2014-10-18 16:29:57

ሲኖዶስ፦ ኣብ ምስራዕ ናይ ፍጻሜ ሰነድ


RealAudioMP3 እቲ ዛዕባ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ፍሉዩ ሳልሳይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣብ ምስራዕ ኣሚቱ ከምዝዘተየን እነሆ ድማ እቲ ሰነድ ብጉባኤያዊ ሓዋርያዊ ከይዲ ኵላዊ ምስምማዕን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነትን ብዝዓሰሎ ኣግባብ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ድምጺ ክህብሉን ምሉእ ብምሉእ ጸዲቑ ክስነድ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛቤላ ፒሮ ሓቢረን።
ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ገዮርገስ ፖንቲየር ኩላውነትን ነጻነትን ዘጣመረ ሲኖዶስ እንክብሉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንናይ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ፒሮ ገሊጸን፣ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ራይሃርድ ማርክስን ከምኡ እውን ኣብቲ ሲኖዶስ ብተዓዛቢት መሰል ክሳተፋ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝዓደምወን ሊቅ ኢልቫ ምይሪኣም ሆየስ ክምእተሳተፋ ኣመልኪተን።
እቲ ሲኖዶስ ካቶሊካውነት ማለት ኵላውነት ዝተንጸባረቐሉን ሕድ ሕዳዊ ምስምማዕ ዝተራእየሉ ከምዝነበረን ዋላ’ኳ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ዘሎ ናይ ስድራ ቤት ዝተፈላለየ ጸገም ዝቐረበ እውን እንተኾነ ስድራ ቤት ኵላዊ ባህርይ ዘለዎ እዩ፣ ኰይኑ ግን እቲ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ሥድራ ቤት ዝምልከት መትከልን እምነትን ሓደ ዝገብሮ ከምዝኾነን ብዛዕባ እምነትን ኣብ ናይ ሕይወት ባህልን ዝኣምን ስድራ ቤት ብምዃኑ ዘለዎ ውህደት ድማ ዓሚዩቕ እዩ እዚ መንፈስ’ዚ ኣብቲ ሲኖዶስ ከምእተንጸባረቐ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ፖንቲየር ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።
እቲ መሰረታዊ መትከል ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ እዩ። ብምዃኑ ድማ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ሓሳብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መሠረት ንዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኰይኑ ንስድራ ቤት ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ዝሃንጽ እዩ። ንዘይካቶሊካውያን ኣባይቲ ስድራ እውን ዝዛረብ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን ቀጺሎም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ እቲ ናይ ሲኖዶስ ዕዮ ንናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሠረትን ናይ ሓባር ስጉምቲ ብሓባር ንምልላይ ናይ ሓባር ድላይ ዝጎልሓሉ ከምዝነበረ ገሊጾም ምስጢረ ተኽሊል ዘፍረሱን ካልኣይ ሓዳር ዘቖሙ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ሱታፌ ክህልዎም ዝብል ተኽእሎ ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓሚይቕ መጽናዕቲ ከምእተገብረ እንከመልክቱ ቀጺለን ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃባ ሊቅ ሆዮስ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስታትን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ውሳኔ ዝጸንዔ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምኻባር ኣብ ዝብል ክብሪ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ሲኖዶስ ከምዘዘኻኸረ እንክገልጻ፣ ስዒቦም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብወገኖም፦ “እቲ ናይ ሲኖድስ ጠቕላሊ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ድምጺ ተዋቢሉ ጸዲቑን ቅድሚ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተራእዩ ክዝርጋሕ ፍቑድ ዝብል ውሳኔ ገና ከይተወሃቦ እቲ ናይ ሲንዶስ ናይ ድኅረ ዘተ ሰነድ መሠረት ናይቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝኾነ መግለጺ ተዋሂቡሉ ክዝርጋሕ ምግባር ቅድም ክብል ዝተወሰነ ሓሳብ እዩ ኔሩ፣ ስለዚህ ዝተፈላለየ ርድኢትን ትንተናን እውን ዝተውሃቦ እንተዀን ናይ ፍጻሜ ሰነድ ማለት ግን ኣይኰነን” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛቤላ ፒሮ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.