2014-10-23 16:43:57

ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


RealAudioMP3 ዕለት 22 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣኽቢራ ከምዝወዓለት እንክሕበር፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከገልግሉ ዝሓረዮምን ኣብዚ ጸዋዕታ’ዚ ን27 ዓመታት ንቤተ ክርስቲያን ዘገልገሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ምስቶም ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዮም ዝተፈቕሩ ተባሂሉ ዝንገረሎም ዮሓንስ መበል 23ን ብሓባር ቅድስና ከምዝኣወጅሎም እንክዝከር ኣብ ዓለም ነዞም ቅዱሳት ዘሎ ፍቕሪ እናዓበየን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ብስሞም ኣቢያተ ክርስቲያን ክጽዋዓን ክባረኻን ይረአይ ከምዘሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዘካየዱ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንናይ ብፅዕናን ቅድስናን ኣዋጅ መሠረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ኰይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ኣቡነ ስላዎሚር ኦደር ገሊጾም፣ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ልባቶም ሓጎስ ዝምላእን ሎሚ እውን ብወግዒ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትዝከረሎም ዕለት ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝሃብዎ ኵላዊ ኣገልግሎት ዝምስክር እዚ ማለት ድማ ቅዱስናኦም ብኵላውነት ዝግለጽ ብዙሓት ሎሚ ምስኦም ዝተራኸቡላ ዕለት ክዝክሩን ከም ተኸትሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታቶምን ምዕዳኖም ዓዋዲ መልእኽትታቶምን ኰታ ኩሉ ካልኣይ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዝነበርዎ ሕይወት ክዝክሩ ዝገልጽውዕ ሓጐስ ብሓቂ ተመሓላለፊ እዩ።
ብተጻባእቶምን ብፈተውቶምን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ብሓቂ ዕብየቶም ዝፍለጥን ዝነበሮም ትብዓት ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ክርስቶስ ዘማእከለ ሕይወት ዝነበሩን ክርስቶስ ክማእከል ዝመርሑን ኩሉ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸዋዕታኦም ክርስቶሳዊ ዘጉለሔ ብፍላይ እቲ ልባትኩም ጋህ ኣቢልኩም ንኽርስቶስ ንምኽፋት ኣይትፍርሑ እንክብሉ ዝጨርሕዎ ቃል ኣስተንፍሶ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ኰይኑ ሎሚ እውን ብዙሕ ተኣምር የጸግው ኣሎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.