2014-11-06 16:35:06

መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቶሪኖ


RealAudioMP3 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ 2015 ዓ.ም. ንኣምልዀ ኣብ ቶሪኖ ርእሰ ሰበካ ዝተዓቀበ ቅዱስ መግነዝ (ከፈን) ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ቶሪኖ ዝተወልደ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ዝኽሪ መበል 200 ዓመቱ ንምብዓል ምኽንያት ኣብ ከተማ ቶሪኖ ሓዋርያዊ ዑደት ክካይዱ ምዃኖም ዕለት 5 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ከምዝሓበሩን ድሕሪ ፍጻሜ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ናይ ቶሪኖ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያን ናይታ ከተማ ከንቲባ ፒየሮ ፋሲኖን ካልኦት ናይ ክፍለ ሃገር ፒዮሞንተ ቤት ምሕደራ ኣባላትን ላዕለዎት ኣካላትን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን እታ ክፍለ ሃገር ኢጣሊያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእንጋድን መበል 200 ዓመት ልደት ቅዱስ ዶን ቦስኮን ንምብዓል ድሮ ኣብ ዓቢይ ምቅርራባት ክምእትርከብ ናይ ኢጣሊያ ዝተፈላለያ ዕለታዊ ጋዜጣታት ይሕብራ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 24 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ መግነዝ የዕይንቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ህሙማንን መንእሰያትን ክዀና ንምስትንታንን ንምጽላይን ባዕሎም ቅዱስ መግነዝ ኣብ ቅድሚ ህሙማንን መንእሰያትን ብዝብል ሓሳብ ክሰናደው ዝጠለብዎ ቅዱስ መደብ ክኸውን እንከሎ ዕለት 21 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ መዕጸዊ መደብ ክሳታፉ ምዃኖም ባዕሎም ዕለት 5 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ፍጻሜ ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ናይ ቶሪኖ ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ንናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መግነዝ ኣምልዀን ስግደትን ብዙሓት ምእመንና መንፈሳዊ ንግደት ዝፍጽሙ ምዃኖም ገሊጾም ብፍላይ ድማ ቅዱስ ኣቦና ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ኰይኖም ክርከቡ ብሓቂ ንዝፍጸም መንፈሳዊ ንገደት ዘተባብዕን መሠረታዊ ትርጉሙ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፦ “ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ኣቦን መምህርን ዓርክን መንእሰያት እዩ። ሎሚ እውን እቲ ንሱ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሎ መንፈሳዊ ዕላማ ብማሕበር ደቂ ዶን ቦስኮ ይቕጽል ከምዘሎን ንመንእሰያት ምስ መንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ተዋፊሮም ይምስክርዎ ኣለዉ። ከተማን ርእሰ ሰበኻ ቶሪኖ ነዞም ዓበይቲ መንፈሳዊ መርሃ ግብርታት ትሰናደው ኣላ። እዚ ዅሉ ነታ ከተማን ምእመናን ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ” ኢሎም።
ነቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ 21 ሰነ 2014 ዓ.ም. ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ መደብ መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ዝሳተፉ ህሙማን ኣብ ቶሪኖም ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ማርያ ኣደላይደ ክእንገዱ ምዃኖምን ተሳተፍቲ መንእሰያት ድማ ብዝተፈላለያ ቁምስናታት ናይ ርእሰ ሰበኻ ቶሪኖ እንገዳ ክግበረሎም ከምዝኾኑ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣንቶነላ ፓሌርሞ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣመልኪተን ካብ ዘመሓላለፍኦ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መደብ ብዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕታትን መንፈሳዊ መደባትን ዝተሰነየ ከምዝኸውንን ተሳተፍቲ ምእመናን ካብ ኢጣሊያን ወጻእን ዝመጹ ምዃኖም ሓቢረን፣ እቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይቲ መደብ ቀንደይና ተሳተፍቲ ከምዝኾኑን እቶ ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ነጻሊ ባህሊ በአንጋዲ ባህሊ ክትካእን ቤተ ክርስትያን ከምታ ኣብ ዓውደ ውግእ እትርከብ ቤት ሕክምና ክትከውን ቅዱስ ኣቦና ንዝበልዎ ንጹር መንነት ቤተ ክርስቲያን ዘንጸባርቕ ኵነት ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ናይ ቶሪኒ ሰበኻ ብትሕትና ብቓልን ሕይወትን ንምንባር ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተተርጒይሙ ይመሓላለፍ ምህላዉ ብፁዕነቶም ሓቢሮም፣ ወንጌላዊ ሃሴት’ እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰበኻታትን ቁምስናታትን መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል መሰረት ምዃና ገሊጾም፣ እዚ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኵሎም ልኡካነ ወንጌል ክልወጡ ዘነቓቕሕን ወንጌላዊ ሕጉስ ሕይወት ምስ ዝነብሩ ወንጌላዊ ሃሴት ከበስሩ ይኽእሉ ቢሎም፣ ናይ ቅዱስ መግነዝ ዓቃቢ ምዃን ብሓቂ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ፣ ናይ ቶሪኖ ሰበኻ ናይ ስቓየ ኢየሱስ ክርስቶስ እትምስክር ቤተ ክርስቲያን ዝተነብረሉ እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ፍጹም ፍቕሪ እግዚኣብሔር እትምስክርን ናይ ፍቕሪ እቲ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ባህሊ ናይ ስልጣኔ መሰረት ክኸውን ቤተ ክርስቲያን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ እተቃልሕዎ ፍጹም ፍቕሪ ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣብ ዘካየድዎ ቃስለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እቲ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ “እነሆ ፍጹም ፍቕሪ” ብዝብል ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፣ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ኣስተንትኖ ንዝሞተ ምፍጻም ዘይኰነስ ኣስተንትኖ ንህያውነት እዩ። ኣንሕና ዘይኰንና ነቲ ቅዱስ መግነዝ እንጥምት እቲ ኣብቲ ቅዱስ መግነዝ ብተኣምራት ተሓቲሙ ዝተነብረ መልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝጥምተና። ንሱ እዩ የዕይንቱ ኣባና ዘገብር። ብርግጽ ስነ ምርምር መልሲ ዘይሃበሉ እውን እንተዀነ እቲ ቅዱስ መግነዝ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ንሱ እዩ። ስነ ምርምር ዝሃቦ ርግጸይናነት እውን እንተዘየለ ብናይ እምነት ርግጸይናነት ኢና ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ እንርከብ፣ እቲ ሕይወት ዝህብ ፍቕሪ ዝምስክር ቅዱስ መግነዝ እዩ። ፍጹም ፍቕሪ ዝጽግው ፍቕሪ ንበር ዝብል ተልእኾ ድማ የልብስ” እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
ናይ ከተማ ቶሪኖ ከንቲባ ፒየሮ ፋሲኖ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እታ መንእሰይ እንከለዉ ዝፈልጥዋ ከተማ ቶሪኖ ብዙሕ ለወጢ ዘለዋ ኰይና ክረኽብዋ እዮም። ከተማ ቶሪኖ መግለጺ ሕብረኣውነት እያ፣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ከተማ ቶሪኒ 17 ሚእታዊ ወጻእተይና እዩ፣ ስለዚህ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ዘተባብዕን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕን ዘበራብርን እውን ከምዝኸውን እምነተይ እዩ” ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.