2014-11-06 17:42:05

ሢመተ ጵጵስና አገልግሎት እምበር ናይ ክብሪ መዓርግ አይኮነን፣


RealAudioMP3 ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ትማሊ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትምህርቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን ንክቅበሉ ካብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም ተአኪቦም ንዝነበሩ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዘቅረቡሉ ጊዜ እንክኾን ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ ትምህርቶም ዝተጠቅሙሉ ቃል አምላኽ እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ አብ ዝጸሓፎ መል እኽቲ ንጳጳሳት ብዝምልከት ሓደራ ዝበሎ ማለት “እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ። ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፡ ነቶም ተቓናቓንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከኣሎ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።”(1፡6-9) ንዝብል ምርኵስ ብምግባር “ተልእኾ ኤጲቆጶስ ናይ ክብሪ መዓርግ ዘይኮነስ አገልግሎት ኢዩ፣ ከምቲ ክርስቶስ ርእሱ ክሳብ አብ ሞት መስቀል ዘትሓተ ር እስኻ ብምትሓት ብተአዝዞ ክትቅበሎ ዘሎካ እምበር ዝሽየጥ ዝልወጥ ስለዝኮነ ዝዕደግ አይኮነን፣ አብ ቤተ ክርስትያን ከምዚ ንዝ ዓይነቱ ዓለማዊ አተሓሳስባ ቦታ የለን” እንክብሉ ሰፊሕ አስተምህሮ አቅሪቦም፣
አደና ቤተ ክርስትያን በዚ ናይ አገልግሎት ሥልጣን እዚ ማለት ብ አገልግሎት ጳጳሳት ካህናትን ዲያቆናትን ናይ ወላዲት አደ አገልግሎት ተበርክት፣ እዚ ከአ ገጽታ ናይታ ሓንትን ቅድስትን ዝኾነት አደና ቤተ ክርስትያን የንጸባርቅ፣ አብ ጕዕዞ ሕይወትና እናአሰነየትና ብምሥጢረ ጥምቀት ዳግም ትወልደና በቲ ለዋህ እናታዊ ፍቅራ ከአ ተሰንየና ምናዳ አብ ጊዜ ፈተናን ስቃይን ሞትን ወትሩ ምሳና ትጐዓዝ፣ እዚ እናትነት እዚ ከአ አብ ጵጵስናዊ አገልግሎት በቲ ጳጳስ ይግለጽ፣ ጳጳስ ከምቲ ክርቶስ ተኸተልቱ ሓዋርያት ዝሓረየን ንመጓሲኡ ክጓስዩ ንስብከተ ወንጌል ዝለአኸን ከም ተኸተልቶም መጠን ከአ ንማኅበረ ክርስትያን እናመርሑ ከም ናይ እምነት ዋሕሳትን ምልክት ህልውና ክርስቶስ አብ ማእከሎም ህያው ዝገብሩን ኢዮም እንክብሉ አዘኻኺሮም፣
