2014-11-04 15:53:25

ሓድሽ ሕጊ ናይ ሰራዊተ ክርስቶስ መንፈሳዊ ማሕበር


RealAudioMP3 ብውሳኔ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ማሕበር ሰራዊተ ክርስቶስ ተኸሲቱ ንዝነበረ ውሽጣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ኣሚቶም ብዘበገስዎ ናይ ሕዳሴ ውሳኔ መሠረትን ካብ 2006 ዓ.ም. ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ መስራትን ሓለቓ ዝነበሩ ማርሲያል ማሴል ካብቲ ማሕበር ክውገዱ ገይሮም ዘተኣታተውዎ ጎዳና ሕዳሴን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስዒቦም ብልኡኻቶምን ባዕሎምን ነቲ ማሕበር ብቐረባ ድሕሪ ምክትታል ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት በቲ ማሕበር ዝረቐቐ ሓድሽ ናይ ማሕበር ሕጊ ቅድስቲ መንበር ከምዘጽደቐቶ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።
ብዛዕባ እዚ ዝተውሃበ ዜና ኣደጊፎም ናይ ሰራዊተ ክርስቶስ ማሕበር ወሃቢ ቃል ኣባ ቤንጃሚን ክላሪዮንድ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ እቲ ህያብ መፍነስ ቅዱስ ዝኾነ ማሕበር ሰራዊተ ክርስቶስ ከመይ ንምርዳእን እቲ በቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ኣቢሉ ንሕዝበ እግዚአብሔርን ቤተ ክርስቲያንን መንፈስ ቅዱስ ዝዓደላ ጸጋ ኣብ ግብሪ ከውዕል እቲ ማሕበርን ኣባላቱን ተሓዲሶም ጸዋዕታኦም ንኽነብሩ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ኩሎም ካብ ዘቕረብዎ ሓሳብን ርእይቶን ብውሳኔ ቅድስቲ መንበርን ዝተተባብዐ እዩ ኢሎም እቲ ሕዳሴ ካብዝን ብዓብዩ ድማ ካብ ጸሎትን ዝተወልደ ምዃኑ ሓቢሮም።
እቲ ናይቲ ማሕበር መንፍሳዊ ዕላማ እናማዕበልካ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ናይቲ ማሕበር ኣካይዳን ምሕደራን እውን ምስቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ዝሰማማዕን ነዚ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ዝእዘዝ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እቲ ናይቲ ማሕበር ቤት ምሕደራን ቤት ምኽሪ ኣሕልቁን ናይ መርሕነት ስልጣን ክኸውን እንከሎ ናይ ኩሉ ሱታፌ ዝንበሮ ክኸውን ድማ እቲ ሓድሽ ሕጊ ዝእዝዞ እዩ። ኣብቲ ማሕበር ኣበ ነፍሳት ኰይኖም ዘገልግሉ ብናይቲ ማሕበር ኣባላት ብግሎም ዝመርጽዎም ካብቲ ናይቲ ማሕበር ሓለቓን ናይቲ ማሕበር ኣባይቲ ኣሕሉቕ ዝተፈለየ ኣካል ክኸውን ኣለዎ ዝብል ውሳኔ እውን ኣብቲ ሓድሽ ሕጊ ሰፊሩ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ስለዚህ ናይ ሕልና ነጻነት ዘረጋግጽ ውሳኔ ዝሰፈሮ ምዃኑ ኣረዲኦም።
እቲ ማሕበርን ኣባላቱን ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ተመክሮ ገይሮም እዮም፣ ስለዚህ እቲ ዝተመከርዎ ምሕረት እግዚኣብሔር ከካፍልዎን ክነብርዎን በቲ ናይቲ ማሕበር ሓድሽ ሕጊ ተደጊፎም ድማ ከምታ ሓንቲ ስድራ ኣቦ ኣብ ኣቦነት ጸዋዕታኡ ክበኩር እንከሎ እታ ኣደ ናይታ ስድራ ዓንዲ ኰይና ከምተኸናኸናን እተዕብያን ከምኡ ድማ ማሕበር ሰራዊተ ክርስቶስ ኣቦ ዝቦኸሮም እውን እንተዀኑ ቤተ ክስቲያን ንቕድሚት ክስጉሙን ክምእተዕብዮምን ዝተቐበልዎ መንፍሳዊ ጸጋ መንፍስ ቅዱስ ክነብሩ ስለ እትድግፎም ተሓዲሶም ክጓዓዙ ኣብቂዓቶምን ብቐጻሊ እውን ከምተሰንዮም ዘረጋግጽ ተሓድሶ ዝረጋግጽ እዩ እንክብሉ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.