2014-11-04 16:00:25

ምንቁልቋል ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ዓለም፦ ስደት ማሕበረ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ዓለም ኣማእኪሉ ዘካየዶ መጽናዕቲ ዕለት 3 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ንንባብ ከምዝበቕዔ እንክሕበር እቲ ሰነድ ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣዚዩ የንቆልቁል ከምዘሎን ብፍላይ ድማ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ብዙሕ ከባቢ ዓለም ንስደትን መከራን ተቓሊዑን ኣብ ገዝእ ሃገሩ እውን ኣደዳ ኣድልዎን ዓመጽን ኵይኑ ከምዝርከብ የመልክት።
ኣብ 196 ሃገራት ዓለም ኵነት ናይ ሃይማኖቶ ነጻነት እንታይ ይመስል ኣማእኪሉ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝሓቁፍ ሰነድ ከምዝሕብሮ ኣብ 81 ሓገራት ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሰናኽል ከምዘጋጥሞን ኣብ 20 ሃገራት ድም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝበሃል ከምዘየለን ብሓፈሻኡ ብዅር ከምዝዀነን ስለዚህ ሃይማኖትካ ምንባርን ናይ ኣምልዀን ስግደት ነጻነት ጠሪሹ ዘይሕሰብን ክልኩል ምዃኑን፣ ኣብ ዓለም እዚዩ ናይ ሃይማኖት ነጻነቱ መሰሉን ዘይኽበረሉ ድማ ማሕበረ ክርስቲያን ከምዝኾነን ብፍላይ ድማ ኣብተን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝዀነለን ሃገራት ብኹለ መዳይ ከም ካልኣይ ዜጋ ዝሕሰብን ኪድ ኣይትበሎ ከምዝኸይድ ግብሮ ዝዓይነቱ ተግባራት ኣብ ልዕሊኡ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ከምዝኾነን ኣብ ምዕራብ ዓለም ድማ እምነት ክርስትና ኣብ ውልቃዊ መዳይ ክንበርን ካብ ማሕበራዊ ናብራ ክንጸል ዝድርኽ ዝተፈላለየ ጸቕጥታት ከምዘጋጥም ዝሓበረ ሰነድ ኣስዒቡ ኣብ ዓለም ጸረ ሴማዊ ተግባራት ከምዝረአይን፣ ብዙሓት ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ በቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ንስደትን መከራን ከምዝቃልዑ እውን የመልክት።
ኣብ ኢጣሊያ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ጨንፍር ቃል ውሃቢት ማራታ ፐርትሮሲሎ ኣብቲ ሰነድ ኣመርኵይዘን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፦ “ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት እናንቆልቆለ ይኸይድ ከምዘሎ እቲ ናይ 2014 ዓ.ም. ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ዝሕብሮ እውን እንተዀነ ሓደሽ ኣይኰነን ካብ ብዙሕ ዓመታት ንነጀው ዝረአይ ምዃኑ እቲ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ብተደጋጋሚ ዝሕብሮ ዝነበረ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘይኽበር ክኸውን እንከሎ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ድማ ሃይማኖትካ ምንባር ንዓምጽን ስደትን ክሳብ ንሞት ዝዳርግ ኰይኑ ብሓፈሻኡ ኣብ ዓለም ምስቲ ካባኻ ብባህልን ሃይማኖትን ቋንቋን ዓሌትን ዝተፈለየ ተሰማሚዕካን ተቐባቢልካን ንናይ ምንባር ክቡር ዋጋ ነኸንቆልቁል ይድርኾ እውን ኣሎ። ጸረ ብዙህነት ማለት ጸረ ህብረኣውነት እዚዩ ይሰፍሕ ኣሎ። ማሕበረ ክርስቲያን ውሑድ ክፍሊ ሕብረተብ ብምዃኑ ብኣድልዎ ዝሳቐይ ተጸቒጡ ከም ካልኣይ ዜጋ ክነብር ከምዝግደድ እውን ሓቢረን። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንኣብነት ኣብቲ ንዘመናት ዝነብርሉ ከባቢ ናይ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣደዳ ኰይኑ ንስደት ይዳረግ ከምዘሎን ኣብ ኤውሮጳ ብሓፈሻኡ ኣብ ምዕራብ ዓለም ጸረ ሴማዊ ተግባር ብተደጋጋሚ ከምዝረአይን ብዙሕ ግዜ ምስቲ ክሳብ ሕጂ መፍትሒ ዘይረኸበ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤም ግጭት ዝተተሓዘ ምኽንያት ዘለዎ ኰይኑ ይርከብ” ቢለን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምሉእ ብምሉእ ክኽበርን ኩሉ ሃይማኖቱ ብውልቅን ብማሕበራዊ መዳይ ክነብሮ ዝግበር ጻዕሪ ካብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተን ርክብን ከምኡ እውን ብሽም ሃይማኖት ዝፍጸም ዓመጽን በደልን ናይ ሃይማኖት ኣኽረርቲ ዝፍጽምዎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብምውጋዝ ዝተባባዕ ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ጠቒሰን ዘካይድኦ ቃል መሕትት ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.