2014-10-28 16:28:11

ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ናይ ኤውሮጳ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ


RealAudioMP3 ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብያቲ ምኽሪ ብዝሓቑፍ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ዝጥርነፍ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ኡክራይን ብናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲኢያን ዝተዳለወን ናይ ኪየቭን ሃልየ ክቡርነቶም ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ዝጸውዕዎ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዝተጀመረ ጉባኤ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ብዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ ክምእተዛዘመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ኡክራይን ከተማ ለኦፖሊ፦ “ተልእኾን ግደን ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ኣብ ኤውሮጳ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ 20 ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ 45 ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ከምእተሳተፉን ክቡርነቶም ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሸቭቹክ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ጉባኤ እታ ኣብ ኡክራይን እትርከብ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝረኸበትሉ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ እዋን ዝካይድ ብምዃኑ ድርብ ትርጉም ዘለዎን ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘንጸባርቕ እዩ እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩን ኣብ ኡክራይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ኤድዋርድ ጉሊክሶን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣነ ልኡኾም እውን ተልእኾን ግደብ ምስራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ኣገዳሲ ምዃኑ እንኣምነሉ ሃብቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ ከምዝበሉን ኣብ ኡክራይን ለኦፖሊ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማይዝይስላቭ ሞክዝይቺክ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ንተጋብእያን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣስሚዖም ከምዘነበሩ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ እቲ ጉባኤ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ብዘውጸኦ ናይ ሓባር ናይ መግለጺ ሰነድ ከምእተዛዘመ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኡክራይንን ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ክወርድ ኩሉ ኣብ ናይ ሰላምን ዕርቅን ጎዳና ክዓዪ ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብፁዓን ጳጳሳት ኣተሓሳሲቦም ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ ምእመናነን ክጓስያ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኾኤን መሰልን ግቡኤን ክመዝኾነን፣ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓቅን ፍቕርን ብዘረጋግጽዎ ውህደት ምስ መንበረ ጴጥሮስ ኣቢሎም ምእመናኖምን ወሉደ ክህነትን ክናብዩ ሓዋርያዊ ሓላፊነት ከምዘለዎምን ኣብ ኤውሮጳ ዝሰፍሕ ዘሎ ነቲ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዝሓክሕ ባህሊ ብብቕዓት ዝብድህ ምስንዳውን ምቅራርብ ዘለዎ ኣገዳስነስት ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.