2014-10-28 16:14:29

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ደቂ እግዚኣብሔር ምስ ምዃንና ዝሰማማዕ ቃልን ተግባርን ይሃልወና


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣለዳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 27 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኩሉ ናይ ብርሃን ክርስቲያን ድዩ ወይ ከኣ ናይ ጸላም ክርስቲያንን ደባን ክርስቲያን? ኣብ ዝብል ሕቶ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓት ዝተነበ ቀዳማይ ናይ ዕለቱ ምንባብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ምዕ. 4 ፍቕዲ 32 ምዕ. 5 ፍቕዲ 8፣ አሞርኲይዞም ብኽርስቶስ ብርሃን ኴይናን ኢና ቢሎም፦ “ደቂ ጸልማት ምዃን ዘረጋግጹ ኣርባዕተ ቃላት ኣለዉ። ምስሉይነት፣ ምስ ኩሉ ንምስምማዕ እናተባህለ ሓንሳብ ምስቲ ደሓሪ ምስቲ ሓደ እናተለዋወጥካ ምንባር እታ ካልኤይቲ ቃል ድማ መሰረተ ኣልቦነት ሳልሰይቲ ድማ ናይ ዓለም ምዃን ኣትብልን ራብዔይቲ ቃል ድማ ምምርሳሕ ዝብላ ኢየን። እዘን ኣርባዕተ ቃላት ደቂ ብርሃን ዘይምዃን ዘረጋግጻ። ስለምታይ ካብ መንፈስ ቅዱስን ካብ ኢየሱስ ዝነቕላ ቃላት ስለ ዘይኰና። ስለዚህ እተን ኣርባዕተ ቃላት ንነብር እንተድኣ ኰይና ደቂ ብርሃን ኣይኰናን ማለት እዩ” እቶም ደቂ እግዚኣብሔር ዘብሉና ቃላትን ኣብ ጉዕዞ ቅድስና ከምዘሎና ዝሕብሩ ቃላት ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝብሎ፦ “ንእግዚኣብሔር ምምሳል፣ ኣብ ጐደና ፍቕሪ ምርኻብን፣ ለውሃትን፣ መሓሪ ምዃንን ይቕረ ምባልን፣ እወ እዚኣቶም እዮም ደቂ ብርሃን ምዃንና ዘረጋግጹ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዝተዀልዑን ኣብ ገጾም ብርሃን ዝረአዮም ክርስቲያን ከምዘለዉን እዚኣቶም ድማ በቲ ብርሃን ተዀሊዖም ንጐይታ ዘገልግሉ ከምዝኾኑን ካልኦት ድማ ክርስቲያን ክነሶም ጽላም ዝዓሰሎም ኣብ ሕይወት ሓጢኣት ዝመላለሱን ካብ ጐይታ ኣብ ዝረሓቐ ኩነትን ሕይወትን ዝርከቡን ናይቲ ናይ መንፈስ ክፍኣት ማለት፦ ምስሉይነት፣ ምስ ኩሉ ንምስምማዕ እናተባህለ ሓንሳብ ምስቲ ደሓሪ ምስቲ ሓደ እናተለዋወጥካ ምንባርን መሰረተ ኣልቦነትን ናይ ዓለም ምዃንን፣ ምምርሳሕ ዝብላ ቃላት ዝነብሩ እያቶም” እንክብሉ ገሊጾም ካልኦት ድማ ዘይ ውዑይን ዘይዝሑሉን ዝዀኑ ዘይብሩሃትን ዘይጸልማትን ዝዀኑ ክርስቲያን ከምዘለዉ እንክትንትኑ፦ “ዘይ ጸላም ዘይብርሃን እዚ ድማ ደባን ምዃን ማለት እዩ። ሓንሳብ ኣብ ብርሃን ደሓር ድማ ኣብ ጸላም ዝዀኑን ምስ እግዚኣብሔር ጽቡቕ ዝርከቡ ምልስ ቢሎም ድማ ምስ መንፈስ ክፍኣት ጽቡቕ ዝስምዖም፣ ስለዚህ ደባናት፣ ዝርእዩኻ ሰባት ድማ ሓንሳብ ኣብ ብርሃን ደሓር ድማ ኣብ ጸላም እትረኽቦም እንያይ ዓይነት ሰብ እዩ እንክብሉ ይገልጹኻ። ነዞም ደባናት ሓደ እግሮም ምስ እግዚኣብሔር እቲ ሓደ እግሮም ድማ ኣብ ሰይጣን ዘንብሩ እግዚኣብሔር ኣየፍቕሮምን እያቶም። ኣብ ዮሓንስ ራእይ ከምእነንብቦ ድማ ‘ዘይውዑን ዘይዝሑል ዝሁም ወይ ድማ ለበጥ ዝበልካ ኢኻ፣ ውዑይ ወይ ድማ ዝሑል ምዃን ምሓሸካ፣ ስለዚህ ዝሁም ብምዃንካ ክተፍኣካ እየ’ ዝብል ጽሑፍ ንረክብ፣ እወ ክርስቲያን እየ ዘይተጋነ ክርስትና እየ ዝነብር፣ ንብል ንኸውን እዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ክርስቲያን ዝህብዎ ምስክርነት ግና ዘደናግርን ምድንጋራት ዘተኣታትው እዩ” ካብዚ ከምዚ ዓይነት ክርስትና ድማ የድሕነና” ምስ በሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ፦ “ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ናይ ብርሃን ክርስቲያን ድየ ወይ ናይ ጸላም ክርስቲያን ደባን ክርስትያን ድየ ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት፣ ናይ ሕልና መርመራ ንግበር፣ ናይ ብርሃን ክርስቲያን ኴይናን ምስ ጐይታ ንቕድሚቲ ንበል ሓደራ” ብዝብል ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.