2014-10-21 16:23:39

ቅድስቲ መንበር፦ ኣኽራርነት ናይቲ ዝንጽል ዓውሎማ ሳዕቤን እዩ


በዓለ ዲፓቫሊ ኣብ ሃይማኖት ሂንዱ ዝበዓል መንፈስ ሰናይ ማለት ብርሃን ኣብ ልዕሊ መንፈስ ክፍኣት ኣብ ልዕሊ መንፈስ ጸላም ዝተዓወተሉ በዓለ ብርሃን ተባሂሉ ዝፍለጥ ለምዘመን ዕለት 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዝበዓል ብምዃኑ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቢላ ናይ ርሑስ በዓል ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈት ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ኣብቲ መልእኽቲ፦ ዓውሎማነት ሓቂ እዩ ብዙሕ ዕድላት ፈጢሩ እዩ ኰይኑ ግን ብዙሕ ሓደስቲ ዶባት እውን ኣተኣታትዩ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳይ ርእዩ ከምዝኾነን፣ እቲ ናይ ከባቢ ማሕበረሰብን ብሔራዊ ሕዝቢ ምስ ዓለም ሓቆፍ ሕዝብን ማሕበርሰብ ክጠራነፍን ክወሃሃድ ይድግፍ ዘከምዘሎን፣ ኰይኑ ግን ብዙሓት ሕዝብታት ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበራዊ ባህላውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን መለለዪ መንነቶም ከጥፍኡ ደሪኹን ይድርኽ ኣሎ” ዝብል ሓሳብ ከምእተቓልሔ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም፣ ዓውሎማነት ንገዛእ ርእሱ ማሕበራዊ ምግምማዕ የስዕብን ተዛማዲ ባህሊ ፍጹም ዝበሃል ሓቂ የሎን ኩሉ ሓደን ጭራፍ ሓባሪ ናይቲ ክህሉን ክይህሉን ዝኽእል ሓቂ መግለጺ እዩ ዝብልን ከምኡ ድማ ኵሉ ዝሰማማዕና ዝማላእን ዝወሃሃድን እዩ ዝብል ሓዋዋሲ ባህሊ ብፍላይ ኣብ መዳይ ሃይማኖት ዝርኤ ዓብላሊ ኣተሓሳስባ የስፍሕ ከምዘሎን ኣብ ብዙሓት ከባቢ ዓለም ናይ ሕዝቢ ዘይምርግጋእን ዘይውሑስ ሕይወትን ሽግርን እቲ ብሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ጥሕሰት ስነ ምግባርን ወገናውነት ዓሌታውነትን ምግምማዕን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ኣብተን ድኻታት ሃገራት የተኣታትዎ ከምዘሎን ብሓፈሻኡ ዓውሎማነት ብዙሕ ግዜ ብኣሉታዊ ጎድኑ ማለት በቲ ነገርነትን ኣህላኽነትን ናይ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድሪ ፖለቲካ ህርፋንን ናይ ስልጣን ጽምእን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሸለል ምባልን ብዝኣመሰሉ ሰብኣውነት ዘየማእክሉ ምርጫታት ዝግለጽ ብምዃኑ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም 2014 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “እቲ ሸለልተይናነት ዓውሎማ ወይ ድም ብዛዕባ ካልእ ዘይምግዳስ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ባህሊ ኣሉታዊ ዓውሎማ ሰለይ እናበለ ስቓይ እናተላመድናዮን ኣብ ቅድሚ ዝሳቐይ ገዛእ ርእስና ንምዕጻው የላምደና ኣሎ” ዝበልዎ ሓሳብ መሠረት ኣሉታዊ ዓውሎማ ሳዕቤኑ ኩሉ ኣብቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ዓይነት ሸለልተይናነት ንናይ ዘተ ባህሊ ዕጹዋት ክንከውን ዝድርኽን ከምኡ እውን ናይ ምንጻል ባህል ወይ ድማ ነጻሊ ባህሊ ክሰፍሕ ዝገብር ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ እቲ መልእኽቲ ኣዘኻኺሩ፣ ስደተይናታትን ድኻታትን መሰሎም ዝተነፍጎም ተነቀፍቲ ክኾኑ ዝተገዱ ክፍሊ ሕብረተሰብ መጋበርያን ወይ ድማ ዘይጠቕሙ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኰይኖም ክረኣዩን ተጠቂምካ ምድርባይ ንዝብል ከይዲ ፖለቲካን ኤኮኖምን መጋበሪያ ኰይኖም ከምዝርከቡን ሕጻናት ሰብኣዊ መሰሎም ተነፊግዎም ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዖም ደቀንስትዮ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተዳሪገን እቲ ዘይማዕርነትን ዘይፍትሓውን ባህሊ ዓውሎማ ከምዚ እቲ ሽግር የስፍሕ ከምዘሎን እዚ ነጻሊ ባህሊ’ዚ ናይ ኩሉ ሓላፋነት እዩ። ስለዚህ እቶም ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ሓልዮ ኣብ ልባቶም ዘንብሩ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ብሓባር እቲ ጎዳኢ ነጻሊ ባህሊ ብናይ ምቅርራብን ምትሕስሳብን ባህሊ ክትክእዎ ክተግሁን እቲ መልእኽቲ ከምዘተሓሳብ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም ኣብ መንጐ ሂዱን ክርስትያንን ኣብ መንጐ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጽን ኩለን ሃይማኖታት ኣብ ሕንጸት ሓባራዊ ናይ ሰላም ናብራን ቅኑዕን ሰላማውን ሕብረተስብ ክሃንጻ ብዘፈሮ ለበዋ እቲ መልኽቲ ከእተጠናቀቐ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.