2014-10-15 09:40:21

ሲኖዶሶ፣ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ፦ ብመንፈስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝስጉም ሲኖዶስ


ምስቶም ናይ ሲኖዶስ ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሲንዶስ ፍሉይ ዘጋቢ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶን ናይ ሲኖዶስ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ናይ ኬቲ ቫስቶ ሊቀ ጳጳሳታ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡን ብሩኖ ፎርተ፣ ናይ ሲኖዶስ ፍሉይ ወኪል ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብሓባር ናይ ሲኖዶስ ድሕሪ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ዘተን ዝረቐቐ ናይ ሓባር ሰነድ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃብሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ንስድራ ቤት ጽን ትብል ኣብቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽን ዝነብርን ዝተፈላለየ ገጻት ዘለዎ ሕብረሰተሰብ ዝሰረጸት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መግለጺ ዝተሃበሉ ናይ ሲንዶስ ድህረ ዘተ ሰነድ እቲ ሲንዶስ ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መንፈስ እናተመርሔ ዝስጉም ምዃኑ ዘረጋግጽ ሰነድ እዩ እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ ከምዘገለጽዎ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ ብተደጋጋሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝህብዎ ሥልጣናዊ ምዕዳን እቲ ሲንዶስ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግዜን ምስ ግዜን እናዓበየት እትኸይድ ምስ ኩሉ ብሓባር እትጓዓዝ ብትሕትና ሰማዒተ ኵሉ ከምዝኾነትን እዚ ድማ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መንፈስ እናሰዓብት እተርእዮ ዘላ ስጉምቲ እዩ። እቲ ሰዓሪ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኩሉ ወይ ድማ ብጥራሽ ወለ ሓደ ዝብል ዘይኰነስ ንቲ ዝተሓላለኸ ህሉው ኩነታት ዓለምን ሕዝቢ ዓለም ግምት ዝህቦ ትዕግስቲ ዝዓሰሎ ከይዲ እዩ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን፣ ናይ ቅድሚ ምጅማር ሲኖዶስ ሓባሪ ናይ ዘተ ሰነድ ቅድም ክብል እቲ ከይዲ ሲኖዶስ ከመይ ክመስል ከምዘለዎ ኣቐዲሙ ዘስትዎኣለ ከምዝነበረን፣ ናይዚ ሲኖዶስ ካብቲ ናይ ሓባር ዘተ ወጻኢ እቲ ብጉጅለ ተኸፋፊሉ ዘካይድ ናይ ዕዮ ዘተ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ፍጻሜ ሰነድ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ” ከምዝበሉ ሓቢረን፣ ዝተፋትሑን ቃል ኪዳን ዘፍረሱን ዳግማይ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝምልከትን ከምኡ እውን መንፍሳዊ ናይ ጣዕሳን ንስሓን ጉዕዞ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ፦ “ዝዀነ ይኹም ምብታኽ ዝተኣትወ ናይ መርዓ ቃል ኪዳን ናይቶም ሰብ ሓዳር ሓላፍነት እዩ። ስለዚህ ክስረት እዩ። ስለዚህ እቶም ዝተፈትሑ ኣብ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ተጸሚዶም ንናይ ልቢ ምልዋጥ ጸጋ ንፍትሕ ዝዳረገ ብክልቲኣቶም ወገን ዘሎ ውስንነት ክምርምሩን ከምዝግብኦም እቲ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ይሕብር” ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣስዒቦም ቤተ ክርስቲያን እቲ ስድራ ቤት ዝብል ቃል ነቲ ብዘይ ምስጢረ ተኽሊል ዝቖመ ስድራ ቤት ንውላድ ክፉት ዝኾነ ሓዳር (ሰብኣይን ሰበይትን) ከም ስድራ ቤት ከምእትፈልጦን ነቶም ብሓደ ሓደ ዓይነት ጾታዊ ስምዒት ከለዎም ተዋሲቦም ብሓደ ዝነብሩ እውን ቤተ ሰብ ቢላ ክትጽውዖም ዝከኣል እዩ፣ ናይዞም ዜጋታት’ዚኣቶም ናይ ሰባዊ መሰልን ክብርን ክሕለወሎም ይግባእ፣ ስለዚህ እቲ ጸገም ከም ቤተሰብ ምግላጽ ወይ ድማ ዘይምግላጽ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ሕቶ ናይ ስልጡን ባህልን ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ እዩ” እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ዝሃብዎ መግለጺ እንከጠቓልሉ ስዒቦም ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ “ስድራ ቤት ንሓደጋ ዘቓልዕ ድኽንት ውግእ ዓመጽ” ጠቒሶም፦ “ስድራ ቤት ዝፈላልይ ንስደትን ምዝብልናን ዘተኣታትው እዩ። ምስ ወለዶም ክነብሩ እናተመነዩ እዚ ባህርያዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተነፊግዎም ዝነብሩ ሕጻናትን ወለዶም ስለ ዝተፋትሑ ብሓደ ምናብር ተነፊግዎም እቲ ብሓደ ምንባር ሃረር ዝብሉን ብውግእ ዓመጽ ስድራ ቤቶም ሓዲጐም ክስደድ ዝገዱዱ ውሑዳት ኣይኰኑን፣ ሰለዚህ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ብድሆ’ዚ በቲ ንስድራ ቤተ እትሕንጽጾ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢላ እናገጠመት ስድራ ቤት ዝረኸብሉ መገዲ እናሓበረትን ሕጻናት ምስ ወለዶም ወለዲ ምስ ደቃቶም ክራኸቡ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እትዋሳእ ልእኽቲ ምዃና እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ የቃልሖ ኣሎ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.