2014-10-15 09:37:48

ሲኖዶስ፦ ዝቖሰሉ ኣባይቲ ስድራ ብትዕግስትን ጥንቓቐን ምድጋፍ


እቲ ኣብ ስድራ ቤተ ኣማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ ፍልዩ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ናይ ዘካየዶ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ዘተን ኣማኪሎም ናይቲ ሲኖዶስ ዘጋቢ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ንጎሆ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝተረኽብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታን ተልእኾንን ስድራ ቤት ኣብ እዋናዊ ዓለም” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ጠቕላሊ ተራ መበል 14 ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ድሮ ከምዝወሰኑ ሓቢሮም፣ ስድራ ቤት ዝነብረሉ ማሕበራውን ባህላውን ኩነት ጽንታ ምሃብን ኣቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝግብኦ ትጽቢታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምዝታይን ብፍላይ ድማ ናብ ክርስቶስን ስድራ ቤት ወንጌል ምትኳር ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተሰምረሉ ዘተ ከምዝነበረን፣ እቲ ናይ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ናይ ሲኖዶስ ዘተ፦ “ስድራ ቤት ወሳንን ክቡርን ጭቡጥ ናይ ሓጎስን ፈተናታትን ማህጸን ናይ ዓሚይቕ ፍቕርን ምፍታውን ገለ ገለ እዋን ድማ ብዘጋጥም ምግርጫውን ምቅሕሓርን ኣዚዩ ዝተጐድኤ ርክብ ዝተነብረሉን ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነትን እዩ። ስለዚህ ንስድራ ቤት ነቲ ኹሉ ዘጋጥሞን ዝነብሮን ክውንነቱ ግምት ዝህብ ጽንታ ምሃብ የድሊ፣ እት ቀጥዒ ኣልቦ ሕሉፍ ውልቃውነት ፈትና ብሕታውነትን ካብቲ ናይ ስምዒት ተነቃፍነት ዝነቅል ክቱር ርእሰ ኣምልዀን፣ ብስእነት ስራሕን ኣጠራጣርን ዘይርጉጽ ስራሕ ዘጋጥሞ ቅልውላውን፣ ብውግእን ስደትን ግብረ ሽበራን ብዝኣመሰሉ ኩነታት ዝትንከፍ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ተስፋ ምብሳርን ምቕራብ ትርጉም ናይ ሕይወት ምሕባርን ኣፍልጦ ስርወ እምነት ምስ ምሕረት እግዚኣብሔር ብምትሕሓዝ ብዑምቀት ክፍለጦ ክድገፍ ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበ ገሊጾም ምሥጢረ ተኽሊል ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጸንዕ ኣብ ክርስቶስ ዝጥምት ዘይብተኽ ቃል ኪዳን እዩ፣ እቲ ዘይብተኽ ቃል ኪዳን ቀጻልነቱን በቢ ዕለቱ ዝሕደስ እውን ክኸውን ከምዘለዎን ኰይኑ ግን ነቲ ጸገም ዘጋጠሞ ቃል ኪዳን ምቐረባ ምፍላጥ ቅድሚ ናብ ምስጢረ ተኽሊል ምብጻሕ ዘድሊ መደብ ሕንጸት ብዙሕ ትኵረት ክግበረሉን “መንፈሳውነት ልልያ ዘለዎ ኣገዳስነት ብዘይ ምስጢረ ተኽሊል ብሓደ ዝነብሩን ብብሔር ደረጃ ዝተፈጸመ መርዓን ተፋቲሖም ዳግም ሓዳር ዝገበሩን፣ ቤተ ክርስቲያን ክትፈልጦ ብኣኽብሮት ክትቐርቦምን እቲ ዝጎደልዎን እቲ ዘየኽበርዎም ውሱን ጉድንታቶም ብዘይ ምርኣይ እቲ ዝዕቅብዎ ክቡር ዋጋ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ከምእትቐርቦም” ዘለዎ ኣገዳስነት እቲ ሲኖዶስ ከምዝገለጸ ኣመልኪቶም።
ምእንቲ’ዚ ነዚ ኩሉ እዋናዊ ኩነት ስድራ ቤት ግምት ዝህብዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገዳስ ከምዝኾነን፣ ብብሔር ደረጃ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ጽኑዓት ኣባይቲ ስድራ ንደቃቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ክህልዎም ዝገብሩን ብትምህርተ ክርስቶስ ተዀስኪሶም ክዓብዩ ዝገብሩ ኣባይቲ ስድራ ዓቢይ ግምት ምሃብን፣ መርዓ ብሔር ዝፍጽሙ ብድብድቡ ክርስትያናዊ ክቡራት ዋጋታት ዝነጽጉ ቢልካ ምግላጽ ከምዘይከኣልን ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዅሉ ብምስትውዓል ብጥንቃቔን ብሓልዮት ንኣባይቲ ስድራ ቀረባ ክትኸውን ከምዘለዋን ተስፋን እማኔን ከተበስርን ከምዝግባኣ ዝመልከቱ ብፁዓን ኣበው ሲንዶስ ብሳልሳይ ደረጃ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ሕጹጽ ንስድራ ቤት ዘገድስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነፍሲ ወከፍ ናይ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ እትርከቦ ከባቢ ጭቡጥ ኩነት ግምት ዝህብ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክህልዋ ዝብል ውሳኔ ወትሩ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውህደት ዝብልን ነዚ ሓደኣውነት ዘቓልሕ ክኸውን ከምዘለዎ ቅድም ቀዳድም ነቲ ናይ ሳምራዊ ሕያዋይ ጓሳ ባህርይ ዘነጽርን ዝነብር