2014-11-04 16:06:38

ኢጣሊያ፦ ናይ መላእ ኢጣሊያ መንፈሳዊ ማሕበራት ኣሕሉቕ ጉባኤ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ዝኣወጅዎ ናይ መናንያንንን ገዳማውያንን ዓመት ቅድሚ ዝጅመረሉ ዕለት 7 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ቅድም ኣቢሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ መንፈሳውን መናንያንን ገዳማውያን ማሕበራት የሕሉቕ ጉባኤ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ቲቮሊ ዕለት 7 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ዝጠቓለል መበል 54 ጠቕላይ ኣኼባኡ ዕለት 3 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ከምዝጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ካብ መላእ ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ናይ ኩለን መንፈሳዊ ማሕበራት ኣብ ክፍለ ሃገራት ኢጣሊያ ብጠቕላላ 103 የሕሉቕ ይሳተፉ ከምዘለዉን ናይቲ ኣኼባ መሠረት ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ወንጌላዊ ሃሴት እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ከምዝኸነን ናይቲ ጉባኤ መርሕ ቃል ድማ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾን ሕይወት መናንያንን (ገዳማውያንን ናይ መፍነሳዊ ማሕበራት ኣባላትን) ሓዋርያዊት መልእክት ወንጌላዊ ሃሴትን” ዝብል ምዃኑ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ ዕለት 7 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ናይቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጹ፣ እቲ ናይ መላእ ኢጣሊያ ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ኣሕሉቕ ቤት ምኽሪ ኣብ 1960 ዓ.ም. ጳጳሳዊ መሰልን ክብርን ለበስ ኰይኑ ተፈላጥነት ረኺቡ ዝቖመን ምኳኑ ኣዘኻኺሩ እቲ ናይ ቲቮሊ ጉባኤ ኣስፍሆተ ወንጌልን ምትሕብባርን ምንቕቓሕ መናኒ ሕይወትን ሕጋውነትን ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ዝዝትይ ከምዝኾነ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.