2014-10-25 16:37:18

ካብ ትምህርትን ስራሕን ገዛእ ርእስኻ ምውጋድ ዘስዕቦ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገም


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ደሴት ሲቺሊያ ኣብ 2013 ዓ.ም. ካብ 15 ክሳብ 34 ዓመት ዕድመ ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ሺሕ መንእሰያት ካብ ትምህርትን ስራሕ ዓለም ገዝእ ርእሶም ኣግሊሎም ዝነብሩ ምዃኖም ናይ ማሕበር ፒዮ ላ ቶረ ናይ ጭብጥታት ብኣሃዛዊ ዝገልጽ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ ሰነድ ከመልክት እንከሎ ኣብ መላእ ኢጣሊያ ንናይ ስርሕ ዓለም ኣብ ሕንጸት ግብረ ሙያዊ ዝሳተፉ ብዝሒ መንእሰያት 27 ካብ ሚእቲ ዘጠቓልል ክኸውን እንከሎ ኣብ ሲቺሊያ ጥራሕ 42.7 ሚእታዊ ዘጠቓልል ከምዝኾነ ዝሓበረ ናይ ኢስታት ሰነድ ኣመርኵይዞም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ማሕበር ፒዮ ላ ቶረ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ቪቶ ሎ ሞናኮ፣ ናይ ስራሕ ዕድል ክትሕትን እናንቆልቆለ ምስ ዝኸይድን መንእሰይ ድላይ ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እናቕሃመ ምስ ዝኸይድን እዚ ኩነት’ዚ ንናይ ገበን ጉጅለታት ልሙዕ መሬት ዝፈጥርን እቲ ስራሕ ኣልቦን ካብ ትምህርቲ ዝረሓቐ መንሰይ ኣብ ምውፋር ኣደንዛዚ እጽዋትን ንዝተፈላለዩ ግብረ ገበን መጋበርያ ከምዝኸውን ገሊጾም ትምህርትን ሕጋዊ ስራሕን ጽንዓት ትዕግስትን መጻኢ ብብሩህ ምጥማትን ደገፍ ስድራን መንግስትን ዝሓትት ብምዃኑ ቀሊል ጉዕዞ ኣይኰነን፣ መንእሰይ ወለዶ ዘተባብዖ መደብ ፖለቲካን ንቤተሰብ ዝሓሊ ፖለቲካን ንኽመሃር ዘተባብዖ ኩነት እንተድኣ ዘይተፈጠርሉ ንናይ ገበን ጉጅለታት መጋበሪያ ኰይኑ ከምቲ ዝበሃል እውን ኣብ መዓልቲ ካብ 80 ክሳብ 100 ኤውሮ እናተኸፍሎ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕዮ ገበን ክዋፈር ይግደድ፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ናይ ጽባሕ ወለዶ ከይክሰር መንግስትን ፖለቲካን ንናይ መንእሰይ ሓልዮትን ክንክንን ሕንጸትን ንናይ ስድራ ቤት ፖለቲካን ኣበኪሩ ክዓይን ማእከል መደብ ምምሕዳራት ክኸውን ይግባእ። ንመንሰይ ወለዶ ምሕሳብ ንንይ ሃገር መጻኢ ውሑስነት ምትጋህ ማለት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.