ዝምሕር ነቲ ድኻምነት ሰብኣውነት ዝፍውስ እምበር ዘይኩንን ተስፋን እምነት ዘቕርብ ኣስፍሆተ ወንጌል ንስድራ ቤት ምብሳር ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝቐረበን፦ “ኣስፍሆተ ወንጌል ኩሉ ሕዝበ እግዚኣብሔር በቢ ጸዋዕታኡ ዝዋሳኣሉ ተልእኾ እቲ ኣብታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዲሽ ኢዮቤል እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ኣብ ፍቕዲ 50 ኣስፍሆተ ወንጌል ብዘይ ሱታፌ ኣባይቲ ስድራ ኣብቲ እንንበረሉ ሕብረተሰብ ኪፍለጥ ዘይከኣልን ክትርድኦ ዘይከኣል ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፣ ካቶሊክ ስድራ ቤት ናይቲ ናይ ስድራ ቤተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንጡፍ ተዋሳኢ ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ። ናይ ስድራ ቤት ወንጌል ሓጎስ ኢዩ” ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ኣስዒቦም ናይ ሓጎስ ወንጌል ድማ ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ዝድርክ ምልዋጥ ዘድልዮ ከምዝኾነን እዚ ማለት ድማ ካብ ሕይወት ዝተነጸለ ኣብ ቃል ጥራሕ ዝተመርኰዘ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ምዃን የድሕን ስለዚ ቃልን ሕይወት ዘጣመረ ኣስፍሆተ ወንጌል ምልዋጥ ይሓትት፦ “ቋንቋና ክልወጥን ሕይወትና ክልወጥን ይግብኦ፣ እዚ ግና ነቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህሊ ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ክርስቲያናዊ መርዓ ባህላዊ ወይ ድማ ማሕበራዊ ኵነት ዝጠልቦ ዘይኰነስ ናይ ጸዋዕታ መልሲ እዩ። ስለዚህ ጸዋዕታ ካብ ኰነ ቅድሚ ምስጢረ ተክሊልን ድሕረ ምስጢረ ተክሊል ክቐርብ ዘለዎ መደብ ሕንጸት ክሳብ ክንደይ ዓሚይቕ ክኸውን ከምዘለዎ ንጹር እዩ። እቶም ብዛዕባ ምስጢረ ተክሊል ሕንጸት ዝህቡ ካህናት ኣብዚ መዳይ ምስቲ እንነበረሉ ዘሎና ኣዋን ዝኸይድን እዋናዊ ሽግራት ኣባይቲ ስድራ ንምብዳሕ ዝድግፍ ዓሚዩቕ ሕንጸት ክረኽቡ ይግባእ። ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሕብረተሰብን ፖለቲካን ባህልን መሰኻኽር ናይቲ ሕጉስ ምስጢረ ተክሊል ክኾኑ ሓላፍነት ከምዘለዎምን” ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዝሓበሩን፣ ቃል ኪዳን ምፍራስን ፍትሕን ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤትን ውላድን ዘስዕቦ ጸገም ቤተ ክርስቲያን ናታ ገይራ እቲ ውላድ ብጉብእ ክዓቢ ብዝተፈላለየ መዳይ ክትሓንጽን ክትከናዀኖን ሓላፍነት ከምዘለዋን ቃል ኪዳን ዘፍረሱን ዝተፋትሑን ብጠቕላላ ኩሉ ማለት ዘይኰነስ ነቶም ሱታፌ ቅዱሳት ምስጢራት ክህልዎ ይኽእል ዝበሃል ኣብ ትሕቲ ሓልዮን ሓላፍነት ብፁዓን ጳጳሳት ክትትል ክኸውንን እዚ ድማ መንፈሳውን ሰብኣውን ጉዕዞ ንስሓን ጣዕሳን እዩ። ከምኡ ኣውን ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ ዝረኣዮ ሓዳርን ከምኡ ድማ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዜጋታት ዝፍጽምዎ ሓደኣዊ ጾታዊ መርዓ ቤተ ክርስቲያን ቅቡል ኣይትብሎን እያ፣ መርዓ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይት ዝብል እዩ እምነታ፣ ኰይኑ ግን ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን ከምዘይትንጽሎምን ቤቶም እውን ከምዝኾነት ክፈልጡን ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም ከይዘንግዔትን ንሳቶም እውን ከይዘንግዑ ነቶም ኣብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ስድራ ቤት ዝርከቡ ሕፃናት ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ምእንቲ ናይቶም ሕፃናት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ከምእትቐውም እቲ ሲኖዶስ ከምዘመልከተ ሓቢሮም ኣብ መወዳእታ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ Humanae Vitae-ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ተወኪሶም ሰፊሕ ኣስተንትኖን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ኣካይዶም ብፍላይ ባህርያዊ ናይ ወሊድ መቆጻጻሪ (ባህርያዊ መከላኸሊ ጥንሲ) ዝብል ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተገሊጹ ኣብ ዘሎ ዝጸንዔ ኣመለኻኽታ ቤተ ክርስቲያን ከምዘቓልሑን ሕጻን ምውላድ ናይ ምስጢረ ተክሊል ባህርይ ናይ ተዋስቦ ባህርይ እዩ። ስለዚህ ሰብ ሓዳር ነዚ ባህርይ ክፉታት ክኾኑን ጽንሲ ንምቁጽጻር ባህርያዊ ናይ ወሊድ መቆጻጻሪ ተጠቀምቲ ክዀኑ ከምዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.