2014-10-11 16:35:05

ሲኖዶስ፣ ተፋቲሖም ካልኣይ መርዓ ንዝፈጸሙ ናይ ንስሓን ጣዕሳን ኣንፈት


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ በቢ ዕለቱ ድሕሪ ቐትሪ ዝህብዎ ጸብጻብ ዛዕባ እቲ ኣብ ስድራ ቤት አማእኪሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ፍሉዩ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብምቕጻል ዕለት 10 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ናይ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዋዕላ ብዛዕባ እቶም ምስጢረ ተክሊል ኣፍሪሶም ካልኣይ መርዓ ብሄር ዝፈጸሙ ናብ ናይ ሱታፌ ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ሃረር ንዝብሉ ናይ ሓባር ሊጡርጊያ ስርዓተ ንስሓ ክፍጽሙ ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ ኣብቲ ዋዕላ እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ሲኖዶስ ብመዝነት ተዓዛቢ ዝሳተፉ ዘለዉ ዓለማውያን ምእመናን ሰፊሕን ዓሚይቕን ርእይቶ ከምዘቕረቡ ኣዘኻኺሮም፣ ብዛዕባ እቶም ምስጢረ ተኪል ፈጺሞም ዝተፋትሑ ዝምልከት ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ሲኖዶስ ነዚ ዝዝትየሉ ሓደ ነጥብ ከምቲ ዋና ናይቲ ሲኖዶስ ርእሰ ጉዳይ ገይረን ሰፊሕ ትንተናን ሓሳብን ዘቕርባሉ ዘለዋ ንኡስ እርእስቲ መሰረት እቲ ሲኖዶስ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየድሉ እንክሕብሩ፦ “ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣበው፣ ምስጢረ ተኪሊል ኣፍሪሶም መርዓ ብሄር ዝፈጸሙ እቲ ቃል ኪዳን ምፍራስን ካልኣይ ሓዳርን፣ ኣብ ልዕሊ ውላድ ዘለዎ ሳዕቤንን ነቶም ኣብ ካልኣይ መርዓ ዝርከቡ ዝወሃብ ፍርዲ ዓቢይ ግምት ሂብካ ምስቶም ካልኣይ መርዓ ዝፍፈጸሙ ዝካይድዎ መንፈሳዊ ጉዕዞ ዓቢይን ዓሚይቕን ክኸውን ከምዘለዎን፣ ካብዚ ብምብጋስ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ተፋቲሖም ካልኣይ መርዓ ንዝፈጸሙ ናይ ንስሓን ጣዕሳን ኣንፈት ማለት ናይ ሓባር ሊጡርጊያ ስርዓተ ንስሓ ክፍጽሙን እዚ ድማ ናይ ንስሓን ከይዲ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ” ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣመልኪቶም።
እቲ ናይ ሓባር ሊጡርጊያ ስርዓተ ንስሓ ናብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ዝመርሕ ኣንፈት ዘጠቓልል ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶ ከምእተልዓለን ሓደ ካብቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ድማ፦ “ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ እቶም ድሕሪ ቃል ኪዳን ምፍራስ ኣብ ካልኣይ መርዓ ዝውለዱ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ሱታፌ ከይህልዎም ዝብል ዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ ብምሕዳስ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ፍቑድ ዝብል ውሳኔኦም ኣብቲ እዋን ብዙሕ ኣካቲዑ እዩ። እቲ ህዳሴ ሎሚ ክንርእዮ እንከለና ተራ ውሳኔ ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል። ኣብ እዋኑ ግን ዓቢይ መሰረታዊ ለውጢ እዩ ነይሩ፣ ከምዚ ዓይነት ዓቢይ ሱር በተኽ ለውጢ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ንዝቐርቡ ሕቶታት ብቑዕ መልሲ ዝህብ ውሳኔ ክስትንተን ወይ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘተባብዕ መሰረታዊ ለውጢ ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።
