2014-10-25 16:41:03

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ተራድኦ ማሕበር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን፦ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝወርዶም ዓመጽን ኣድልዎን ስቓይን ተገዲዶም ቤቶምን ንብረቶም ሃገሮምን ሓዲጎም ዝስደዱን ከምኡ እውን እቶም ኣብ ሃገሮም ዝተረፉን ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ሓደራ ክንድግፎም፣ ዘድሊ ረድኤት ነቕርበሎም” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ንዒራቓውያን ንናይ ማእከላይ ምብራቕ ተመዛበልቲ ደገፍ ክቐርብ ዘነቓቕሕ ጐስጓስ የካይድ ከምዘሎ ክምልከተ እንከሎ፣ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ኢጣሊያ ኣባይቲ ስድራን ቍምስናታትን ሰበኻታትን ኢጣሊያ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸዋዕታ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝካይዶ ዘሎ ጐስጓስ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ዝተመርሔ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳስት ልኡካን ኣብ ኩርድስታን ዒራቕ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዒራቓውያን ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተራኺቦም ኩነታቶም ብቐረባ ከምእተዓዘቡን ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ኣብ ዒራቕ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይን ናይ ሰብኣዊ ሕንጸት መደባት የሳልጥ ከምዘሎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.