2014-11-01 16:04:36

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ፍቅሪ ኣብ ሕጊ ምጥባቕ ዘይኰነስ ናብ ተስፋ መዓጹ ዘርህው እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 31 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንገሆ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፦ ኣብ ሕጊ ዝተጣብቀ ክርስቲያን ዘንጋዒ ፍትሒ ይኸውን፣ ኣብ ፍቅሪ ዝኣምን ምስ ፍቅሪ ምትእስሳር ዘለዎ ምስ ዝኸውን ግና ነቲ ሕጊ ምልኣት ፍጻሜ የጸግዎ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጵስዩስ ምዕ. 1 ካብ 1-11ን ከምኡ ድማ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 14 ካብ 1-6 ኣሞርኲይዞም ብፍላይ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተመልኪቱ ዘሎ ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ብሰንበት መዓልቲ ምፍዋስ ሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን እንክብሉ ይሓቶም ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ ኢየሱስ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝሓመመ ሰብኣይ ብኢዱ ሒዙን ኣሕወዮን ከምዚ ብምግባሩ ድማ ነቶም ፈሪሳውያን ኣብ ቅድሚ ሓቂ ደው ክብሉ ገበሮም፣ ንሳቶም ግን የስቅጡ ኣብ ቅድሚኡ ዘይኰነስ ብድሕሪኡ ሕሹኽ ሹኽ እናበሃሃሉ ድማ ይሓምይዎ፣ ከመይ ገይሮም ኣብ መጻወድያ ከምዘእትውዎ ድማ ይመኸሩ፣ እዞም ሕዝቢ እዚኣቶም ኣመና ኣብ ሕጊ ስለ ዝተጣብቁ ድማ ፍትሒ ዘንጊዖም ይነብሩ ነበሩ፣ ኵሉመናኦም ንቤተ መቕደስ ዘወፈና ኢና ቢሎም ድማ ብሰንበት መዓልቲ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዳቶም እውን ካብ ምሕጋዝም ይቦኽሩ፣ ፈጸምቲ ሕጊ። እቲ ዝዓበየ ሕጊ እቲ ኣብ ዓስርቱ ቃላት ተጻሒፉ ዘሎ ራብዓይ ትእዛዝ ድዩ ወይ ከኣ ቤተ መቕደስ፣ እቲ ኣብ ሕጊ ተጣቢቕካ ምንባር ካብ ፍቕርን ፍትሕን የርሕቕ፣ ንሕጊ ብጥንቅቔ ይከናከኑ፣ ንፍትሒ ግና ደንጐይትን ዝዘንግዑን ይዀኑ፣ እዚኣቶም ድማ ከም ኣብነት ዝሕሰቡ ከም ኣብነት ዝግለጹ ሰብ ሕግን መምሃራንን ፈሪሳውያንን እያቶም ዝነበሩ፣ ነዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት ግና ኢየሱስ ብሓቲ ቃል ጥራሕ ይገልጾም ‘ምስሉያት’ ብዙሓት ከእምኑ ናብ ኩሉ ስፍራ ይኸዱ ደሓር ግና መዓጹ ዝዓጽዉ፣ ኣብ ሕጊ ዝተጣብቁ ዕጹዋት ሰባት፣ ኣብ ቃል ሕጊ እምበር ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ዝዀነ ንሱ ድማ ፍቕሪ ዘይተጣብቁ እይቶም። በኸምዚ ዓይነት ሕይወት ድማ መዓጽዎም ንተስፋን ፍቕርን ድሕነት ይዓጽዉ፣ መዓጹ ምዕጻው ጥራሕ ዝፈልጡ ሰባት እያቶም” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ንሕጊ እሙን ኰይንካ ምንባር ንፍትሕን ፍቕርን ሸለል ዘይምባል ከምዝሓትት ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጵስዩስ ኣመርኲይዞም ድማ፦ “እታ ኢየሱስ ዝሕብረናን ዘስተምህረናን መገዲ እቶም ናይ ሕጊ ሊቃውንቲ ንዘቕርቡልና መገዲ ዝጻረር እዩ። መገዲ ኢየሱስ እቲ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ መገዲ ፍቕርን ፍትሕ እዩ፣ እቶም ናይ ሕጊ መምሃራን ዘቕርብዎ መገዲ ግና ናብ ሕጊ ምጥባቕን መዓጹ ምዕጻውን ዝመርሕ እዩ፣ ናብ ዕጽዉነትን ንኣይነትን ዝመርሕ እዩ። እታ መገዲ ፍቕርን ፍትሕን ናብ እውነተይና ፍልጠትን ልልያን ናብ ምልኣትን ናብ ቅድስና ናብ ድሕነትን ምስ ኢየሱስ ንምርኻብ እታ ተጻይ መገዲ ድማ ቅኑዕ ኰይኑ ናብ ዘስምዓካ ትዕቢትን ኣነነትን ደጋዊ ቅድስንና ምስሉይነትን እትመርሕ እያ ነዞም ኣብ ምስሉይነት ጐደና ዝመላለሱ ኢየሱስ ይብሎም ‘ጻድቃናትን ቅዱሳትን ኰይንኩም ክትረኣዩ ተደልዩ፣ ጸለይትን ጾመውትን ተመሲልኩም ትረኣዩ’ እምበኣርከስ እዚኣቶም ንዝብልዎ እምበር ንዝገብርዎ ከይንስዕብ ድማ ኢየሱስ ይምዕድንና” ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ክልተ መገዲ ከምዘሎን ኢየሱስ ብዝፍጽሞ ተራ ዝኾነ ምልክታ ኣቢሉ ድማ ንዞም ክልተ መገዲታት ከነስተውዕል ከምዝድግፈናን፣ እታ ናይ ፍቅርን ናብ ምልኣት ፍልጠትን ልልያን እትመርሕ መገዲ ድማ ኣነጺሩ ከምዝሕብርና እንክገልጹ፦ “ኢየሱስ ይቐርበና እቲ ናባና ምቕራቡ ድማ ኣብ ትኽክለይና መገዲ ዲና ወይ ኣብ ጉጉይ መገዲ ንጓዓዝ ከምዘለና ዘነጽር ምቕራብ እዩ። እታ መገዲ ኢየሱስ እግዚኣብሔር ንምድሓንና ዝሐረዮ መገዲ እዩ። ኢየሱስ ይቐርበና ትስብእት ስጋ ለበሰ’ ትስብእቲ እታ እውነተይና ትእምርቲ ፍትሒ እያ። ኣንሕና መታን ምስ ብጻይና ሓደ ክንከውን ንሱ ሓደ ከማና ኰነ፣ እንሕና መታን ንብጻይና ቀረባ ጥራሕ ዘይኰነስ ንዓኡ መታን ክንመስል ልክዕ ከምቶም ሓገዝናን ደገፍናን ዘድልዮም ኰነ። እዚኣ ድማ እታ ናይ ፍቅርን ሓቅን ናይ ፍትሕን መገዲ እያ” ቢሎም ናይ ኢየሱስ ስጋ እቲ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሓናን ዘቕርበናን ድልድል ከምዝዀነን ብሕጊ ዘይኰነስ በቲ ምልኣት ሕጊ ዝዀነ በቲ ዝሳቐ ስጋዌ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ናብ እግዚኣብሔር ከምእንቐርብን ሓቢሮም፣ ምስሉይነት ክንደይ የሕዝን ክንደይ ከ የጽልእ፣ ጐይታ ኢየሱስ ካብ ምስሉይነት የድሕነና እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.