“ስለዚኸስ ጵጵስና ናይ ክብሪ ቦታ ወይ ሓላፍነት ከምዝኾነ ንግንዘብ፣ ኢየሱስ ከማኡ ስለዝደለዮ ከአ ጵጵስና RealAudioMP3 አግልግሎት እምበር ሹመት አይኮነን፣ አብ ቤተ ክርስትያን ከም ናይ ዓለም አተሓሳስባ ክረኤ የልብሉን፣ ከም ዓለማዊ አተሓሳስባ እዚ ሰብዚ አብ ቤተ ክርስትያን ነዚ መዓርግ እዚ ጽዒሩሉ ኢዩ በዚ ከአ አቡን ኮይኑ ኢዩ ዝብል፣ ከማኡ ግን አይኮነን አብ ቤተ ክርስትያን እዚ ቦታ የብሉን፣ ጵጵስና አገልግሎት እምበር ንክትጀሃረሉ ዚወሃብ ሹመት አይኮነን፣ ስለዚኸስ ጳጳስ ምዃን እንታይ ከምዘመልክት አብ ቤተ ክርስትያን ትኵረትና አብቲ ክገልግል እምበር ክግልገል አይመጻእኩን ዝበለ ክርስቶስ ክኸውን አለዎ፣ አብነት ኢየሱስ ምኽታል ከአ የድሊ፣
አብ ቤተ ክርስያንና ብዙኃት ቅዱሳን ጳጳሳት ኃሊፎም ኢዮም፣ እዚኦም ዘግሃዱልና ጉዳይ እንተልዩ መዓርገ ጵጵስና አይድለን አይሕተትን አይዕደግን እንታይ ደአ ከምቲ ክርስቶስ ንርእሱ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት ዘትሓተን ዝተአዘዘን ርእስ ብምትሓት ብተአዝዞ ክትቅበሎ ዘሎካ አገልግሎት ምዃኑ አስተምሂሮምና፣ ገለ ሰባት ናብዚ አገልግሎት እዚ ክበጽሑ ለይትን መዓልትን ሒዅ ዝብሉ ክትርኢ ክንደይ የሕዝን ዝገደደ ከአ አብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ክንዲ ዘገልግሉ ዝጀሃሩ ንጃህራ ጥራይ ዝነብሩ ምዃኖም ብጣዕሚ የሕዝን፣ እንክብሉ ምስ አተምሃሩ፣ መዓርገ ጵጵስና ናይ ግሊ ጉዳይ ወይ ብተናጸል ዝውፈ አገልግሎት ዘይኮነስ ምስ ካል ኦት ጳጳሳትን ካህናትካን ዲያቆናትካን ም እመናንካን ሓደ ብምዃን ምስ ር.ሊ.ጳ ብምሕባር ዝወሃብ አገልግሎት ምዃኑ ምዝንጋዕ ከምዘየድሊ እውን ከምቲ ክርስቶስ ንሓዋርያት ብሓባር ክጐዓዙ ጐይታ ዝመረጾም አቡናት እውን ከማኡ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፣
ጳጳሳት እውን እንተኾነ ሓደ ማኅበር ኢዮም ዘቍሙ ምስቲ ናይዚ ማኅበር እዚ ውህደትን ሱታፌን ሓላውን ዋሕስን ዝኾነ ር.ሊ.ጳ ዙርያ ኮይኖም ብኅብረት ከገልግሉ አለዎም፣ እዚ ኢዩ አብ ልቢ ኢየሱስን ሓዋርያቱን ዝነበረ ሓሳብ፣ ጳጳሳት ምስ ር.ሊ.ጳ ኃቢሮም በዚ ሓድነትዚ ክጐዓዙን ንም እመናኖምን ንቤተ ክርስትያንን ብዝበለጸ ንኸገግሉ ክጽዕሩ ክትርእን ክንደይ ደስ ዘብል ጸቡቅ ነገር ይመስለኩም፣ ከም አብነት ከአ አብዚ ዚሓለፈ ወርኂ ዝተዛዘመ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ዝተአከቡ ጳጳሳት ብኃባር ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጸገማት መጓሲኦም ምስ ር.ሊ.ጳ ኃቢሮም ክዝትዩን ክጽልዩን ክትርኢ ባህታ ዝፈጥርን አብ ርእሲ ምዃኑ ጵጵስና ዓቢ ውህበት ምዃኑ እውን ትግንዘብ ቢሎም፣
ምእመናንን ዲያቆናትን ካህናትን ምስ አቡኖም ሓደ ዘይኮንዋ ቤተ ክርስትያን አይጥዕይትን ኢያ፣ በዚ ከአ ኢዩ ኢየሱስ ናይ ም እመናን ናይ ጳጳስን ሓድነት ዝደለ ከማኡ እውን ናይ ዲያቆናትን ካህናትን ምስ አቡኖም ሓድነት ክህልዎም ዝደለ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.