2014-10-09 16:31:36

ሲኖዶስ፦ ክርስትያናዊ መርዓ ናይ ሕጉስ ፍቕር ቤት ማለት እዩ


RealAudioMP3 ኣብ ሳልሳይ ዋዕሎ ፍሉይ ሳልሳይ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፦ “ጾታዊ ስምዒት ኣብ ኣገልግሎት ፍቕርን ሰብን” ዝብል ሓሳብ ከምእተሰመረሉ ብተዓዛቢ መዝነት ዝሳተፉ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ሮማኖ ፒሮላን ማቪስ ፒሮላን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ጾታዊ ስምዒት ካብ ፍቕሪ ዝንጽል ዝሰፍሕ ዘሎ ንዱር ግብረ ስጋውነት ባህሊ ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክሳብ ክንደይ ዓሚዩቕን ሰፊሕን ማለት እቲ ናይ ስድራ ቤትን መጻምድትን ተመስጦኣዊ ሕይወት ዘነቓቕሕ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ እንክምልከት ኣዞም ሰብ ኣውስትራላውያን ሰብ ሓዳር ኣብ ኣውስትራሊያ ካቶሊካውያ ሰብ ሓዳር ማሕበር ሓላፍትን ናይ ስድራ ቤት ቤት ምኽሪ ኣባላትን ሮማኖን ማቪስ ፒሮሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት መርዓ ናይ ጾታዊ ስምዒት ቅዱስ ምስጢር እዩ። ናይ መርዓ ወይ ድማ ምስጢረ ተክሊል መንፈሳውነት ምስ ጾታዊ ስምዒት ዝተተሓሓዘ እዩ፣ ስለዚህ ናይቲ ስምዒት ቅዱሳዊ ምስጢር ጎድኑ ንምስትዎዓል እግዚኣብሔር የድልየና፣ እቲ መንፈሳውነት ንምዅስኳስን ንምምዕባለን እቶም ሰብ ሓዳር ካብ ጾታዊ ስምዒት ክውገኑ ዘይከኣል እዩ፣ ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ዝምልከት ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ኣሉታዊ መልሲ ጥራሕ ዘለዋ ኰይና እያ እትሕሰብ፣ ቤተ ክርስቲያን ግን ቅዱስነት ጾታዊ ስምዒት እያ እተበክር፣ ድሕሪ መርዓ ንጾታዊ ስምዒት ዳርጋ ቦታ ከምዘየለ ድሕሪ መርዓ ጾታዊ ስምዒት ሞይቱ ዝብል መሰረተ ኣልቦ ኣተሓሳስባ ክንዛሕ ንርእን ንሰምዕን ክንደይ ሰብ ሓዳርን ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ጾታዊ ስምዒት ከናይድዩ ንርኢ፣ ብዙሓት ዳርጋ ብምሉኦም እውን ክበሃል ይከኣል ድሕሪ እቲ ካብ ሓዳር ወጻኢ ስጋዊ ርክብ ሰብኣውነቶም ከምዝጐድኡ ኰይኖም እዮም እቲ ተመክሮ ዝነብርዎ፣ ቃል ኪዳን መንፈሳዊ ሓልዮን ክንክንን ዘድልዮ እዩ። ኣብ ሓዳር ጸገም ዘይምርድዳእ የሎን ማለት ኣይኮነን ኰይኑ ግን ብቅዱሳት ምስጢራት ተደጊፍካ ካብ እግዚኣብሔር ብዝዕደለካ ጸጋ ነቲ ዘጋጥም ግጭትን ዘይምርድዳእን እናፈታሕካን እናሰዓርካ በቢ ዕለቱ እናተፋቐርካ ትነብር ኢሎም።
ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ሓዳርን ቃል ኪዳንን ምስጢረ ተክሊልን ብኣሉታዊ ዝገልጽ ብዙሕ ዓይነት ኣመለኻኽታ ብዝተፈላለየ መዳይ ክግለጽ ይስማዕ ሓዳር ግን ሽግር ዘይኰነስ ዓወት እዩ ጽቡቕን ጸጋን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.