2014-10-09 16:25:20

ሲኖዶስ፦ ናይ እምነት ቅልውላው ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ በቢ ዕለቱ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ንዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን መራኸቢ ብዙሃን ዝውክሉ ልኡካን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ስድራ ቤተ ኣማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ፍልዩ ሳልሳይ ሲኖዶስ ኣማኪሎም ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቕጻል ዕለት 8 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ብዛዕባ ሳልሳይ ዋዕላ ሲኖዶስ መግለጺ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ሓቢሮም።
ቤተ ክርስቲያን ክም ሽግ ናይ ሕዝቢ ከይዲ እተሰንይ እያ፣ እምነት ንሓደ ኣምር ስዕቦ ዘይኰነስ ናይ ምርኻብ ስዕቦ ቃል ኪዳን ምስ ክርስቶስ ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ሳልሳይ ዋዕላ ከምእተሰመረሉ ዝሓበሩ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ሲድኖዶስ ድሕሪ ቀተሪ ዕለት 7 ን ከምኡ እውን ዕለት 8 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ብፁዓን ጳጳሳት ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ብሰፊሕ ሓሳብ ከምዘቕረቡን፣ ኣብ ሳልሳይ ዋዕላ ዛዕባ ናይ እምነት ቅልውላው ኣባይቲ ስድራ ሰፊሕ ምይይጥን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደን፦ ቅልውላው ኣባይቲ ስድራ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣ ቅልውላው ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሕብረተሰብ እውን እዩ፣ እዚ ድማ ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ኵነት ቅልውላው ኣብ እምነት ዝተተሓሓዘ ጉዳይ እዩ። እዚ ቅልውላው’ዚ ድማ እምነት ማለት ንሓደ ኣምር ንሓደ ትምህርቲ ምስዓብ ማለት ዘይኰነስ ቅድም ቀዳድም እምነት ንክርስቶስ ብግሊ ምስዓብን፣ ንክርስቶስ ምምራጽን ምስ ክርስቶስ ምራኻብን ምሳኡ ቃል ኪዳን ምቛም ማለት እዩ” ምእንቲ’ዚ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ነዚ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ካብዚ ኩነት ብምብጋስ ነዚ ቅልውላው ንምብዳህ ኣብ ገዛእ ርእሶም ክውከሱ ዘይኰነስ እቲ ዘገድስ ኣብ እግዚኣብሔር ምውካፍን እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘቃልሑ ኣባ ሎምባሪ ከምዝገለጹ መኒከቲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ሳልሳይ ዋዕላ ብዙሓት ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሔር ምውካስን ምውካፍን ደኣ እምበር እምነት ውስንነትና ድኻምነትና ከም መምዘኒ ገይርና ከይንሓስብን እቲ መምዘኒ ክኸውን ዘለዎ ጸጋ እግዚኣብሔርን እምነት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሔርን እዩ። ስለዚህ እዚ ድማ ከም መምዘኒ ተግባርናን ውሳኔናን ክኸውን ኣለዎ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሔር ምውካስን እምነት ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑን ከምኡ እውን ኣገዳስነት ጸሎትን መንፈሳውነት ኣብ ሕይወት ስድራ ቤትን፣ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብዛዕባ ምሕረትን ዕርቅን ከምኡ ድማ ጸጋ ዕርቅን ምሕረትን ንምርካብ ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝጽለየሉ መንፈሳዊ ንግደትን ዝገልጹ ብሓቂ ዝምስጡ ዘረባታት ከምእተሰምዑን ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ ብዙሓት ጸጋ ጥቅምት ዝተቐበሉ ኣብ እምነት ዝደኸሙን ከምዚ ኢሎም እንከለዉ ብዘይ ብቑዕ ኣስተውዕሎ ምስጢረ ተክሊል ዝቕበሉን እዚ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ተኽሊልን ዘሎ ልማዳዊ ተራኽቦነት ወይ ድማ ማሕበራዊ ሕጹጽነት ኰይኑ ምሕሳቡ ኣወጊድካ ጸዋዕታ ምዃኑ ምስትውዓል ከምዘድሊ ዝተሰመረሉን ዋዕላ ከምዝነበረን፣ ብተደጋጋሚ ዝስመረሉ ዝነበረ ሓሳብ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ሓቅን ምሕረትን ኣብ መንጐ ተኣማንነት ንናይ ቤት ክርስቲያን ሰረተ እምነትን ሥልጣናዊ ትምህርትን ቆላሕታ ንናይ ብዙሓት ሰባት ስቓይን ዝብል ሓሳብ ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ እንክገልጹ፦ “ነዚ ሓሳብ ንምትንታን ድማ ነቲ እንነብረሉ ዘሎና ኵነት ብዛዕባ ኵነት ባህሊ ነጻነት ዝብል ብምግላጽ ኣብ እዋናዊ ዓለም ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰረተ እምነት ዘሎና ርክብን ክህልወና ዝግብኦ ርክብን ከመይን እንታይን ክኸውን ከምዘለዎን፣ ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝቐረቡ ሓሳባት እቲ ኣዚዩ ዝምስጥ ምስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምምስሳል ዝተገልጸ ንሱ ድማ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝብል ሓሳብ ምስ ተኣማንነት ኣብ ሓቅን ንሓቅን ምስቲ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሓቂ እትፍጽሞ ተልእኾን ምስ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝብል ውሳኔ ኣሳኒኻ ንምቕራብ ዘርኣዮ ብቕዓት ከምዝኾነን ምስ እዚ ብምምስሳል ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከመይ ክቐርብ ከምዘለዎ ዝተሰመሩ ሓሳብ” ምዃኑ ድማ ገሊጾም ኣብቲ ናይ ሳልሳይ መዓልቲ ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ስድራ ቤት ዘማእከለን ስድራ ቤት ንምድጋፍ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዳይ ዝፍጸም ከይዲ ቅጽስቲ መንበር እተበርክቶ ኣገልግሎትን ብፍላይ ድማ ኣብዚ መዳይ ብዝተፈላለዩ ርእየተ ዓለም መሰረት ዝቐርብ ናይቲ እንኰ መላኺ ኣመለኻኽታ መምዘኒ ኩሉ እናዀነን ቃል ኪዳን ትርጉም ብምንእኣስ ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ክሰርጽ ዓቢይ ጻዕሪ ዝግበረሉ ዘሎ ባህሊ ኣብቲ ዋዕላ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተገብረሉ ሓቢሮም፦ “ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ካቶሊካውያን መንእሰያትን ጽባቔን ውህበትን ስድራ ቤትን ምስጢረ ተክሊልን ዘነጽር ኣገልግሎት ተልእኾ ወንጌል ዝፍጹሙ ክኾኑ ምትብባዕን ኣብዚ ተልእኾ’ዚ ድማ ብቐዳምነት ክዋስኡ ንምንቕቓሕን ዘለዎ ኣገዳስነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ተረኾቦም ንመንእሰያት ነቲ ጊዚያውነት ዝብል ባህል በቲ ኣብ ምርግጋእ ዘሎ ትብዓት ብምምስካር ክገጥሙን ክብድሁን እንክብሉ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን መሰረት ከምእተገልጸን፣ ስለዚህ እቲ ዋዕላ ሲኖዶስ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ወንጌላዊ ልኡክነት ስድራ ቤት ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘስመረሉ” ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፦ “ስድራ ቤት ውህበትን ውበትን (ጸጋን ጽባቔን) ማሕጸን ዝተፈላለዩ ጸዋዕታ ከምዝኾነን፣ ስድራ ቤት እቶም ኣዚዩ ተነቀፍቲ ዝኾኑ ዜጋታት ዝእንገድሉን ብፍላይ ድማ ሕሙማንን ኣረጋውያንን ዝእለይሉ ናይ ርህራሄን ፍቅርን ምጽንናዕን ግቡእ ስፍራ እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዋዕላ ከምእተቓልሔን ኣብ ጉዳይ ስድራ ቤተ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝምልከቱ ምስ ፍትሕን ሰላምን ዝተጣመሩ ድኽነትን ዓመጽን ውግን ስደትን ወሊድ ንምቁጽጻር ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝወርድ ጸቕጢ ዘጣመሩ ሓሳባት ከምዝቐረቡን ምስጢረ ተኽሊል ዘይብተኽ ክበሃል እንከሎ ንኽብሪ ሰብ ሓልዮት ክነሱ ምስ እዚ ዝገራጨው ተበታኺ እዩ ንምባል ዝቐርቡን ዝጸድቑን ሕግታት ነቲ ናይ ወዲ ሰብ ጥቕሚ ዝተሃላለኽን ዝቓወምን እዩ። ኣብ ምውስቦ ዘሎ ጥምረትን ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ጥምረት ዘሎ ምርግጋእን ሓቅነቱ ኣብ ምዃን ሰብኣዊ ፍጥሪ ዝተጻሕፈ ብኑባሬ ዘሎ ውህበት እዩ። ስለዚህ ነዚ ንምቅዋም ዘይኰነ ዘልዲ ነዚ ሓቅነት ምዃን ሰብ ከመይ ቢልካ ብኹሉ ርዱእ ኰይኑ ኣስተውዕሎ ክረክብ ብዝተፈላለየ መዳይ ምትጋህ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ዓለም ዝበጽሖ ዘሎ ዝተራቐ ምዕባለ ክጥቀም ዝክእል ኣስፍሆተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሕጹጽ ኣገዳሲ ምዃኑን ካብዚ ብምቕጻል ውላድ ዘይብሎን ኣባይቲ ስድራን ብዝተፈላለየ ውግእን ሕማማትን ኣልቦ ውላድ ዝተፈሩ ኣባይቲ ስድራን ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ እውን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን መኒከቲ ኣምለኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.