እቲ ካልእይ ነጥቢ ድማ ብዛዕባ ናብ መርዓ (ናብ ምስጢረ ተኽሊል) ዝመርሕ ዝወሃብ ትምህርተ ክርስቶስ ዝምልከት እዩ። ኣቲ ኣብዚ እዋን ቤተ ክርስቲያን እትህቦ ናይ ምስጢረ ተኽሊል ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ሓጺር ጊዜ እዩ። ምእንቲ’ዚ ምስቲ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዝኸይድ ነቲ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ናይ ኣባይቲ ስድራ ብድሆታት ግምት ብምሃብ፣ እቲ ነቶም ቃል ኪዳን ክኣስሩ ዝወሃብ ትምህርተ ክርስቶስ ዓሚዩቕን ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸትን ኣብ ሰብኣውነትን መንፈሳውነትን ዘዕብይን ዘብስልን ምስጢረ ተኽሊል፣ በዓል ጥራሕ ከምዘይኰነን፣ ዓቢይ ቅዱስ ምስጢር ምዃኑ ንኽስትንተን ዘብቕዕ ምስንዳው ኽከውን ኣለዎ። ምስጢረ ተኽሊል ኣብ ዝስርዓሉ እዋን ዝቐርብ ስብከት ንናይ ኣባይቲ ስድራ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓቢይ ግደ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ። ስለዚህ ብቐሊሉ ክረአይ ከምዘይብሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰቡን፣ ምስጢረ ተኽሊል ጸዋዕታ ከምዝኾነ ድማ ከምእተስተንተነ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ ኣስዒቦም ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ Humanae Vitae-ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ተወኪሶም ሰፊሕ ኣስተንትኖን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ኣካይዶም ብፍላይ ባህርያዊ ናይ ወሊድ መቆጻጻሪ (ባህርያዊ መከላኸሊ ጥንሲ) ዝብል ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተገሊጹ ኣብ ዘሎ ሓሳብ ሰፊሕን ዓሚዩቕን መጽናዕቲ ክግበረሉ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣመልኪቶም።
ኣብቲ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከት ካቶሊካዊ ተቛማትን መናብርተ ጥበብን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዋቕርን ከምኡ እውን ኣብ ናይ መንግስቲ መዋቕር ዓለማውያን ምእመናን ዘለዎም ዓቢይ ግደ ክስትውዓልን ኣብዚ መዳይ ተራ ዓለማውያን መእመናን ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ከምዘለዎ ብፁዓን ኣበው ከምዘተሓሳሰቡን፦ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕይወት ምእመናን ህልውቲ ክትኸውንን ምእመናን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ህልዋት ክዀኑን፣ ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኣባላት ዓለማውያን ምእመናን ዝብል ጥራሕ ዘይኰነስ ካብቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘየቋርጽ ሱታፌ ዘለዎም ምእመናን ሰገር ዝርእን ዝኸይድን ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ቤተ ክርስቲያን ንኹሉን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነቶም ቤተ ክርስቲያን ዝመላለሱ ምእመናን ጥራሕ ዝምልከት ክኸውን ከምዘይብሉ ዘረድእ ሓሳብ እውን ከምዝቐረበ ኣባ ሎምባርዲ ከምዝገለጹ ጂሶቲ ሓቢሮም፣ እቲ ናይ ሲኖዶስ ኣበውን ተዓዘብቲ ዓለማውያን ምእመናን ሓሳብ ዝቕረብሉ ዋዕላ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ድቒ ዝግበር መጽናዕትን ድቂ ንምቁጽጻርን ናይ ድላይ መጋበርያ ክኸውን ዝግበር ሰብኣውነት ዘየኽብር ስነ ምርምርን ንምንጻል ጽንሲ ከም ናይ ወሊድ መቆጻጻሪ ጌርካ ብምሕሳብን እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ይሰፍሕ ከምዘሎን፣ ጽንሲ ምንጻልን መውስቦ ሓደኣዊ ጾታ ከም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ገርካ ንምቕራብ ዝካየዱ ጎስጓሳትን ገለ ገለ መንግስታት እቲ ዘይሕግዊ ጽንሲ ምንጻል፣ ሕይወት ንምድሓን ብዝብል ውሳኔ ሕጋዊ ጽንሲ ምንጻል ፍቑድ ዝግበሩን እቲ ቀዳማይ ይኹን ካልኣይ ኣገባብ ኩሉ ጸረ ሕይወት ምዃኑ ከምተሰመረሉን ኣብ መወዳእታ እውን ብዛዕባ ስደተይናታት ዘተ ተገይሩ ናይ ስደተይና ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ስደተይና ኣባይቲ ስድራ ክንክንን ብዛዕባ መበለትን በዓልቲ ቤቱ ዝሞተቶን ዝምልከት እውን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ጂሶቲ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.