2014-10-14 17:19:09

ንጸጋ እግዚአብሔር ልብና ብምኽፋት ብአና ክሰርሕ ነፍቅደሉ እምበር አብ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ሱቝ አይንበል፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምቲ ልሙድ ትማል ንግሆ እውን አብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ነቲ ብግጻዌ ሥርዓተ አምልኾ ላቲን ዝተነበ ካብ ወንጌል ሉቃስ 11:29 “እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሃቦን።
ከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ። ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽትዅንኖ እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ እሎ።
ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ኪዅንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ኣብዚ አሎ።” ዝብል ቃል ወንጌል ብምምርኳስ “ነቲ እግዚአብሔር ብሃንደበት ዝህበና ጸጋ ልብና ንኽፈት ብምልክታት ግዜ ተዓኒድና አይንትረፍ” እንክብሉ ነቲ ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕጊ ዝበሎ ደጊሞም፣
ኢየሱስ ነቶም ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ምልክት ክህቦም ዝሓተትዎ ሊቃንቲ ሕጊ “እዚ ሕሱም ወለዶዚ” ቢሉ ይገልጾም፣ ምንምኳ ብዙሕ ግዜ ምልክት ይሕተትዎ እምበር ኢየሱስ አብ ካልእ አጋጣሚ ከአ “ዕውራት መራሕቲ ዕውራት” እናበለ ነቲ ዝተዋህቦም ምልክት ክር እይዎ ከምዘይከአሉ እውን ይገልጽ ኢዩ፣
“እዞም ሊቃንቲ ሕጊ እዚኦም እንታይ ኮይኖም ኢዮም ነቲ ኢየሱስ ዝህቦም ዝነበረ ምልክታት ክርድእዎ ዘይከአሉ? ቢልና እንተሓተትና ቅድሚ ዝአገረ አብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ነሮም፣ አብቲ ባዕሎም ዘዋደድዎ አገባብ ምሕደራን ዘስተርጐምዎ ሕግን ተዓጽዮም ነሮም፣ ኩሎም ዕብራውያን እንታይ ክትገብር አሎካ እንታይ ክትገብር የብልካን ክሳብ ናበይ ክትከይድ ትኽ እል ናበይከ አይትኽ እልን ዚዓይነቱ ደቀቅቲ ሕግታት ይፈልጥዎ ነሮም፣ ኩሉ አብ ትሕቲ እዚ ስርርዕ እዚ አትዩ ነሩ ንሳቶም እውን ርግጸኛታት ነሮም፣ እቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ን አ ኦም ስግንጢር ኢዩ ነሩ፣ ል ዕሊ ኩሉ ምስ ሓጢአተኛታት ክጐዓዝ ከሎ ምስ መጸባሓውያን ክበልዕ እንክርእይዎ ይወሓጠሎም አይነበረን፣ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሖም ሊቃውንቶም አብ ዘመናት ዝሰርሕዎ ትምህርቲ ሃይማኖቶምን ሊቃውንቲ ሕጊ ሙሴን አብ ሓደጋ ዚአቱ ኮይኑ ይስምዖም፣ ልክ ዕ ኢዩ እዚ ዝገበርዎ ንፍቅሪ እግዚአብሔር እሙናት ኮይኖም ንኽርከቡ ይገብርዎ ነበሩ ኮይኑ ግን አባኡ ጥራይ ተዓጽዮም ተሪፎም፣ ነቲ ታሪኽ ረሲዖሞ እቲ ሕጊ ሕጊ እግዚአብሔር ምዃኑን እግዚአብሔር ከአ ብሃንደበት ከምዝሰርሕ ረሲዖሞ፣ ነዚ ከአ ብግብሪ አርእዎም ኢዩ ንአብነት ነቲ ካብ ግብጺ ብሃንደበት ዘውጽኦም ድሮ ዘንጊዖሞ፣
