕጊ ምዃኑ ኣነጺሮም ካልኦት ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ዋና ጸሓፍቲ እውን 75 ዓመት ዕድመ ምስ መልኡ ተመሳሳሊ ሕቶ ከቕርቡ ዝብል ውሳኔ ዝተነብሮ ኣዋጅ ሰራዒ ሕጊ እዩ ቢሎም፣ ካብ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራት ኅየንተ ኣባል መማኽርቲ ኰይኖም ካብ ዘገልግልሉ ድማ ኣብ 80 ዓመት ዕድሜኦም ልሂቅ ክኾኑ ሕቶ ከቕርቡ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.