2014-10-28 16:20:30

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበር ዓለም ሓቆፍ መናግፍቲ ርዅስ መንፈስ


RealAudioMP3 እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም. ናይ ካህናት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝሃበሉ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር መናግፍቲ ርዅስ መንፈስ ኣብ ሮማ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ የካይድ ከምዘሎ እንክሕበር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ምልእኽቲ ከምዘመፍሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።
ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ 300 ተጋባእያን ይሳተፉ ከምዘለዉን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ስሒራውነትን ሰይጣን ዘምልኽ ሃይማኖትን ባዕዳውያን ልምድታት ምስቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህልን ልምድን ብምትሕንፋጽ ድዩ ወይ ድማ ነቲ ናትካ ብምንዓቕ እናተቐበልካ ምስቲ ናትካ እናተሓናፈጽካ ዝንበር ዓይነት ሃይማኖት ይሰፍሕ ከምዘሎን እዚ ድማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ብዕምቆት መምዩ ዝዝትየሉ ከምዝዀነን ብፍላይ እቲ እምነት ክርስትና ምስቲ ዘይክርስትያናዊ ዝኾነ ባዕዳዊ ሃይማኖታት እናተሓናፈጽካ ዝንበር ዓይነት ከይዲ ክርስትና ከመይ ከተለልዮን ክትእርሞን ክትግስጾን ከምዝግብኣካ እቲ ዓውደ ጉባኤ ሓባሪ ሓሳብ ከቕርብ ምዃኑ ቸንቶፋንቲ ኣመልኪቶም።
ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣናገፍቲ ርዅስ መንፈስ ማሕበር ወሃቢ ቃል ናይ ስነ ልቦና ሊቅ ቫልተር ካሾሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ኣብዚ እዋን’ዚ ማሕበራውን ልቦናውን (ኣእምሮኣዊ)ን መንፈሳውን ከምኡ እውን ግብረ ገባዊ ዕንወት ዘጋጥሞም ዜጋታት ብዝሒ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ብዙሓት እውን ካብዚ ዓይነት ዕንወት ገዛእ ርእሶን ንኸላቕቑ ንምኽርን ሓገዝን ባዕሎም ተደፋፊኦም ናብ ካህናትን ናይ ስነ ልቦና ሊቃውንትን ከምዝውከሱን ሓቢሮም እቲ ዝረአይ ብዝሒ ሓታቲ ደገፍ ብሓቂ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ተዛማዲ ባህልን ክቡራት ዋጋታት ሸለል ንምባል ዝድርኽ ኩሉ ክፉእን ሰናይን ኣብ ሓደ ዘንብር ክፉእን ሰናይን የሎን፣ ክፍኣት ወይ ድማ ሰናይን ካብ በዓል ቤታዊ ኣረኣእያ ዝነቅል እዩ፣ እምበር ጭቡጥ ነገር ኣይኰነን ዝብል እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ባህሊ ጸረ እግዚኣብሔር እዩ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ስሒራውነትን ኣምልኾ ዲያብሎስን ሃይማኖትን ባዕዳውያን ልምድታት ምስቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህልን ልምድን ብምትሕንፋጽ ድዩ ወይ ድማ ነቲ ናትካ ብምንዓቕ እናተቐበልካን ምስቲ ናትካ እናተሓናፈጽካ ንኽትነብር ዝድርዅ ባህልታት ብፍላጥ ድዩ ብዘይ ፍላጥ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብፍላይ ድማ ብምስማዐ ድምጺ ዝቐርቡ መደባትን ብትያትር ድዩ ብሲነማ መልክዕ ተደሪሶም ዝቐርቡ ምርኢት ንብዙሓት ዝማርኽ እናዀነን ስምዒታዊ ተምሳጥ እናሕደረ ሰይጣናዊ ሃይማኖት ከተምልኽ እውን ዝድርኽ እናዀነ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዓቢ ጸገም የስዕብ ኣሎ፣ ዝገደደ ድማ ህላዌ ሰይጣን የሎን ቢልካ ንኽትኣምን ዝድርኽ ሃይማኖት ዝንጽል ሕሉፍ ዓለማውነት ባህሊ ይሰፍሕ ኣሎ፣ እቲ ዝገማምዕ ዝፈላልይ ካብ እግዚኣብሔር ዘርሕቕ መንፈስ ክፍኣት እዩ። ስለዚህ እዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣናገፍቲ ርዅስ መንፈስ ነዚ ዓይነት ባህሊ ንምግሳጽ ጸጋ ዝተዓደሉ ካህናት ዝሓቑፍ ማሕበር እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.