“እግዚአብሔር ብዘገርም ሃንደበትነት ከምዝሰርሕን ወትሩ ሓዲስ ከምዝኾነን ዘንጊዖም፣ በዚ ከአ ንገዛእ ርእሱ ዘይክሕድ ኪዳኑ ዘይጠልም እቲ ዝበሎ ዘይርስዕ ኮይኑ ወትሩ ግን ብሃንደበት ምስ አገረመ ኢዩ፣ አይሁዳውያን ግን ዕጽዋት ስለዝነበሩ በቲ ብጽቡቅ ድላይ ዝሠርዕዎ መሣርዕ ተዓጽዮም ስለዝነበሩ ንኢየሱስ “እሞ ንስካ ኢየሱስ እቲ መሲሕ ከምዝኾንካ ክን አምንሲ እንታይ ምልክት ትህበና” ቢሎም ይሓትዎ፣ ኮይኑ ግን ነቲ ኢየሱስ ዝህቦም ዝነበረ ብዙኅ ምልክታትን እቲ ግዜ ከምዝበጽሔ ዘመልክቶም ዝነበረን ክርድእዎ አይከአሉን፣ ዕጽው ምዃን እዚ ኢዩ ጸገሙ፣ ብካል አይ ደረጃ እንተተመልከትና ከአ አብ ጕዕዞ ዝነበሩ ሕዝቢ ምዃኖም ረሲዖም፣ አብ ጕዕዞ እንከሎኻ ጠጠው ምባል የሎን ጕዕዞኻ ምቅጻል የድሊ አብ ጕዕዞ እንተሊኻ ከአ ወትሩ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ሃደስቲ ነገራት ትረክብ፣ ክንርድኦ ዘሎና ጕዕዞ ናብ ዕላማ ዘብጽሕ ደአ እምበር ባዕሉ ዕላማ አይኮነን እቲ ዕላማስ ተግልጾ ናይቲ ጐይታ ኩሉ ዝኾነ ምምጻዕ ናይ መሲሕ ኢዩ፣ ሕይወት ኢየሱስ እውን ክሳብ ኩሉ ተፈጺሙ ካልአይ ግዜ ክፈርድ ዝመጽእ ጕዕዞ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ክርስቶስ ነቲ ሊቃውንቲ ዝደልይዎ ምልክት ይህቦም ምልክት ዮናስ እዚ ከአ ምሥጢረ ትንሣኤ ዘመልክት ኮይኑ እቲ ኵልና ንጐዓዙ ናይ ክብሪ ጕዕዞ ኢዩ፣ እንተኾነ እዞም ሊቃውንቲ ሕጊ በቲ ናቶም ሕግን ሓሳብን ጥራይ ተዋሒጦም ስለዝነበሩ ነቲ ብሩህ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ዓለም ፍርዲ እውን ዘንጊዖም ተረኽቡ፣ ስለዝኾነ ከአ እቲ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ወዲ እግዚአብሔር ምዃኑ ምስ ገለጸ ከም ን እግዚአብሔር ምጽራፍ ገይሩ ስለዝረአዮ ክዳኑ ዝቀደደ፣ በዚ ከአ ኢየሱስ ሕሱም ወለዶ ይብሎም፣ እቲ ዚዓበየ ጸገም እዞም ሊቃውንቲ እዚኦም እቲ ንሶም ብፍቅሪ እግዚአብሔርን ብተአማንነትን ዝሕልውዎ ዝነበሩ ናብ ኢየሱስ ዘብጽሕ መንገዲ ምዃኑ ምዝንጋዖም ኢዩ፣ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይብጽሕ ሕጊ ምውት ሕጊ ኢዩ፣
“እዚ ከአ ክተሓሳስበና አለዎ! በብግልና ከአ አነስ አብ ጉዳያተይን ሓሳባተይን ጥራሕዶ ተዓጽየ እነብር አሎኹ? ወይስ ነቲ ዘገርም ሃንደበታዊ ሥራሓት አምላኽ ልበይ ክፊተ እጽበ? አብ ዘሎኹዎ ተዓኒደ ደው ዝበልኩ ድየ ወይስ አብ ጕዕዞ ዘሎኹ ሰብ? አብቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ማለት ዝሓመሞ ዝሞቶ ንታሪኽ ዝለወጦ ብምእማን እዚ ጕዕዞ እዚ ክሳብ ብስለት ጊዜ ማለት ናይቲ ብኽብሪ ምግላጽ አሚነዶ እጐዓዝ? እቲ ጐይታ ብአኡ ገቢሩ ዝግለጸሉ ናይ ዘመነይ ምልክታት ብምርዳእ ንድምጺ ጐይታ ሰሚዔ ክርድኦዶ እርከብ? ሎሚኸስ በዘን ሓሳባት እዚ አተን ኅልናና እናመርመርና ንጐይታ ነቲ ሕጉ እነፍቅረሉ ነቲ ሃንደበታዊ ዘገርም ሕዳሴ ሃህ ቢሉ ዝቅበል ልብን ሂቡ እዛ ቅድስቲ ሕጊ እዚአ ባዕላ ዕላማ ከምዘይኮነት እንርደአሉ ጸጋ ንለምን፣ አብ ጕዕዞ ኢና ዘሎና እዚ ጕዕዞ እዚ ዚፍጸመሉ ከአ እቲ ዓቢ ምልክት ወዲሰብ ዝኾነ ክርስቶ ብኽብሪ እንራኸበሉ ኢዩ፣ ክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.