2014-10-23 16:47:37

ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፦ ዴሞክራሲያዊ ተበራርዮ ክኽበር


RealAudioMP3 ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕበረት ካብ ዕለት 15 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ካሚሩን ከተማ ዱላ ድሕሪ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር መግለጺ፦ ዶባትካ ምዕጻው ንሕማም ኤቦላ መፍትሒ ኣኰነን ከምዝበለ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ዴሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣማእኪሉ ዴሞክራሲያዊ ተበራርዮ ክህሉን ክኽበርን እዚ ዓይነት ከይዲ ዴሞክራሲ ብዘይ ምህላዉ ድማ ብዙሕ ጊዜ ውጥረት ምስሕሓብን ከምዝፍጠርን ኣብ መንጐ ሕዝቢ ዕግርግር እናፈጠረ ድማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዕባለ ከይህሉን ይድርኽ ከምዘሎ ኣብ ናይ ፍጻሜ መግለጺ እቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣፍሪቃ ገሊጹ ምኽባር ቅዋም ሃገርን ምኽባር ዴሞክራሲያዊ ተበራርዮ ናይ ኩሉ ነባሪ ምዕባለ መሰረት እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስፈረሉ ዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፣ ብኻልእ ምዳይ ምዕባለ ክውን ዝገብር ድማ ግቡእን ስሩዕ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮ ምዃኑን ኩለን ወጻእተይና ሃገራት ተጠቐምቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃብቲ ተፈጥሮ ኣብ ኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን ሃብቲ ተፈጥሮ ኣፍሪቃ ግልጽነት ዝመልኦን ዝተመዓራረየ ዋጋ ክህባሉን ከምኡ ድማ እቲ ዝረኽብኦ ረብሓ ንኣፍሪቃ ዝሓስብ እውን ክኸውን ከምዝግብኦን ካብ ናይ ምዝዛም ከይዲ ኢንዳስትሪ ወጽኤን ግልጽነት ከቐድማን ንህዝቢ ኣፍሪቃ ረብሓ ዘለዎ እውን ክኸውን ብምትሕስሳብ ብምቕጻል እዚ ናይ መላእ ኣፊቃን ማዳጋስካርን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝውክሎ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣዲስ አበባ ከቕውም ዝብል ሓሳብ እውን ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብምቕራብ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ዓ.ም. ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላም ድርገት “ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት (ምዕባለ)” ብዝብል ኣርእስቲ ንኽካየድ ዝጠለቦ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናሚቢያ ክካየድ ምዃኑ ተመልኪቱ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.