2014-10-21 19:06:21

ሲኖዶስ


ዝኃለፈ ቀዳም ዝተፈጸመ ክልተ ሶሙን ዝወሰደ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንመላእ ዓለም ከገልግል ዝኽ እል ናይ ናጽነት ፍጻሜ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ቪንቸንሶ ፓጝልያ ናይ ስድራቤት ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ፕረሲደንት እንክኾኑ እተን ክልተ ሳምንታት ግን ጽ ዑቅ ስራሕ ዝነበረንን ኃያላትን ምንባረን አብሪሆም፣ ብፁዕነቶም ንረድዮ ቫቲካን አብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዝመስለኒ ብሓፈሻ እንክረኤ እዚ ፍጻሜ እዚ አብ ጕዕዞ ቤተ ክርስትያን አገዳሲ ነጥቢ ኢዩ፣ እዚ ከአ አብቲ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መንፈስ ቅዱስ ንዘስተፍሰልና ንተአዘዝ አብ ዝብል መሪሕ ቃል ዝተመሥረተ ኢዩ፣ እቲ ክት ዕን ዘተን ብዘይ መጠን ዝተነሃሃረን ብርቱ ዕን ነሩ ከመይ አድላይን ዓሚቍን ነጥብታት ብነጻ ክትዛተየሉን ክትካታዓሉን ብዙሕ አቅልን ዓቅምን የድሊ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን እቲ ደምዳሚ ናይ መጨረሻ ጽሑፍ ለበዋታትን ር እይቶታን ናይ አብዝሓ ዝሓዘ ኢዩ፣ ሽሕኳ አብ ምድማጽን ሕርያን ብዙሕ እንተደኸምና ብሓፈሻ ክረኤ ግን ንካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኮነ ን ዓለም ምሉእ ከገልግል ዝኽእል ለበዋታት ዝሓዘ ሰነድ ኢዩ፣ እዚ ኪበሃል እንከሎ ግን ገና ብዙሕ ሥራሕ ዘድልዮ ሰንድ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ ብዙሕ ክፉት ነጥብታት አሎ፣ ገና ክንካታዓሉን ክበስልን ዘለዎ ነጥብታት አሎ፣ ዕላማኡ ነተን ጸገም ዘለወንን ደገፍ ዘድልየንን ሥድራቤታት አብ ዝሓሸ ሕይወት ዝበጽሓሉ ጉዳና ንምጥጣሕ ስለዝኾነ ብዙሕ ሥራሕ የድልዩ፣
ከምቲ ቅዱስነቶም አብ መኽፈቲ ዝበልዎ ክበሃል ንዘለዎ ብቅን ዕና ብዘይ ሕብ እብ እን ፍርሕን ክበሃል ነቲ ካል ኦት ዝብልዎ ከአ ብትሕትና ልብኻ ከፊትካ ምቅባል ኢዩ ነይሩ ስለዝኾነ ከአ አብቲ ጉባኤ ዝነበሩ 191 ዝኾነ ጳጳሳት አብ እንግዳዖምን ልቦምን ሓሳቦምን ብዙሕ ነገራት ኢዮም ተሸኪሞም መጺኦም፣ እዚ ሽግራት እዚ ናይ መላእ ዓለም ስድራቤታት ከማኡ እውን ናይ አመንቲ ሽግራት እውን ነርዎ፣
ቅዱስነቶም አብ መዕጸዊ ለበዋኦም ካብ ክልተ ፈተናታት ክንጥቀቅ አዘኻኺሮም ጥራሕ ዘይኮነ ሓደራ ቢሎም፣ እዘን ክልተ ፈተናታት እዚ በቲ ሓደ ወገን ዓቃባዊ ኮንካ ምንም ለውጢ አይንገብርን ቢልካ ነቂጽካ ምትራፍ እንክኸውን በቲ ሓደ ወገን ገሥጋሲ ኢየ ንኩሉ ክሕድስ ኢየ ቢልካ ክንዮ ትጽቢት ክትግሥግስ ናይ ምድላይ ፈተናታት ኢየን፣ ብዝመስለኒ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ እንተደአ ኮይኑ ክንዩ እዚ ሰብ አዊ አተሓሳስባ ክንከይድ አሎና ምኽንያቱ እዚ አረአ እያ እዚ ናይ ገለሰባት ጸገምን ናይ ገለ ፍሉያት ጉጅለታትን ጸገም ኢዩ፣ ንሕና ተል እኾና ወንጌል ንኩሉ ስድራቤት ምብጻሕ ስለዝኾነ ንዘመደ አዳም ዘበለ ኩሉ ሓደ ስድራቤት ዝገብር ቃለ ወንጌል ናብ ኩሉ ብምብጻሕ ንኩሉ ሓንቲ ስድራቤት እግዚአብሔር ክንገር አሎና፣ እዚ ስለዝኾነ ከአ ትንቢታዊ ተልእኮ እምበር ናይ ምስሕሓብን ባእስን መንፈስ ዘየድሊ፣
እቲ ካል እ ጸገም ናይ መራኸቢ ብዙኃን አቀራርባ ኢዩ፣ ገሊኦም ድሮ ብናይ ፖሎቲካዊ ር እዮተ ዓለም ስለዝምራሓ ነገራት ክጥምዝዛ ይፍትና ኮይኑ ግን መንፈስ ቅዱስ በዚ ጸቢብ አረአ እያታት ስለዝይ ዕበጥ ንግዚኡ እምበር ኩሉ ክንጸር ኢዩ፣ ስለዚ ካብ ዝኾነ ዘይድሊ ምግናንን ዘይትርጉሙ ምሃብን ምጥንቃቅ የድሊ፣ አብ መንጎ ጉባኤ ክትዕ ተላዒሉ ክትዛተ እንከሎኻ ኩሉ ብሩህ ኢዩ ማለት አይኮነን፣ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ከአ ከም ሕይወት ኩለን ስድራቤታት ብሕቶታትን ክትዕን መብርሂታትን ዝቆመ ኢዩ፣ ስለዚ ከአ ኢዩ እግዚአብሔር ብ አፍ ቅዱስ አቦና ገሩ አብ መኽፈቲ እቲ ሲኖዶስ ብቅንዕና ብኅልና ክበሃል ንዘለዎ ክንብል ዝተነገረና፣ ከምቲ ኢየሱስ ምስ ኩሎም ክመላለስን ክበልዕን ምንም ዘይፈርሄ ሓደ ጓሳ እውን ነቲ ዘሎ ሓቂ ንምግላጽ ክፈርህ የብሉን፣ እንክብሉ ውጽ ኢት ሳልሳይ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኩሉ ዝኾውን በሪ ነጻነት ከምዝከፈተ ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.