2014-10-21 15:56:26

ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ዛዕባ ኩነት ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ


ድሕሪ ምጥንቓቕ እቲ ብዛዕባ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝዘተየ ፍሉይ ሳልሳይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዛዕባ ኩነት ማሕብረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዘተየ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛቤላ ፒሮ ሓቢረን፣ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕጹጽ ኣድላይነት ማእከላይ ምብራቕ ንሱ ድማ ናይ’ቲ ከባቢ መጻኢ ዳግመ ሕንጻጸ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል ዓሚይቕ ኣስተንትኖ ዝተገብረሉን፣ ህጹጽ ኣድላይነት ሰላም ኣብቲ ከባብን ናይ ማሕበረ ክርስቲያንን ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓለዋን ክንክንን ብፍላይ ድማ ናይ ሃይማኖት ንጻነት ክረጋገጽ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዘተኰሩ ልዕሊ ሳላሳ ርእይቶ ዝቐረበሉን ኣብቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ኣደጊፉ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ከምዝነበረ ገሊጸን።
ዒራቕ ሶሪያ ግብጺ ቅድስቲ መሬት ዮርዳኖስ ሊባኖስ ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት፣ በቶም ዝውክልወን ብፁዓን ካርዲናላትን ፓትሪያርካትን ኣቢለን ድምጸን ከምዘስምዓን፣ ብሓፈሻኡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላምን ዕርቅን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምኽባርን ነቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ደገፍን ኣብ ዘተን ሰላምን ዝኣምን ወለዶ ሕንጸትን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዳይ ናይቲ ወለዶ ተራ ዓቢይ ግምት ምሃብን ዝብል ሓሳብ ዝተቓልሓሉ ጉባኤ ከምዝነበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ፒሮ ሓቢረን።
ቅድም ቀዳድም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዳግመ ሕንጻጽ መጻእን እዚ ድማ ኢየሩሳሌም ኣብ ህላዌ ሓደ እግዚኣብሔር ናይ ዝኣምና ሃይማኖታት ‘ናይ ሃይማኖት ርእሰ ከተማ’ ዝብል ተፈላጥነት ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑን፣ ምስ’ዚ ስዒቡ ድማ እቲ ናይ እስራኤል ፍልስጥኤምን ከምኡ እውን ኣብ ሶሪያ ተባሪዑ ዘሎ ግጭት መፍትሒ ክረክብ ብምትሕስሳብ፣ ኣቲ ገዛእ ርእሱ ሃገረ ምስልምና ብዝብል መጸውዒ ዘፍለጠ ዝፍጽሞ ዘሎ ዓመጽ ክውገድን ብሽም እግዚኣብሔር መቕተልቲ ጸረ ሃይማኖትን ጸረ እግዚኣብሔርን እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተሰመረሉን፣ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝምልከት ነጥቢ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምስ ናይ ኣምልዀን ስግደትን ናይ ሕሊናን ነጻነት ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ መሰረታውን ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ ናይ ሰበኣዊ መሰልን ክብርን ንመላእ ፍጥረት ሰብ ዝምልከት ክብሪ ምዃኑን ምስ እዚ መሰልን ክብርን ማዕረ ማዕረ ነቶም ማሕበረ ክርስቲያን ዝኾኑ ዜጋታት ናይቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብተን ሃይማኖታዊ መንግስቲ ዝቖመለን ሃገራት ልክዕ ነቶም ዘይክርስትያን ማሕበረ ክርስቲያን ዝወሃብ ኣኽብሮት ነጻነትን መሰልን ክብርን ሓልዮ ክግበረሉ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘካይዶ ዘተ ብቐዳምነት ዘስፈሮ ሓሳብ ምዃኑ ፒሮ ገሊጸን።
ብኻልእ መዳይ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ማሕበረ ሃይማኖት ብምምልካት ድማ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ዓቢይ ክስረት ዘስዕብ ምዃኑን፣ ንማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ከባቢ ብጠቕላላ ዓቢይ ክስረት ከምዝኸውንን፣ ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ንናይ ዝተመዓራረየ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ህላዌን ከምኡ ድማ ኣብ መዳይ ሕንጸት ዘለዎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ነተን ማሕበረ ክርስቲያን ዝርከበለን ሃገራት ዓቢይ ጥቕሚ እውን ምዃኑ እቲ ጉባኤ ገሊጹ ነቶም ዝስደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ምእንጋድን ብፍላይ ድማ ኣብተን ዝስደዱለን ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኣባይቲ ክርስቲያንን መንግስታትን ተቐባልነት ረኺቦም ክነብሩን እቲ ዝኽተልዎ ስርዓት ሊጡርጊያ መሰረት እምነቶም ክምስክሩን ክነብሩን ዕድል ክፍጠረሎም ከምዝተሓሳሰበን፣ ነቶም ኣብ ሃገሮም ዝተርፉ ማሕበረ ክርስቲያን ድማ ካብ ካልኦት ኣባይቲ ክርስቲያንን ሃገራትን ምትሕብባርን ድጋፍን ክቐርበሎም ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ክተባባዕ እቲ ጉባኤ ጻውዒት ከምዘቕረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ፒሮ ሓቢረን።
ብዛዕባ ናይ ሕንጸት መደብ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ እቲ ጉባኤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝቐርቡ ናይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ካብቲ ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ወጻኢ ሃይማኖት ብዛዕባ ካልኦት ማለት ናይ ውሁዳን ሃይማኖታት ኣወንታዊ መግለጺ ዘይተነብሮ ከምዝኾነን እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ማእከላይ ምብራቕ መንግስቲ ከስተዕለሉን ሃይማኖታት ንናይ ሰላም ምርግጋጽ ዘለወን ዓቢይ ግደ ኣፍልጦ ረኺቡን ካብቲ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ረቛሒ ካብ ዝዀነ መሰረት ዝነቐለ ውስጠ ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክነቓቓሕን ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንውህደት ዝሃቀነ ዘተ ክተባባዕን ምስ እዚ ኣተሓሒዙ እቲ ጉባኤ እቲ ኹሉ ዝተገልጸ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ብድምጸን ከቃልሐኦ ከምዝተሓሳሰበ ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን፣ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብፍላይ ንተመዛበልቲ ማሕበረ ክርስቲያን ማከላይ ምብርቕ ንሃገሩ ክምለስ ዘኽእሎ ድሕንነትን ጸጥታን ውሑስ ዝዀነሉ ዞባ ክፍጠረሉ እዚ ዞባ’ዚ ድማ ከም ኣብነት ኣብ ስጡሕ ጎላጉል ነነዌ ክኸው ዝከኣል ምዃኑ እቲ ጉባኤ ገሊጹ፣ ኣብ መወዳእታ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተጨውዩ ዜጋታት ናጻ ክልቐቑ ጻዋዒት ብምቕራብ ክመዘጠቓለለ ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.