2014-10-28 16:23:12

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት


RealAudioMP3 ጳጳሳዊ ናይ ፍታሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ዘነቓቕሖ ናይ መላእ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ጉባኤ ኣብ ሮማ ይካይድ ከምዘሎ ክምልክት እንከሎ። ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣመልኪቶም ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕዝባውያን ኤኮኖሚ ሰራሕተይናታት ማሕበር ኣቦ መንበር ዅዋን ግራቦይስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ እዚ ዓይነት ዓውደ ጉባኤ ብቤተ ክርስቲያን ዝተደገፈን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝልግስዎ ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ዝነተቓቕሔን እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ማለት ናይ ሓረስቶት ናይ ሰራትሕተይናታት ዝኣመሰሉ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣለዉ። ገሊኦም ብማሕበር ክጠራነፉ ዝበቕዑ ገሊኣቶም ድማ ብድኽነትን ሰኣን ስሩዕ ትሕቲ ቅርጺ ውዳቤ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ ዘይረኸቡን እቶም ብዘይ ውሕስነትን ምንም ዓይነት ውዕሊ ኣብ ስራሕ ዓለም ዝተዋፈሩ ዝምዝምዙ ዜጋታት እውን ከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም፣ ብሓቂ በቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ተመሪሑ መፍትሒ ዘናድይን በቲ ትምህርቲ ንኽምራሕ ዘብቕዕ መገዲ ዘለልይ እውን እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝሳተፉ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቛም ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሳንቸስ ሶሮንዶ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዘመሓላልፍዎ ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ኣቢሎም ኣብ ዓለም ዝረአይ ሰብኣውን ማሕበራውን ሽግር ኩሉ ንምፍታሕ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ጸገም መንቀሊኡ ንኽልለይ ዝመርሕን መንቀሊኡ ምስ ኣለለኻ ጥርሕ እዩ ርጉጽ መፍትሒ ክርከብ ዝኽእል ብምዃኑ ድማ እቶም ኣብ ዓለም ዝረአዩ ሕዝባውያን ማሕበራት እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገም ሸለል ከይበሃል ኣብ እንነብረሉ ዓለም ጭቡጥ ኩነት ምዃኑ እናሐበረ ማሕበራውን ሰብኣውን መፍትሒኡ ክረጋግጽ ዝድግፍ ሓይሊ ዘለዎ እዩ። ነቲ ሽግር ብናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርት ገጢምካ መፍትሒኡ ምሕባርን፣ ኣብ ኩለን ቁምስናታትን ሰበኻታትን ንናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝዓዪ ብዛዕባ እዚ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዓሙይቕ ኣፍልጦ ዘለዎ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ክህሉ ምትብባዕ የድሊ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃል መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.